ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ሕርየቶም ብጓሂ ውግኣት ኣብ እትሳቐ ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰር ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሰማእት ዩክረይን ሰላም ክወርድ ልዕሊ 150 ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቶኽሲ ደው ክብል 60 ግዜ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፡ መራሕቲ ሃገራት ነቲ ህዝቢ ዓለም ዘሕልፎ ዘሎ "ጸልማት ሰዓት" ብምርኣይ በቲ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ስቓይ ተደሪኾም “ንሰላም ዝኣተመተ ጻዕርታት ኪገብሩ ብዘይ ምቁራጽ ይሓትቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ዝሞቱ፡ ህይወቶም ዝባኽን መንሰያት ክርኢ እሳቐ . . . ክትጻወሮ ዘይከኣል ሓዘን እዩ!

ልክዕ ቅድሚ ሓደ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዘን ቃላት እዚኣትን ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ ሕርየቶም ኣብ ዘብዓሉላ መዓልቲ ኣብ መላእ ዓለም ብኣሽሓት ዝቑጸራ ኣዴታት ዘሕልፍኦ ዘለዋ ስቓይ ተኻፋፍልነቶም ከም ዘረጋገጹ ይዝከር። ሓሳቦም ብፍላይ ናብቶም ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝሞቱ መንእሰያት ዝቐንዐ ኮይኑ፡ መንሰያት ዘሕልፍዎ ስቓይን ዓመጽን ከብቅዕ ይላበዉ። እዚ ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ ድኹም ጭርሖ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ስቓይ ህዝቢ ዩክሬን ብቐጻሊ ዘዘኻኽር ሓሳብ እዩ። ሕጂ እውን ኣብዚ መበል 11 ዓመት ሕርየቶም ዕለት 13 መጋቢት 2024 ዓ.ም. ኣብ እተዘከረሉ ዕለት ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ኣየቋረጸን። ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምስፋሕ ዕቑር ሃይሊ ዘለዎ ግጭት፣ ነቲ ክህሉ ዝኽእል ምውፋር ሰራዊት ኤውሮጳ ዝያዳ ክጋደድ ኮይኑ ስግኣት ኑክለሳዊ ምላሽ ክህሉ ዝገብር ብዓንተውኡ ከይህሉ ዝላበው ጻውዒት እዩ።

ድሕሪ እቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣስታት 31 ሽሕ ሰባት ሞት ዘስዓበ ወተሃደራዊ ምላሽ እስራኤልን ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ብርቱዕ ስቓይ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም እናተፈናጀረ ዝካየድ ናይ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ክፋል እዩ።

ጽሞናዊ ጸሎት - ግሁድ ቃንዛ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 87 ዓመት ዝዕድሚኦምን ብጽሞናዊ ጸሎትን ብዝተፈላለዩ ናይ ህዝብታት ስቓይ ብዝገልጹ ትእምርቲ እምነትን ኣቢሎም ምእንቲ ሰላም ይጽልዩ፡ ነቲ ቃንዛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህዝባዊ መግለጽታት ድምጺ ይህቡ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዩክረይን ዝከየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብል 130 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተባርዓ ኩናት ከብቅዕ 60 ግዜ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪቦም እዮም። ምስቲ እተጎድኣ ህዝቢ ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዎ ደጋጊሞም ብምግላጽ ከምኡውን ንሰላምን ነቲ ውግእ ደው ንምባል ትብዓት ከም ዝሓትትን ምእንቲ እዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መርሓ ፍጻሜታቶም ይጽልዩን ህዝቢ እውን ኣብቲ ጸሎት ክሓብር የተባብዑ።  ምእንቲ ሰላምን ምእንቲ እቲ ዝሳቐ ህዝቢ ቅዱሰንቶም ጉድለት ጥዕና ኣብ ዘጋጥሞም እዋን እውን ከይተረፈ የስምዑ፡ ተስፋ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ወትሩ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ሕርየቶም ቃላት እንኮ ድሕረ ባይታ ሓዋርያዊ ጉስነቶም ኮይኑን ይቕጽልን ኣሎ።

ጻውዒት ንሕብረት ኤውሮጳ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ንኽርከብ ተስፋ ብምግባር ንሰላም ምድላይን ምእንታኡ ምጽላይን ኣይነቋርጽ -

እዘን ቓላት እዚኣተን ነቶም ብናይ ግብረ - ሰናይ መተሓላልፎ ኣቢሎም ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ስደተይናታት ዕለት 18 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ምዕዳን ዝበልወን እያተን። ዕለት 22 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገሱሉ መዓልቲ፡ "እታ ኣደ ዅላትና ብሓድነትን ብሰላምን ምእንቲ ኽትሕልወና” ንሩሲያን ዩክረይንን ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ኣወፍዮም እዮም። ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ጀሚሮም መንፈሳዊ ቓል ኪዳን ምስቲ "ሓባራዊ" ፖለቲካውን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ መብጽዓ ክሰማማዕ ወትሩ ሓቲቶም ኢዮም። ንናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እውን፥ እዋኑ "ውልቃዊ ረብሓታትን ስርሒታውን ሽርሕታትን ኣብ ዝረኣየሉ ዓለም ብምትሕብባር ንዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ብድሆ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ይዝከር፣

መልእኽቲ ዓዋዲት መልኽቲ “ሰላም ኣብ ምድሪ”

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ዓዋዲት መልኽቲ “ሰላም ኣብ ምድሪ” የቃልሑን ይሕድስዎን ኣዚ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዓለ ፋሲካ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ኣብ ዝሃብዎ ሓዋርያዊ ቡራኬ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ልባቱ ንኣምላኽ ክኸፍትን ኹሉ እቲ ኣብ ዓለም ደም ዘፍስስ ግጭት ደው ንምባል ክዓዪ ኣብ ዘቕረብዎ ምዕዳን “መልኽቲ ሰላም ኣብ ምድሪ” የቃልሑ።

ንመራሕቲ ሃገራት ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 60 ዓመት እታ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝተጻሕፈት ዓዋዲት መልኽቲ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ንሰላምን ምትሕብባርን ክድረኹ ሓቲቶም እዮም።

እቲ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ማሕበረሰባት ዘሎ ርክብ ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ዘሎ ርክብ ብሓይሊ ኣጽዋር ብምጥቃም ዘይኰነስ ብርትዓዊ መገዲ ማለት ብሓቅን ብፍትሕን ብንጥፈት ሓድነትን ኪመሓየሽ ኣለዎ" ዝብል ናይታ ዓዋዲት መልኽቲ ሓሳብ የቃልሑ።

ፈጠራዊ ጻዕርታት ንሰላም

"ንሰላም ዝግበር መሃዛዊ ጻዕርታት ኣበይ ኣሎ?" እንክብሉ ኣብታም ንስደተይናታት ዩክሬይን መዕረፊ ባይታ ኮይና ኣብ ዘላ ሃንጋሪ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ሓቲቶም ከም ዝነበሩን ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ግና ኒሕ ማሕበረሰብኣዊ ፖለቲካን ብዝሓ ጎናውነትን ሰናይ ዝኽሪ ሕሉፍ እዋን ይመስል: እቲ ዘሕዝን ምንቁልቋል ናይቲ ሓባራዊ ሕልሚ ሰላም ንዕዘብ ዘለና ይመስል።

ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውግዘት ንግብረ እከይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ራእይ እውን ኢና እነስተውዕል። ካብ ቡዳፐስት ኣብ ምምላሶም ምስቶም ዘሰንይዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝተዋጽኡ ልኡካን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦብዎ መግለጺ፡ "ሰላም ኩሉ ግዜ መትረባት ብምኽፋት ከም ዝፍጠር እኣምን፤ ሓደ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ፈጺሙ ሰላም ክገብር ኣይክእልን እዩ። ኩሉ ሰብ ዝምድናታት፡ መስመራት ዕርክነት ክኸፍት እዕድም። እዚ ድማ ቀሊል ኣይኮነን።" . . . "መንገዲ ሰላም ንኹሉ ዝምልከት እዩ። ኣነ ፍቓደይና እየ፣ ክግበር ዘለዎ ኩሉ ክገብር ፍቓደይና እየ" እንክብሉ ወሲኾም ኣብዚ መዳይ እዚ ማለት ኣብ ጻዕርታት ሰላም ንኽዓዩ ድማ ንካርዲናል ማተዮ ጹፒ ልኡኾም ገይሮም ናብ ኪየቭን ሞስኮን ዋሽንግተንን ቤይጅግ ንሰላም ከተባብዑ ከም ዝለእኣኽዎም የዘካኽሩ።

ጽልእን ኣጽዋርን ዘይብላ ዓለም

ተልእኾ ካርዲናል ጹፒ እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "መሃዝነት" ዝብልዎ ድሌት እናተኸወነ ክኸይድ ከም ዘሎን፥ "ኣብ ውቅያኖሳዊ ታሪኽ፡ ኣብ ህቦብላዊ ህሞት ንሕንብስ ኣሎና፡ ስእነት ተባዕ መንገድታት ሰላም ብዕምቆት ይስመዓና ኣሎ። ንኤውሮጳ ብልባዊ ፍቕሪ፡ በቲ መለለዪኣ ዝኾነ መንፈስ ዘተ እንተርኢናያ፡ ኤውሮጳ ኣብ ምንታይ ትሕምብሲ ኣሎኺ ዝብል ሕቶ ንምቕራብ ንድረኽ፡ በቲ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ካልእ ቦታታት ዘሎ ዘድሚ ግጭት ንምውጋድ እንታይ ትግብሪ ኣለኺ?" እንክብሉ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝተኸየደ ዓለም ለኸ ቅነ መንሰያት ንኽርከቡ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ሰበስልጣንን ኣብ ሊዝበን ምስ ዝርከቡ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን በርገሳውያንን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሕቶ እዩ። ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኽ ቅነ መንሰያት ምስ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን መንእሰያት ተራኺቦም እዮም። እዞም መንእሰያት ይብሉ ቅዱሰነቶም፡ "ካልእ ዓለም ዝከኣል ምዃኑ ንኹሉ ኣርእዮም እዮም፡ ማለት ባንዴራታት ኩሎም ህዝብታት ብሓባር፡ ጎኒ ንጎኒ፡ ብዘይ ጽልኢ፡ ብዘይ ፍርሒ፡ ብዘይ ጽልኢ ዘንበልብለላ ዓለም መስኪሮም" እንክብሉ ኣብቲ መዕጸዊ ቅነ መንሰያት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ የረጋግጹ።

ጸልማት ሰዓት

እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሕልሚ ብፍጻመታት ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ፈተና ኣትዩ። ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ዕለት 8 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ ዓመጽ "ዝያዳ ብርቱዕ ክፋል ናይቲ እናተፈናጀረ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም” እንክብሉ ዝተሰምዖን ሓዘን ብምግላጽ፥

"እቲ መጥቃዕትን ኣጽዋርን ደው ይበል በጃኹም፡ ግብረሽበራን ውግእን ናብ ሞትን መከራን ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ጥራይ እምበር ናብ ዝኾነ ፍታሕ ከም ዘይመርሕ ተረድኡ። ኲናት ስዕረት እዩ:: ኩሉ ኲናት ስዕረት እዩ!"

ከም ዝበሉ ይዝከር።

ኩሉ ግዜ ስዕረት

"ኲናት ስዕረት እዩ" ዝብል ካልእ ተደጋጋሚ ናይዘን ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ለበዋ። ንገሊኦም ምናልባት ኣዝዩ ገርሂ ዝኾነ መግለጺ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ እንተኾነ ግን ከመይ ኢሉ’ዩ ሓደ ሰብ ነቲ መብዛሕትኦም ንጹሃት ሰላማውያን ሰባትን ዝኾኑ ኣሽሓት ዜጋታቱ ብጅምላ ዝቐትል ውግእ “ዓወት” ክብሎ ዝኽእል?

እስራኤል ኣብ ዝሃበቶ መልሲ ኣብ ዓስራይ መዓልቲ ኣብ ቓዛ ዝተራእየ ኩነታት “ሰብኣዊ ዕንወት” እንክብሉ ገሊጾምዎ እዮም፥

እቲ ኣጽዋር ይተዓበስ! ናይ ህዝብታት፡ ናይ ውልቀ ሰባት፡ ናይ ህጻናት ኣውያት ስምዑ! ኣሕዋተይን ኣሓተይን፥ ኲናት ዝፈትሖ ነገር የሎን ሞትን ጥፍኣትን ጥራይ እዩ ዝዘርእ፡ ጽልኢ ይውስኽ ሕነ ምፍዳይ የብዝሕ። ኲናት መጻኢ ይሓክኽ!

እንክብሉ ውግእን ግጭት ኮኒኖም ኩሉ ናብ ዘተ ክመለስ የተባብዑ።

ጾምን ጸሎትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ጥቅምቲ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 27 ጥቅምቲ ምእንቲ ሰላም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክኸውን ከም ዝወሰኑን፡ ሓንቲ ሰዓት ንሓደ ዘመን ዝጸንሐት ትመስል እሞ ጸልማት ንኣሽሓት ሰባት ሸፊንዎም፣ ካብ መሬቶም፣ ገዝኦም፣ ወይ’ውን ካብ ህይወቶም ከይተረፈ ዝተመንዝዑ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ "ኣይፋል" ጥራይ እዩ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 25 ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን ዓለምን ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬ ዘስምዕዎ መደረ፥ "ንውግእ ንነፍሲ ወከፍ ውግእ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ውግእ ብዘይ ዕላማ ዝግበር ጕዕዞ ሰዓርቲ ዘይብሉ ስዕረት፡ መመኽነይታ ዘይብሉ ዕብዳን 'ኣይፋል' ንበል" እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም።

እቶም ኣጽዋር ዘይኰነስ እንጌራ ዝደልዩ ሰባት ንቕድሚት ክግስግሱን ሰላም ክወሃቦም ክሓቱን ይቃለሱ ኣለዉ፡ ኣብ ኣጽዋር ክንደይ ዝኣክል ህዝባዊ ገንዘብ ከም ዝወጽእ ግን ኣይፈልጡን ኢዮም። እንተዀነ ግን ክፈልጡ ኣለዎም! እቲ ንውግእ ዜለዓዕሎ ረብሓታትን መኽሰብን ምእንቲ ኺፍለጥ ብዛዕባኡ ይነገር ከምኡ ኣውን ይጸሓፍ!

ቢሎም ውግእ ዕንወትን ስዕረትን ሞትን እምበር ካልእ ውጽኢት ከም ዘይብሉ የዘኻኽሩ።

ናይ ምዝርራብ ትብዓት

እዚ "ኣይፋል" ዝብል ጻውዒት ቅዱስነቶ ብጭቡጥ ተግባር ክስነ ኣለዎ።

ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ "እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ክጐድእ ምፍቃድ ኣይከኣልን ኢዩ፡ እንተዀነ ግን ውዕላት ብምግባርን ኣህጉራዊ ሕጊ ብምኽባርን ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ደው ምባል ኣድላዪ ኢዩ" ከም ዝበሉ ይዝከር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ሕርየቶም ብጓሂ ውግኣት ኣብ እትሳቐ ዓለም
14 March 2024, 17:02