ድለ

ር.ሊ.ጳ. ሓድሽ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ካርዲናል ንኽሰምዩ ጥዑይ መመያ የድሊ ኢሎም ር.ሊ.ጳ. ሓድሽ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ካርዲናል ንኽሰምዩ ጥዑይ መመያ የድሊ ኢሎም 

ር.ሊ.ጳ. ሓድሽ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ካርዲናል ንኽሰምዩ ጥዑይ መመያ የድሊ ኢሎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ሰበኻ ሮማ ዓቃቤ መንበር ዝነበሩ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ነቶን ናይ ንስሓን ስርየት ሓጢኣትን ሃዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ሓላፍነቶም ንዘረከቡ ተካኢ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ክዝከር እንከሎ፡ በዚ ምኽንያት ናይ ሰበኻ ሮማ ዓቃቤ መንበር እሁዝ መንበር ብምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሰበኻ ሮማ ሓድሽ ዓቃቤ መንበር ክሰምዩ ትጽቢት ይግበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 8 ሚይዝያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰበኻ ሮማ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ብዛዕባ እቲ እሁዝ መንበር ኮይኑ ዘሎ መንበር ዓቃቤ ሰበኻ ሮማ ከም እተመያየጡን እቲ ናይ ሰበኻ ሮማ ዓቃቤ መንበር ተኣፋፊ ሓላፍነት ምዃኑ ነቶም ናይ ሰበኻ ሮማ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ገሊጾም፡ ስለዝ ጥዑይን ዓሚቝን መመያ ክግበር ስለ ዘሎኒ ተካኢ ክሰምይ ግዜ ክወስድ እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹን፡ ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ ደረጃ እዚ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣቡናት ነቲ ድሮ ዝጀመርዎ ናይ ጕስነት ኣገልግሎትን ምሕደራዊ ንጥፈታትን ክቕጽሉ ከም ዘተባብዕዎም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ከምቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ዓንቀጽ 14 ፍቕዲ 3 ሓዋርያ ቅዋም ዓቕለስያዊ ውህደት ከም ዝሕብሮ፥ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ዓቃቤ መንበር ዝኾኑ ካርዲናል ክሳብ ዝስመዩ ጳጳስ ባልዳሳር ራይና ሕጋዊ ሓዋርያዊ ወኪል ኮይኖም ከገልግሉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

09 April 2024, 15:17