ድለ

2024.03.16 Videomessaggio Papa alle Confraternite di Mérida 2024.03.16 Videomessaggio Papa alle Confraternite di Mérida 

ር. ሊ. ጳ. ሰሙነ ሕማማት ኣብ ህይወትና ነባሪ ምልክት ኣብ ምሕዳግ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ መካነ ሕውነት ሜሪዳ ስጳኛ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ እዚ ሰሙነ ሕማማት ምእንቲ እቶም ዝያዳ ሓገዝ ዜድልዮም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንጽንሊ እተወፈየ "ናይ ጸጋ ግዜ" ምዃኑ ገለጹ።
ር. ሊ. ጳ. ሰሙነ ሕማማት ኣብ ህይወትና ነባሪ ምልክት ኣብ ምሕዳግ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ሜሪዳ ሓንቲ ኻብተን ጥንታዊ ሓወልትታት ሮማውያን ዝርከበላ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ውሩያት ዝኾና ከተማታት ስጳኛ ክንዲ ዝዀነት "ሮሜ ስጳኛ" ተባሂላ እያ እትጽዋዕ። ብ25 ዓ/ም ቅ. ክ. ብወተሃደራት ኣውጉስጦስ ከም ሰፈር ኰይና እተደኮነት ታሪኻዊት ከተማ ኢያ፣ ማእከላ እዛ ኸተማ ንሓወልቲ ትራጃን፡ ንድልድል ሮማ፡ ንቤተ መቕደስ ዳያናን ከምኡውን ንሮማዊ ኣምፊ-ትያትር እትውንን ብምዃና እተመክሕ ከተማ ኢያ ። ኣብዛ ከምዚ ዝመሰለት ከተማ ከአ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዓቢይ ዑደትን ፣ ፍሉይ ዓጀባ ዘለዎ ፍኖተ መስቀልን ይካየድ ።

መንፈሳዊ ቅርበት ምስ ሜሪዳ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መካነ ሕውነታት ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ነቲ ዘካይድዎ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣመልኪቶም ነቲ ንታሪኽ ወድሰብ ዝቐየረን፣ ንልዕሊ ኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝጸንሐን፣ ነቲ ብጐይታ ዝተፈጸመ ከስተማቅራኦን ዝኽእላ ኸተማታት ሒደት ምዃነን ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም ኣብ መሪዳ ዝነበሩ ሰባት መንፈሳዊ ቅርበት ከም ዘለዎም ብምርግጋጽ፣ ነቲ ኣብ ኮለስየም ሮሜ ዝካየድ መደብ ፍኖተ መስቀል ኣብ ዝመርሑሉ እዋናት ካባኡ ብዘይፍለ ካብ ኩሉ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ምእመናን ዝሳተፍዎ ኰይኑ ኣብቲ ናይ ሮማ ጥንታዊ ናይ ኣምፊ-ትያትር ዝተመኰርዎ ብፍሉይ መገዲ ከም ዝዝክርዎ ገለጹ ።

ዘይሃስስ ምልክት ሰሙነ ሕማማት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ርእሰ ሰበካታት መሪዳ-ባዳሆዝ ነቲ ናይ ንሜሪዳን፡ መበቈል ክርስትና ስጳኛን ከምኡ ውን ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ናይታ ቤተክርስቲያንን ከም ሓደ መካነ ንግደት ንምምዕባል ዝሓገዘ ቅዱስ ዩላሊያ ዝስሙ መንእሰይ ሰማእት ዝዝክሩሉ ዓመት ኢዮቤል ብኸመይ ዝበለ ፍሉይ ድምቀት የኽብዎ ከም ዘለዉ ዘከሩ።

ነቶም ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንዝግበር መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዘዳልዉ መካነ ሕውነታት ሰብ ውፉይ ሕይወት መልእኽቶም እንከመሓላልፉ ተመክሮ ናይ ሰሙነ ሕማማት ነቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ሰባት "ዘይሃስስን ነባርን ምልክት" ከም ዝገድፈሎም ከረጋግጹ ኣተባብዕዎም፣ እዚ ድማ እቲ ዳግም ዝርአ ሕማማት ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ "ናይ ድሕነትና ኣዋጅ ደኣ እምበር ምርኢት ኣይኮነን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ልባቶም ዘይሓስ ማሕተሙ ኽገድፈሎም ኣለዎ" ብምባል ኣዘኻኸሮም።

ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን

ብፍላይ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንኣብነት ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ነቶም ዝቘሰሉ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዚከናኸን ብምስዓብ ንጸሎትን ቃል ኣምላኽ ንምስማዕን እነሕልፎ ግዜ ኣገዳሲ እዩ ።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ንዘመነ ጾም ኣመልኪቶም ሎም ዓመት ዘመሓላለፍዎ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ንኣምላኽም ምፍቃርን ንብጻይና ምፍቃርን ሓደ ፍቕሪ ኢዩ።... ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኸውን ኣብ ነንሕድሕድና ድማ ውህደት ይህልወና።"

ንብጾትና ልብና ኽንከፍተሎም

እዛ ሰሙነ ሕማማት "ማዕጾ ልብና ምእንቲ ኽንከፍት ጐይታ ዚህበና ግዜ ጸጋ ኢዩ" ኸምኡውን ምስ ማሕበረሰብና ኸምኡውን ምስ ኢየሱስን ካልኦት ብጾትናን ክንራኸብ እንጽውዓሉን ከምኡውን ብርሃን እምነትናን ሓጐስናን ንኸነንጸባርቕ ካብ ገዛእ ርእስና እንወጸሉ እዋን ምዃኑ ውን ገለጹ ቅዱስነትም ። "ኣእዳውናን ኣእጋርናን ልብናን ከነወፊ ነቲ ንሱ ዚመርሓናን ብዘርኣየና መገዲ ፈሊጥና ክንጕዓዝን" ምስ ኹሎም ኣሕዋት ድማ ብፍቕርን ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ብትዕግስትን ኣምላኽ ክመላለሱ ኣተባብዕዎም።

ምእንቲ ንስድራ ቤታትን መሳኪንን ምጽላይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ናብ መካነ ሕውነታት እታ ጥንታዊት ከተማ ስጳኛ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ነቶም "ካብ ዜፍቅርዎም ቤተሰቦም ዝሓመሙ ንዘለዎምን" ንስድራ ቤታትን ከምኡ ውን ነቶም በይኖም ዝነብሩ ጠዋሪ ዘይብሎምን መሳኪንን ድኻታትን ብምዝካርን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቶም ሕጅን ኣብ መጻእን ህያባቶምን ምጽዋቶምን ኬቕርቡ ዚኽእሉ መንእሰያት ብፍሉይ ብምዝካር መልእኽቶም ዛዘሙ ።

18 March 2024, 16:21