ድለ

After prime minister pledges to step down, uneasy quiet in Haiti capital After prime minister pledges to step down, uneasy quiet in Haiti capital 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቶም ኣብ ሀይቲ እተጨውዩ ሰባት እፎይታ ኸም ዚረኽቡ ገለጹ

ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሃይቲ ተጨውዮም ዝነበሩ ሓደ መምህርን ኣርባዕተ ኣባላት ሰብ ውፊይ ሕይወትን ናጻ ብምውጽኦም ዝተሰምኦም ሓጐስ ገለጹ። ነቶም ገና ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ውን ናጻ ንኽወጹ ምሕጽንታ ድሕሪ ምቕራብ ምእንቲ እተን ብውግእ ዝዓንዋ ዘላ ዩክረይን ፍልስጥኤምን እስራኤል ደቡብ ሱዳን ከምኡውን ሶርያ ድማ ጸሎት ኣዕሪጐም።
ር. ሊ. ጳ. ድሕቲ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ንጋድያን ምእመናንን በጻሕትን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታትን፣ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ሓደ መምህርን ኣርባዕተ ኣባልት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ ሃይቲ ተጨዎም ድሕሪ ምጽናሕ ናጻ ብምውጻኦም እፎይታ ከም ዝተሰምዖምን ከም ዝተሓጐሱን ገለጹ ። ክልተ ካልኦት ገና ተጨውዮም ከም ዝለዉ ብምምልካት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ክፍትሑን ከምኡውን ንዅሎም እቶም ኣብታ "ፍቕርቲ ሃገር ዓመጻ በዚሕዎም ዘሎ" ናጻ ክወጹ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ።  እቶም ሽዱሽተ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ካብ ማሕበር ኣሕዋት ቅዱስ ልቢ ኮይኖም ኣብ ዝሓለፈ 23 ለካቲት ተጨውዮም ዝነበሩ ኢዮም ።

ሓድነት ንሓባራዊ ጥቕሚ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም ነቶም ኣብ ሃይቲ ዝርከቡ ፖለቲካውያንን ማሕበራውን መራሕቲ ጸቢብ ረብሓታት ገዲፎም "ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ መንጎ ዜጋታታ ስርዓትን ህድኣትን ከሰልጥኑሉ ዝኽእሉ ጽኑዕ ትካላት ናብ ዘለዋ ሃገር ንምህናጽን ሰላማዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምህናጽን፣ ሓባራዊ ረብሓ ንምሕላይን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሓድነት መንፈስ ክህልዎም" ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ምእንቲ እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብታት ንጸሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ እተን ብውግእ ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ከምኡውን ደቡብ ሱዳን ምጽላይ ክቕጽሉ ንኹሎም ምእመናን ምሕጽናታ ኣቕረቡሎም ። ህዝቢ ሶርያ ውን "ብሰሪ ውግእ ንነዊሕ እዋን መከራ ስለ ዝወርዶም ዘሎን" ኵነታቶም ከይንዝንግዕን ድማ ኣዘኻኸሩ ።

18 March 2024, 16:25