ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ብጸጋ ዝደልደለ ጽንዓት ኣብ ዕለተዊ ሕይወትና ይሕግዘና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለት ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብጸጋ ተደሪኽና መዓልታዊ ጻዕርታትና ከነቓቕሕን ናብ ኣምላኽ ከም እንቐርብን ብምግላጽ ኣብቲ ቐንዲ መንፈሳዊ ሓይሊ ዝኾነ ጽንዓት ብምትኳር ነቲ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታት ቀጺሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅድስ ጴጥሮስ ከምዚ ክብሉ ንምእማናን ኣተባብዑ፦

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኵሎም ቅዱሳንን ዝገደፉልና ኣብነት፣ ነቲ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ጻዕርታትና ክሕግዘና ዝኽእል ጽንዓት እንደገና ንኽንረኽቦ ዘነቓቕሓና ይኹን ።

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታት ቀጺሎም ። ኣቐዲሞም ንሓያሎ ኣዋርሕ ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣት ድሕሪ ምውፋይ፣ ኣስዒቦም ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት ብዛዕባ ብልሓት ንትዕግስቲ ፍትሒ ድሕሪ ምስትምሃር ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ድማ ብዛዕባ ጽንዓት ብምትኳር ኣስተምሂሮም።

መዝገበ ሃይኖት ነዚ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መንፈሳውያን ሓይላት ዝኾነ ጽንዓት "ኣብ ጸገማት ጽኑዕን ደድሕሪ ሰናይ ኣብ ምስዓብ ጽኑዕ ምዃንን ዘረጋግጽ ስነ - ምግባራዊ መንፈሳዊ ሓይሊ" ክብል ገሊጽዎ ይርከብ ።

ንቈራጽነት የደልድል ንዕንቅፋታት የሳግር

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም ናብ መንፈሳውያን ሓይላት ብምምላስ ነቲ ንፈተናታት ንኽትቃወሞምን ከምኡውን ኣብ ስነ-ምግባራዊ ህይወት ንዘጋጥመካ ዕንቅፋታት ንኽትሰግሮን እትገብሮ ቘራጽነት ብኸመይ ከም ዘደልድሎን ከምኡውን ንሓደ ሰብ ንፍርሃት ሞት እውን ከይተረፈ ንኽዋጽኣሉ ዝኽእልን ከምኡውን ንፈተናታትን መስጐጕትን ክሳገረሉ ብኸመይ ከም ዘኽእሎ " ብሰፊሑ ኣስተምህሩ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ምስትውዓል ብቐዳምነት ምስ ኣመክንዮ ሰባት እተተሓሓዘ ኢዩ፣ ፍትሒ ኸኣ ኣብቲ ፍቓድን ድላይን መሰረት ከም ዝገብር ድሕሪ ምዝካር፣ እዚ ሳልሳይ መንፈሳዊ ሓይሊ እዚ ኸኣ "መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ናይ ስነ-ምግባር ደረስቲ ምስቲ ጥንታውያን "ዘይድፈር ሸውሃት" ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝተተሓሓዘ ምኳኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ስምዒት ዘይብሉ ሰብ ክንግሞቶ ኣይከዐልን ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም "ከም እምኒ ምዀነ ነይሩ" እንክብሉ ገለጽዎ ።

ስምዒታትና ናይ ግድን "ሳዕቤን ሓጢኣት" ክኾኑ ኣይከአልን ኢዮም፣ የግዳስ "ክመሃሩ ክዅስኮሱ፣ ብማይ ጥምቀት ክነጽሁ ወይ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ዝሓሹ ክዀኑ ኣለዎም" ብምባል ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ትብዓት ዘይብሉ ክርስቲያን ንሓይሉ ኣብ ሰናይ ዘየውዕሎ፣ ንዋላ ሓደ ብድሆ ዘይከውን ኢዩ ዝኸውን" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም እቶም ግሪኻውያን ፈላስፋታትን ክርስትያንን ናይ ሃይማኖት ምሁራንን ኣብ ጽንዓት ክልተ ዕጽፊ ምዕባለ ኸም እተራእየ ኣመልከቱ  እቲ ሓደ ዘይንቀሳቐስ እቲ ኻልኣይ ከኣ ንጡፍ ጽንዓት ኢዩ ድማ በሉ።

ኣብ ውሽጢ ገዛዕ ርእስና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ዝያዳ ልኡም ዝኾነ መዳትይ ጽንዓት ምምልስ ብምባል ጽንዓት ኣብ ውሽጥና ኢዩ ዝዓዪ።

ቅዱስነትም ከም ዝገለጽዎ "ኵሎም እቶም ኣብ ውሽጣዊ ህይወትና ዘለዓዕሉናን ኣብ ገሊኡ ዅነታት ዜልምሱናን ሓይልታት " ኢሎም ብምጽዋዕ "ብስም ጭንቀት ጓሂ ፍርሂ ጸጸት ዚጽውዑ ውሽጣዊ ጸላእቲ ኽንስዕሮም ኣሎና " በሉ ።

"ክንደይ ተዋጋእቲ እዮም ነቲ ብድሆ ቕድሚ ምጅማሮም ዚወድቁ! ጽንዓት ቅድም ቀዳድም ኣብ ገዛእ ርእስና እንረኽቦ ዓወት ኢዩ።"

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጥና ዚለዓል ፍርሂ ዘይክውንነታዊ ምዃኑ ምፍላጥ ኣብ መወዳእታኡ እውን ኣይፍጸምን እዩ ። ከምዚ ድማ በሉ - "እምበኣር መንፈስ ቅዱስ ብምጽዋዕን ንዅሉ ነገራት ብትዕግስቲ ምቅላሱን ዝሓሸ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ በይንና ዘይኮነስ ከምቲ ዘኽኣለና መጠን ሓደ ብሓደ ንጸገም ክንቅልሶ ኣሎና! "

ቅዱስ ኣቦና ከም ዘስተንተንዎ " ኣምላኽ ወትሩ ምሳና ኢዩ፣ እንተ ደኣ ኣሚናዮ ከም’ኡ ውን ብቅንዕና እንተ ደአ ደሊናዮ፣ ኣብ ኵሉ ዅነታት ኣምላኽ ኬዕቍበናን ኣጽዋር ከዕጥቐና ከም ዚኽእል ክንተኣማመን ንኽእል ኢና፣" ብምባል ኣረጋገጸልና።

ንጡፍ መዳይ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ኻልአይቲ መዳይ "ዝያዳ ንጡፍ" ባህርያት ጽንዓት ኣስተምሃሩ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከምኡ'ውን ውሽጣዊ ፈተናታት "ግዳማዊ ጸላእቲ" ከምዘለዉ ገሊጾም፡ እዚኦም ድማ ናይ ህይወት ፈተና፡ ስደት፡ ዘይተጸበናዮን ዘገርሙናን ጸገማት እዮም ክብሉ ገለጹ።

ከምዚ ድማ በሉ - "እወ እንታይ ከም ዜጋጥመና ክንግምት ንኽእል ኢና፣ ከም ሓቂ ግን ህልውናና ብዜደንቕ ፍጻመታት ዝቘመ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብዚ ባሕሪ እዚ ጃልባና ብማዕበል ክትጽፋዕ ትኽል እያ ። ይኹን እምበር ጽንዓት ነቶም ዘይፈርሁ ወይ ተስፋ ዘይቈረጹ ተጻዋርነት ዘለዎም ባሕረኛታት ከም እንመስሎም ኢዩ ዝገብረና።"

ጽንዓት ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እከይ ኣርዚኑ ስለ ዝርእዮ መሰረታዊ መንፈሳዊ ሓይሊ ምዃኑ ድማ ገለጹ ።

ኣንጻር እከይ ዝጭድር ሓይሊ

ገለ ገለ ሰባት እዚ ዝበለ ነገራት ከም ዘየለ "ኵሉ ነገር ደሓን ከም ዝኾነ፣ ሰብኣዊ ፍቓድ ሓድሓደ ግዜ ዕዉር ከም ዘይኰነ፣ ሞት ዘምጽኦ ናይ ጸልማት ሓይልታት ኣብ ታሪኽ ከም ዘይሰፍር ኣምሲሎም ከም ዘቕርቡ" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ ቅዱስ ኣቦና።

ከምዚ ድማ በሉ - "እንተዀነ ግን ኣብ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ወይ ኣብ ጋዜጣታት እውን ከይተረፈ ገለ ካብቶም ግዳያት ምዃንናን ገለ ካብቶም ገበነይናታት ውግእ ዓመጽ ባርነት ጭቈና ድኽነት ፈጺሙ ዘይሓወየን ደሙ ዘይሰፈፈን ቍስሊ ከም ምዃና  ምርካብ እኹል ኢዩ ። "

ናይ ጽንዓት ባህሪ "ነዚ ዅሉ ምላሽ ከም እንህበሉን 'ኣይፋል' ከም እንብሎን ይገብረና " ድማ በሉ።

"ካብቲ ዝደኸምናሉ ምቾት ኼተንስኣና ንእከይን ናብ ዘይምግዳስን ንዚመርሓና ዘበለ ዅሉን ከኣ 'ኣይፋል' ከም እንብል ኪገብረና ዚኽእል ሰብኣውነት የድልየና እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እምበኣር ኣብ ወንጌል ጽንዓት ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ንርኣዮ ካብ ምስክር ቅዱሳን ከኣ ንማሃሮ" ኢሎም ብምጽላይ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

10 April 2024, 17:41