ድለ

2020.05.24 Regina Coeli 2020.05.24 Regina Coeli  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንውግእ ዩክረይን ቅድስቲ መሬትን ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ኣወፍዮም

ጽባሕ በዓል ቅዱስ ጆሴፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ጻድቕ ሕጹያ ንእኖና ድንግል ማርያም ምዝኾነ ቅዱስ ዮዜፍ ጸሎት ብምዕራግ ጠበቓ ሰላም ክኸውን ብምውፋይን፣ ዅሎም ወገናት ከኣ "ውግእ ደው ንምባል ዝከኣሎም ዘበለ ኵሉ ኽገብሩ" ተማሕጺኖም ።

ኣባ ተወልደ መብራትህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ነቶም ብውግእ ዝጭፍጨፉ ዘለዉ ሕዝቢ ዩክረይንን ከምኡውን ነታ ቅድስቲ መሬት ዝዀነት ፍልስጥኤምን እስራኤልን ነቶም ንኹሎም እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለው ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ነወፍዮም ኣሎና ።" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ቃል፣ እቲ ንሰብኣውነት ዘዕኑ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዘቕረብዎ ናይ ቀረባ ምሕጽንታ ኢዩ ዝንበረ ። እዚ ድማ እታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ብዕለት 19 መጋቢት በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ካብ እተብዕል ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ ኢዩ ዝነበረ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ብምሉኡ እቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጳጳስ ናይ ሮማ ብምዃን ዘሕለፍዎ ግዜን፣ ከምኡ ውን ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2020 ክሳዕ ዕለት 8 ታሕሳስ 2021 ፍሉይ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ቢሎም ብምእዋጅ ነዚ ሕጹይ እኖና ድንግል ማርያም ፍሉይ ኣኽብሮት ከም ዘለዎም ኣብነት ኮይኖምና ኢዮም ።

'ውግእ ደው ንምባል በጃኹም ተዘራረቡ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደጋጊሞም ይብልዎ ከም ዘለዉ "ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ ። ሓደ ሰብ ኣብ ውግእ ኪቕጽል ኣይክእልን እዩ" ድማ በሉ።

"ነቲ ውግእ ደው ንምባል ንምርድዳእ ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና" ብምባል ውን ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ
ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ
20 March 2024, 16:38