ድለ

2024.04.11 Partecipanti alla Plenaria della Pontificia Accademia delle Scienze Sociali 2024.04.11 Partecipanti alla Plenaria della Pontificia Accademia delle Scienze Sociali  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ስንኩላን ተሳትፎ ክህልዎምን ክብሮም ክሕሎን ምሕጽንታ የቕርቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባላት ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበረ ሰብኣዊ ስነፍልጠት ተቐቢሎም ኣዘራረብዎም፣ ክብርን መሰላትን ስንኩላን ኣፍልጦ ክወሃቦምን፣ ነቲ ተጠቂምካ ናይ ምድርባይ ዝብል ባህሊ ዝዅነን ምሉእ ተሳትፎን ሓድነትን ከም ዝህሉ ዝጣበቓ ማሕበረ ሰባት ኣድላዪ ምዃነን ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባላት ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበረ ሰብኣዊ ስነ-ፍልጠት ኣብቲ ካብ ዚምስረት መበል ሰላሳ ዓመቱ ኣብ ዝዝክረሉ ዘሎ ምልኣተ ጉባኤ "ስንክልናን ሰብኣዊ ዅነታትን" ኣብ ዝብል ፍረ ነገር “ማሕበራዊ ወሳኒ “ስንክልና ምቕያርን ሓድሽ ባህሊ ንምእታውን " ኣብ ዝብል ኣርእስቲ  ተመያየጡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 11 ሚያዝያ ምስ ኣባላት ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበረ ሰብኣዊ ስነ ፍልጠት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ኣካዪዶም "ነዚ ኣርእስቲ እዚ ኽትመርጽዎ ምኽኣልኩም የመስግነኩም" ድማ በልዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንመሰላት ስንኩላን ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዓቢ ምምሕያሽ ገይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ብዙሓት ሃገራት ናብዚ ኣንፈት እዚ ንቕድሚት ክግስግሳ ኸለዋ ኣብ ካልኦት ሃገራት ግን "እዚ ኣፍልጦ እዚ ሕጂውን ኣድልዎ ዝገብርን ዘየተኣማምንን ኢዩ" በሉ።  ዕቤት ኣብ እተገብረሉ እዋን እንክብሉ ቅዱስነቶም "ውልቀ-ሰባት ብኸመይ ከም ዚስስኑን እቲ ዘርኢ ብኸመይ ከም ዚዝራእን" ርኢና ኢና ክብሉ መስከሩ።

ማሕበረ ሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ መዳይ እዚ ንጹር ኢዩ - "ስንኩላን ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ኣካላት ኢዮም፣ መሰላትን ግዴታታትን ድማ ኣለዎም" ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኽብሪ ናይ ምንባርን ዘይነጻጸል ናይ ምንባር መሰልን ኣለዎ። "ዋላ ንማሕበረ ሰቦም ዘየፍርዩ እንተ ዀኑ ወይ ዓቕሞም ድሩት ብምዃን እንተ ተወልዱ ወይ እንተ ዓበዩ ነቲ ኸም ሰብ መጠን ዘለዎም ዓብዪ ኽብሪ ኣየዳኽሞምን እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኵነታት ዘይኰነስ ኣብ ክብረቶም እተመርኰሰ እዩ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ እንተ ዘይተደገፈ ንሕውነት ኰነ ንድሕነት ደቅሰብ መጻኢ ኣይኪህሉን እዩ" በሉ።

ተነቃፊነትን ተኣፋፊነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ተነቃፊ ምዃንን ድኽመትን ክፍሊ ዅነታት ደቅሰብ ደኣ እምበር ንስንኩላን ጥራይ ዝምልከት ከም ዘይኰነ ገለጹ ።

እቲ ዜሕዝን ግና ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ብዙሓት ሰባትን ስድራ ቤታትን ብሰንኪ ስንክልና ተገሊሎም ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ተነጽሎ የገጥሞም ኣሎ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "እዚ ኣብ ድኻታት ሃገራት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዝዓበየ ብልጽግና ኣብ ዘለዎ ዅነታት እውን ከይተረፈ ዘጋርም ኢዩ" ብምባል ኣጕልሑ ።

ናይ ምግላል ባህሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብዛዕባ ናይ ምግላል ባህሊ ዚገልጽ ሓሳብ ብምስትንታን ብሓቂ ዶባት ከም ዘይብሉ ገለጹ ። ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ምድርባይን ምግላልን ባህሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንዋጋ ስንኩላን ኣብ ኣዒንቲ ሕብረተሰብን ኣብ ኣዒንቶምን ዘዳኽም ብዙሕ ዘይርአ ግን ከኣ ኣዝዩ መደናገሪ ረቛሒ" ኢሎም ዝገለጽዎ ኩነታት ውን ኣሎ። እዚ ኸኣ "ውልቀ-ሰባት ንህይወቶምን ንርእሶምን ነቶም ዜፍቅርዎም ሰባትን ጾር ገይሮም ከም ዚርእይዋ ናይ ምግባር ዝንባለ" ምዃኑ ገለጹ። ምዝርጋሕ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ድማ "ነቲ ናይ ምግላል ባህሊ ናብ ባህሊ ሞት ቀዪርዎ ይርከብ ኣሎ" በሉ።

ናይ ተሳትፎ ባይሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ነዚ ባህሊ እዚ ንምቅላስ "ማእሰር ውሳጣዊ ሕብረተሰብ ብምትካልን ብምድልዳልን" ናይ ተሳትፎ ባህሊ ምድንፉዕን ኣድላዪ ኢዩ።  ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደረኦም ኣብተን ዝደኸያ ሃገራት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ክብጻሕ ዘለዎ ሸቶ ከም ዝቕጽል ከምኡውን "ኣብዚ መዳይ እዚ እተወፈያ መንግስታት በዚ ኸምዚ ብመንገዲ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ክተባብዓን ክድገፋን ከም ዘለወን" ገለጹ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ኣስዕብ ኣቢሎም "ብዘይ እቲ ናይ ሓድነትን ተሳትፎምን መራኸቢታቶም ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሰባት ንበይኖም ተገሊሎም ምተረፉ ነይሮም፣ ስለዚ ንማሕበራትን በርገሳዊ ማሕበረሰብን ምድጋፍ ኣድላዪ ኢዩ" በሉ።

ምሉእ ተሳትፎ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ባህሊ ንምምዕባል ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ምሉእ ተሳትፎ ምዃኑ ኣስተንተኑ ። ወሲኾም ድማ "ኣብዚ መዳይ እዚ ንኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ተሳትፎ ንምድንፋዕ ዝዓዪ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ስንኩላን ክንርድኦ ንኽእል ኢና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መደረኦም ኣብ ምዝዛም ነቶም ተጋበቲ ኣባልት፣ ኵሎም ሰባት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምዃኖም ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይ ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም "ንዅሉ ዘማእከለ ዓይነት ማሕበራዊ ዕርክነት ምድላይ አገዳሲ ኢዩ" ድማ በሉ።

ኣብ መወዳእታ ንዅሎም እቶም ተጋባእቲ ኣመስጊኖም ስለቲ "ተግባራዊ ዝኾነ ሓልዮቶም" ዘለዎ ምስጋና ገለጹ፣ ንዓለም ከኣ ንኣሓትናን ኣሕዋትናን ንስንኩላን ዝሓሸ ናብራ ንምፍጣር ጸዓሩ ክብሉ ብምምሕጻን መደረኦም ዛዘሙ ።

12 April 2024, 18:23