ድለ

2023.09.02 Viaggio Apostolico in Mongolia - Incontro Vescovi 2023.09.02 Viaggio Apostolico in Mongolia - Incontro Vescovi  (Vatican Media)

መልእኽቲ ር. ሊ. ጳ ንመዓልቲ ጸዋዕታ፦ 'ተጕዓዝቲ ተስፋን ሃነጽቲ ሰላምን’

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብዕለት 21 ሚያዝያ ንመበል 61 ዓመት ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ንዅሎም ንክርስትያን ምእመናን ከኣ ነቲ ኣብ ዓለም ዘርኢ ተስፋን ሰላምን ንምዝራእ ዘሎና ሓባራዊ ጸዕታ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎ ተማሕጸኒም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ቤተክርስቲያን ብዕለት 21 ሚያዝያ 2024 ዘኪራቶ እትውዕ መበል 61 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ኣመልኪቶም ኣብ መዘሓላለፍዎ መልእኽቲ ጽማሬ ሓሳብ ናይ ክርስትያናዊ  ጸዋዕታ ለጊሶም።

ኣብቲ ትማሊ ሠሉስ ዝወጸ መልእኽቲ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ዘርኢ ተስፋ ንምዝራእን ሰላም ንምህናጽን ጸዋዕታ ኣሎና" ኣብ ዝብል ፍረ ነገር ዘተኰረ ኣስተንትኖ ኣቕሪቦም ኣለዉ ።

"ኣብቲ ህይወትና ፍረ ከፍርየሉ ዝኽእልን ከምኡ ውን ምልክታትን መሳርሒታትን ፍቕርን ለጋስነትን ጽባቐን ከምኡ ውን ንሰላም ንምዃን ኣብ እንስዕቦ ጐዳናን ኣብ ኩሉ ኣብ እንርከበሉ ቦታን መን ምዃና ምስ ተንገንዘብናን ኢዩ ህይወትና ምልኣት ክረክብ ዝኽእል፣" ክብሉ ይገልጹ ቅዱስነቶም።

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ ኵሎም ክርስትያን በቲ ኣምላኽ ዘቕርበሎም ጸዋዕታ ገይሮም ኣብ ዓለም ንኸገልግልዎ ከም እተጸውዑ ኣመልከቱ ።

ነቶም ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ናብራ ንኣምላኽ ዘገልግሉ ዘለው ማእለያ ዘይብሎም ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ክንዝክሮም ከሎና፣ ብምስጋና ነዛ ዓለምለኻዊት መዓልቲ ጸዋዕተ ከነኽብራ ከም ዘሎና ገለጹ። ብፍላይ ንመንእሰያት በቲ ወትሩ ንናጽነቶም ዜኽብር ጸዋዕታ ሓጐስ ምእንቲ ኺረኽቡን ንኣምላኽ ዝኸውን ቦታ ኣብ ህይወቶም ምእንቲ ክረኽቡን ዓደሞዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ኢየሱስ ናብ ገዛእ ርእሱ ይጽውዓኩም ኣሎ" ድማ በልዎም። "ንቃላት ወንጌል ብምንባብ ኣገዳሲ ሕቶታትኩም ኣቕርቡሉ፣ ብህላዌኡ ንኽቅልሰኩም ኣፍቅዱሉ ፣ እዚ ኸኣ ወትሩ ጥዑይ ዝኾነ ናይ ህይወት ብድሆ እዩ ዜለዓዕለልና።"

ጸዋዕታ ንምርካብ ብመንገዲ ሲኖዳውነት ምጽላይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ቤተ-ክርስትያን ናብ ዓመት ኢዮቤል 2025 ገጻ ኣብ እትጕዓዘሉ ዘላ ኵልና ክርስትያን "ናይ ተስፋ ነጋድያን" ክንከውን ይዕድሙና ።

ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ እተፈላለየ ናይ ጸዋዕታን ተልእኾን ጸጋ፣ ሕዝቢ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ኣባላት ዓብዪ ስድራቤትን፣ ናይቲ እተፈላለየ ኽፍልታትን ብምዃን ኣካል ክርስቶስ ከም ዝዀኑ ገለጹ።

ወሲኾም ድማ "በዚ መዳይ እዚ እታ ዓለምለኻዊት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ እተመልክቶ ባህርይ ኣለዋ ፣ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ተልእኾናን ጸዋዕታትናን ንሓድሕድና ኽንሰማማዕን ክንቀባበልን ክንከባበርን ከምኡ ውን መንፈስ ቅዱስ ንጥቕሚ ዅሎም ናበይ ይመርሓና ኸም ዘሎ ንምስትውዓል ብሓባር ክንጐዓዝን ተጸዊዕና ኢና " በሉ ።

ብተወሳኺ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ጐይታ "ዓየይቲ ናብ ግራቱ ምእንቲ ክልእኽ" ዅሎም ምእመናን ምእንቲ ጸዋዕታ ክህነትን ጸዋዕታ ምንኩንናን ክጽልዩ ተማሕጺኖም።

እኖና ቤተ-ክርስትያን ዓመት ጸሎት ሒዛ ናብ ዓመተ ኢዮቤል ገጻ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ፣ ክርስትያን ምእመናን ንድምጺ ኣምላኽ ብምስማዕ "ነጋድያን ተስፋን ሃነጽቲ ሰላምን" ንኽንከውን ኣብ ዚሕግዘና ኣብ መዓልታዊ ጸሎት ክንጽመድ ኣሎና ክብሉ ውን መዓዱ ።”

ነጋድያን ተስፋን ሃነጽቲ ሰላምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሕመረት ናይቲ መልእኽቶም ምልስ ብምባል ክርስትያናዊ ጕዕዞ ኺበሃል እንከሎ፤ ኣዒንትናን ኣእምሮናን ልብናን ኣብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ሸቶና ኸም ብሓድሽ ምትኳር ማለት ምዃኑ ገለጹ።

"ኣብዚ ምድሪ እንገብሮ ጕዕዞ ትርጕም ኣልቦ ጕዕዞ ወይ ዕላማ ዘይብሉ ኩብለላ ኣይኰነን" ድማ በሉ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ መዓልቲ መዓልቲ ንመጸዋዕታ ኣምላኽ ምላሽ ብምሃብ፣ ናብታ ሰባት ብሰላምን ብፍትሕን ብፍቕርን ዚነብሩላ ሓዳስ ዓለም ንምብጻሕ ዜድሊ ዘበለ ኽንገብር እንጽዕረሉ ጕዕዞ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ ዕላማ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ኣብ መንጎ እዚ ኹሉ ማእለያ ዘይብሉ ቅልውላው ዓለምና ከምኡውን "ኣብዚ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝኾነ ክፋል ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ትርኢት" ነቲ ናይ ተስፋን ሰላምን መልእኽቲ ወንጌል ብምጻር "ተስፋ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን" ንምዃን ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትንሳኤ ክርስቶስ ንክርስትያናዊ ተስፋና ዘነቃቕሓልናን ነቲ ዓለምና እተቕርበልና ብድሆታት ክንዋጽኣሉ እንኽል ሓይልን እዩ ።

ክርስትያናዊ ፍቕሪ ህይወት

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኵልና ክርስቲያን ምእመናን ጸዋዕታና ብምቕባልን ክርስቶስ ንስጕምትና ኺመርሖ ብምፍቃድን 'ክንትንስእን' ካብ ዘይምግዳስ ክንበራበርን ጻውዒት ኣቕርቡልና፦

"ንህይወትና ነፍቕራ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ኣብ ኵሉ እንነብረሉ ዘበለ እንረኽቦም ኸኣ ብፍቕሪ ንሕለየሎም" እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ ።

20 March 2024, 16:31