ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ካብ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍነተይ ክወርድ ኣይሓስብን እየ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ካብ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍነተይ ክወርድ ኣይሓስብን እየ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ካብ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍነተይ ክወርድ ኣይሓስብን እየ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ታሪኽ ህይወቶም ብሓፈሻ ኣብ ግዜ ምልካዊ ስርዓት ኣርጀንቲና ናይ ቁልዕነት ተዘክሮታቶም፡ ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ከም ሊቀ ጳጳሳት ቡኤኖስ ኣየርስ ከምኡ’ውን ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ምግልጋል “ኣብ ኣምላኽ ዝኣምንን እትኣምንን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ክገብሮ ዘለዎ” እዩ ዝብል እምነቶም ዘካፈሉላ መጽሓፍ ዕለት 19 መጋቢት ንንባብ ክበቅዕ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢጣልያ ዝሕተም ኮሪየረ ደላ ሰራ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሓባር ምስ ጋዜጠይና ቫቲካን ፋቢዮ ማርከሰ ራጎና ዛዕባ ታሪኽ ህይወቶም ናይ እተዘንትው ዘሕተምዋ መጽሓፍ ጽማሬ ዕለት 14 ግንቦት ንንባብ ከም ዝበቐዔን፡ ኮሪየረ ደላ ሰራ ኣብቲ ንንባብ ዘብቀዖ ሓጺር ጽማሬ እታ መጽሓፍ፥ ቅዱስነቶም ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብፍቓዶም እተለቒቖም “ልሂቅ ጳጳስ ዘበሮማ” ተባሂሎም ክጽውዑ ከም ዝመርጹን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ባዚሊካ ምቕማጦም ገይሮም ኣበ ንስሓ ኮይኖም ዝተረፈ ዕድመኦም ከም ሕልፉ ከም ዝመርጹ ድማ ሓቢሮም ይኹን እምበር “ካብ ሓላፍነቶም ብገዛእ ፍቓዶም ንኽለቁ ዝድርኾም ረዚን ምኽንያት ከም ዘየለን፥ "ከቢድ ኣካላዊ ዕንቅፋት" እንተዘይተፈጢሩ "ናይ ስልጣን ምልቃቕ ቅድመ ኩነት" ከምዘየለ ይገልጹ፡ እንተ ኣጋጠመ ግን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድሕሪ ምሕራዮም፥ በርጎሊዮ ብዝብል መጸውዕ ስሞም ዝኸተምዎ "ናይ ስንብታ ደብዳበ" ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዘረከብዎ ሰታሪት ከምዘሎ ይሕብሩ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ገና ብዙሕ ውጥናት እውን ከም ዘለዎን ይሕብሩ።

ኣብ ኣርጀንቲና እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት

እዛ ዕለት 19 መጋቢት ንንባብ እትበቅዕ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልዕሊ 300 ገጻት ዝሓዘት ንዅሉ መዳያት ህይወቶም ትፍትሽ ኮይና፥ እዚ ድማ ካብቲ ምስ ስድራቤቶም ዝነበሮም ርክብ ብፍላይ ከኣ ካብቲ ምስ ኣቦሓጎታቶምን ኣደሓጎታቶም ዝነበሮም ርክብን ወለዶም ኣብ 1929 ዓ.ም. ናብ ኣርጀንቲና ዝገበርዎ ጕዕዞ ስደት፡ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ማሕበር ኢየሱሳውያን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ዘሰንብድ ኣቶማዊ ፍጻመን እትገልጽን ቅዱስነቶም ኣብታ መጽሓፍ ይብሉ፥ "ኣቶማዊ ጸዓት ንውግእ ምጥቃም ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ክብርን ከምኡውን ኣብ መጻኢ ኣብ ሓባራዊ ቤትና ዝፍጸም ገበን ኢዩ። ከመይ ኢሉ ሓደ ሰብ "ሓድሽ ኣጽዋር ውግእ እናሰርሐ ተሓላቒ ሰላምን ፍትሕን" ከም ዝዀነ ክዛረብ ዝኽእል ዝብል ከቢድ ሕቶ ድማ የቕርቡ።

ኣብተን ገጻት ንታሪኽ ምልካዊ ስርዓት ኣርጀንቲና ዝምልክት ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ምስቶም በቲ ምልካዊ ስርዓት ደሓር ዝተቐትሉ ዝነበሮ ዓሚቝ ምትእስሳር፡ ኣብ ግዜ ወተሃደራዊ ስርዓት ጀነራል ኾርገ ራፋኤል ቪደላ ኣብ ሓደጋ ንዝነበሩ መንእሰያት ንምዕቋብ ዝነበሮም ተወፋይነትን ነተን ኣብ ህይወቶም ዓቢይ ጽልዋ ዝነበረን መምህሮም ኤስተር ንምድሓን ዝገበርዎ ዘይተዓወተ ጻዕሮም ብምዝካር እቲ ኣብ ኣርጀንቲና ዘጋጠመ ነገር "ንውሉድ ወለዶ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳን ነንብብ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እታ ብሓቂ ዴሰይና" ዝዀነት ኣስቴር "ኢ-እግዚኦብሔራዊት ኢማኒት ግን ከኣ ኣኽብሮት ዘለዋ" "ንእምነት ፈጺማ ዘየጥቅዓት" ምዃና ኣብታ መጽሓፍ ይገልጹ። ብዛዕባ ፖለቲካ ብዙሕ ምሂራትኒ እያ" ድማ ይብሉ።

እዚ ተዘክሮ እዚ "ድኻታት ሰንደቕ ዕላማ ወንጌል ስለ ዝዀኑን ኣብ ልቢ ኦየሱስ ስለ ዘለዉን ብዛዕባ ድኻታት ምዝራብ ብኡንብኡ ዴሰይና ኣይገብረካን ኢዩ " ከምኡውን" ኣብ ጥንታዊ ማሕበረሰብ ክርስትያን ኩሉ ናይ ኩሉ እዩ ዝነበረ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ - እዚ ዴስነት ኣይኰነን እዚ ንጹህ ክርስትና ኢዩ" ይብሉ።

ንህይወት ሰብ ምጥባቕ

ቅዱስነቶም ኣብታ መጽሓፍ ንህይወት ሰብ ምጥባቕ ንኽትዕ ዘይኣትው ውሳኔ ምዃኑን ህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ከም ዘለዎን ጽንሲ ምንጻል - ቅትለት ከም ዝኾነን ነዚ ዘፈጽሙ “ሓኻይም” ድማ “ዝተቆጽሩ ቀተልቲ” እንክብሉ ይገልጽዎም።

እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ንዅዕሶ እግሪ ዘለዎም ፍቕሪ ከምኡውን ብዛዕባ ማራዶናን ብዛዕባ እቲ "ድሕሪ ሕጂ ተለቪዥን ዝበሃል ኣይርእን እየ” እንክብሉ ብዛዕባ ዝገበርዎ ቁርጺ ፍቓድ ዝኣተውዎ ምብጽዓን እተዘንተው እውን እያ።

ምስ ር.ሊ.ጳ. በነዲክት መበል 16 ዝነበረ ርክብ

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ስልጣኖም ብገዛእ ፍቓዶም ምልቃቖም ስዒቡ ዝተኻየደ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት መራጺ ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ከም ዝሓረዮምን ፍራንቸስኮ ዝብል መጸውዕ ከም ዝመረጹን እዚ ካልእ ምዕራፍ ናይቲ ናይ ታሪኽ ሕይወቶም ዘዘንትው መጽሓፍ እዩ።

ፍራንቸስኮ “ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16  “ብህልዮኣውን ፖለቲካውን ዕላማታት ስነ-ምግባር ዘይብሎም ሰባት ከም መጋበርያ ክጥቀሙሎምን ኣብ መንጎ ፍራንቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16ን ተጻብኦ ኣመለኻኽታ ከም ዘሎ ገይሮም ከቕርቡ ዝፍትኑ ክርእዩ ዝፈጥረሎም ሓዘን እውን ይገልጹ።

"ህይወት፥ ታሪኸይ ኣብ ታሪኽ” ዘርእስታ ንእዋን ለበዳ ዝሽፍን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ሃብታም ባህልታትን ፍልልያት ህዝብታትን ኤውሮጳ ይዝክሩ፡ ኤውሮጳ ነዚ ከተስተውዕሎ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብመራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ኦርባን ተሰማዕነት ክረክብን፥ "ኩሉ ግዜ ሓድነት ኣብ ፍልልያት ምቛም የድሊ። ሕብረት ኤውሮጳ እውን ንኹሉ ከጽፍሕ ዘይኮነስ ኣብ ፍልልያት ሓድነት ምቛም ከም ዘድሊ ጽኑዕ እምነት ክህልዎ ይግባእ።

ከምኡ እውን ብዛዕባ እዚዩ ዘፍቅርዎ ርእሰ ጉዳይ - ተፈጥሮን ፍጥረትን ምክንኻል ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ብእምነት ዓይኒ ኮነ ብሰብኣዊ ብምምልካት ብፍላይ ንመንሰያት ብዛዕባ እዚ ክግደሱን ምህዳር ንምድሓን ብዙሕ ግዜ የብልናን ሕጂ ኣብዚ መዳይ እዚ ክንነጥፍ ዘቅርብዎ ጻውዕዒትን ስዒቡ ቅዱስነቶም ዝሓስብዋ ቤተ ክርስቲያን "ንኹሉ ሰብ ሓትሓቁፍን እትቕበልን ኣደ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ዋላ እቶም ኣብ ጌጋ ዘለዉ ኮይኑ ዝስምዖምን ኣብ ዝሓለፈ ብኣና ዝተፈርዱን"፡ ብዛዕባ ሓደኣዊ ጾታውያን ስግረ ጾታውያን፥ "ንጐይታ ዝደልዩን ግና ዝተነጽጉን" እተባረሩን እትሓስብብን ኣደ ኹሉ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን።”

ቅዱስነቶም "ቡራኬ ንዘይስሩዕ መጻምድቲ" ንዝብል ውሳኔኦም ደጊሞም ብምርግጋጽ፥ ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ብእግዚኣብሔር ዝፍቶ "ብፍላይ ሓጥኣን። ገለ ኣሕዋት ጳጳሳት ድማ ነዚ መንገዲ እዚ ከይስዕቡ እንተ ወሲኖም፡ እዚ ቅድመ - ባይታ ናይ ምፍልላይ እዩ ማለት ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ጠመቓዊ ትምህርቲ ወይ ዓንቀጸ እምነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ስለ ዘይኮነ።”

ሓደኣዊ ጾታን በርገሳዊ መውስቦን

ኣብ መንጎ ሓደኣዊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ተኽሊል ዘይከኣል እኳ እንተዀነ በርገሳዊ መውስቦ ግን ከምኡ ኣይኰነን ከመይሲ "እዞም ውህበት ፍቕሪ ዝነብሩ ሰባት እዚኣቶም ከም ካልኦት ሰባት ሕጋውነት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።”

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ እዋናት ዝተዛረብዎ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን እተገለሉ ሰባት ኣብ ቤቶም ከም ዘለዉ ኮይኑ ከም ዝስምዖም ንምግባር ዘተባብዕ ውሳነ ኢዩ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም እተጠምቁን ብዅሉ መዳይ ክፍሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዝዀኑን ኢዩ። እቶም ዘይተጠምቁን ኪቕበልዎ ዚደልዩን ወይ ኣበ ክርስትና ወይ እመ ክርስትና ክኾኑ ንዝደልዩ በጃኹም ሓንጐፋይ ኢልና ንቀበሎም።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  "ር.ሊ.ጳጳሳዊ ስልጣን ክጎድል ይገብሩ ኣለዉ ወይ የጥፍእዎ ኣለዉ" ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ዝፈጥሮ በሰላ ክሓብኦ ኣይደልን ዋላ እውን "ወትሩ ተሓድሶ ኺዓግት ዚጽዕር ሰብ እንተሎ ኣብ ግዜ ኣብቲ ቀደም ዝነበረ ር.ሊ.ጳ. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራሕ ዘይኮነስ ንጉስ እውን ኣብ ዝነበረሉ ታሪኽ ጠቢቑ ኺነብር ዝደሊ ሰብ" እንተሎ ቫቲካን ኣብ ኣውሮጳ ናይ መወዳእታ ፍጹም ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ ዘለዋ ሃገር እያ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እዛ ሃገር እዚኣ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ናይ ቤት ፍርድን ውዲት ይግበር እዩ፣ ኰይኑ ግና እዚ ሜላታት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኪሕደግ ኣለዎ" ዝብል ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎም ኮሪየረ ደላ ሴራ ናይታ ዕለት 19 መጋቢት ንንባብ እትበቅዕ ታሪኽ ህይወት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እትነግር መጽሓፍ መሰረት ገይሩ ዘቕረቦ ናይ ጽማሪ ጽሑፍ ይዛዝም።

16 March 2024, 17:15