ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ካርዲናል ኮርደስ ዝተሰምዖን ሓዘን ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ካርዲናል ኮርደስ ዝተሰምዖን ሓዘን ይገልጹ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ካርዲናል ኮርደስ ዝተሰምዖን ሓዘን ይገልጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብምኽንያት ዕረፍቲ ካርዲናል ኮርደስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልኽቲ ተለግራም፥ "ንጐይታን ቤተ ክርስቲያንን ብተኣማንነትን ልግስን ዘገልገሉ፡ ንጠለባት መንእሰያትን ድሌታት ተነቀፍቲ ውልቀሰባትን ኣቓልቦ ዝሃቡ" እንክብሉ ይዝክርዎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መጋቢት ኣብ መበል 89 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ሮማ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ካርዲናል ፖውል ጆሴፍ ኮርደስ ዘሕደረሎም ሓዘን ከም ዝገለጹን ቅዱሰንቶም ናብ ስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ካርዲናል ኮርደስ ኣብ ዝመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቴለግራም፥ "ንጐይታን ንቤተ ክርስቲያንን ብተኣማንነትን ልግስን ዘገልገሉ፡ ድሌት መንእሰያትን ድሌት ተነቀፍቲ ውልቀሰባትን ኣቓልቦ ዝገበሩ" ጀርመናዊ ካርዲናል ብፍቕሪ ይዝክርዎም።

ብፁዕ ካርዲናል ኮርደስ “ትጉህ ኣገልጋሊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ነበር ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ዓለማውያን ምመናን ምኽትል ኣቦ መንበር ደሓር ድማ ከም ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ጉባኤ ሓደ ልቢ ብምዃን ዘገልገሉ እንክብሉ ብምምስጋን ከም ዝዘከረዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ኮርደስ

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ካርዲናል ኮርደስ ዕለት 18 መጋቢት ሰዓት 15.00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ምስ ናይ ኩሪያ ሮማና ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳት ጳጳሳት ብሓባር ከም ዝፈጸሙን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተረኺቦም ናይ መወዳእታ ስነ ስርዓት ስንብታ ከም ዝፈጸሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ታሪኽ ህይወት ነፍሰ ሄር ካርዲናል ኮርደስ

ካርዲናል ኮርደስ ኣብ 2005 ዓ.ም. በነዲክት መበል 16 ዝደረስዋ ናይ መጀመርታ “እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቲ ኣብ ምድላው ዓብዪ ግደ ከም ዝነበሮምን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ምቛም እውን ዓብዪ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩን፣ ናይ ሓደስቲ መንፈሳዊ ምንቅስቓሳት ቀንዲ ደጋፊ ዝነበሩን ኣብ 1995 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንካርዲናል ኮርደስ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ውሁድ ልቢ ገይሮም ከም ዝሰመይዎምን፡ ካርዲናል ኮርደስ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013 ዓ.ም. ልሂቅ ካርዲናል ከም ዝኾኑን ኣብቲ ካርዲናል ኾርገ ማሪዮ በርግልዮ ር.ሊ.ጳ. ቢሉ ዝሓረየ ዕጹው ጉባኤ መራጺ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ካርዲናላት ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ኣብ እዋናዊ ናይ ቤተክርስትያን - ፖለቲካውን ቲዮሎጊያውን ክትዓት ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣረኣእያ ካብ ምቕራብ ድሕር ዘይበሉ ኣብ ግብረ ሰናይ ንጡፍን ብሉጽ ኣዋሃሃድን እንክብሉ ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኣቡነ ጊዮርግ ባትዚንግ ክዝክርዎም እንከለዉ፥ ምስ ዕረፍቲ ካርዲናል ኮርደስ፡ ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ናብ 238 ከም ዝወረደን ካብኣቶም እቶም 129 ድማ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽን ምምራጽን መሰል ዘለዎም ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕረፍቲ ካርዲናል ኮርደስ ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም
19 March 2024, 14:19