ድለ

2024.04.11 Parrocchia di San Giovanni Maria Vianney 2024.04.11 Parrocchia di San Giovanni Maria Vianney  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንህጻናት ቍምስናታት ሮማ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ክቐርቡ ዓደምዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንመጀመርታ ቅዱስ ቍርባን ዝሰናደዉ ዘለዉ ህጻናት ቁምስናታት ሮማ ንእምነቶም ክቕበልዎን ከምኡ’ውን ኣብ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ግዜ ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ ኣተባብዕዎም፣ ንዘቕረቡሎም እተፈላለየ ሕቶታት ምላሽ ብምሃብውን ነቲ "ቤት ትምህርቲ ጸሎት" እተሰምየ ናይ ማሕበራቶም መረቕዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ወሰናስን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቍምስና ቅዱስ ጆን ማሪያ ቪያንኔ ንመጀመርታ ቍርባን ክሰናደው ንዝጸንሑ 200 ቈልዑ ኣብ ዝሃብዎም ቃለ ማዕዳን “ወትሩ ናብ ኣምላኽ ንጠምት ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ ናብኡ ጸሊ ። ስለቲ እምነትኩም ወትሩ ድማ ስለቲ ዓብይን ንእሽቶን ነገራት እንተላይ እትምገብዎ ዕንጀራ ዕለትኩም ኣመስግንዎ።” በልዎም።

ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጎ እቶም ህጻናት ተረኺቦም ኣብ ንዝለገስዎ ኣስተምህሮን ነታ "ቤት ትምህርቲ ጸሎት" ንምምራቕን ሓደ ሰዓት ዝኸውን ምስኣቶም ኣሕለፉ።

ትማሊ ሓሙስ ዘካየድዎ ርክብ ምስ ናይ ቁምስና ህጻናት ሓደ ክፋል ናይ መደባት ዓመተ ጸሎት ኰይኑ ናብ ዓመተ ኢዮቤል 2025 መንፈሳዊ ምድላው ኰይኑ ዝጀመረ ነዊሕ ተኸታታሊ ርክባት እቲ ናይ መጀመርታ ኢዩ ።

ኣብዚ ተኸታታሊ ኣኼባታት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቈልዑ ክጅምሩ ድማ መረጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ነቶም ቈልዑ ዝለገሱሎም እተፈላለየ ኣርእስትታት ንወለዲ ንፈተውቲ ንመምህራን ከምኡውን ንመምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ብቐዳምነት ግን "ንኣምላኽ" "ስለ ዅሉምምስጋን" ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹሎም ።

"ስለ ዅሉ ነገር የመስግን! ምባል ኩሉ ጊዜ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ናብ ቤት ሓደ ሰብ እንተ ኣቲኻ እሞ ኣመስግነካ እንተ ዘይበልካ እሞ፣ ይቕረታ እንተ ዘይሓቲትካ ወይ ሰላም እንተ ዘይበልካዮም ጽቡቕ ድዩ?" ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እታ ቐዳመይቲ ቓል ዘስተምሃርዎም "አመስግነካ" ዚብል እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዘመስግኑሉ ነገራት ድማ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ፍቓድ ኪሓቱን፣ ይቕረታ ክሓቱን ከም ዘለዎም እውን ኣዘኻኸርዎም ።

"ሰለስተ ቓላት፦ አመስግነካ፡ ይቕረታን፡ ፍቓድን።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ ቁምስና ሮማ ምስ ህጻናት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ ቁምስና ሮማ ምስ ህጻናት

ኣብ ጽንኩር እዋናት እውን ከይተረፈ ምጽላይ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ምስቶም ህጻናት ዝገብርዎ ርክብ ዘቕረብዎ ቀንዲ ኣርእስቲ ጸሎት ኢዩ ዝነበረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ "ጸልማት ዝወረሶ እዋን" እውን ከይተረፈ ጸሎት ከጕድሉ ከም ዘይብሎም መዓድዎም።

ሓንቲ ኻብተን ልቢ ዚትንክፋ ሕቶታት ንቅዱስነቶም ዘቕረቡሎም ሓንቲ ምስ ሕማም እትቃለስ ዘላ ኣሊስ እተሰምየት ህጻን "ብሕማም ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸመስግኖ እኽእል? " ክትብል ሓተተቶም ኢዩ ዝነበረ።

ቅዱስ ኣቦና ድማ "ኣብ ጽንኩር እዋናት እውን ከይተረፈ ንጐይታና ጸገማት ንኽንጻወር ትዕግስቲ ስለ ዝህበና ከነመስግኖ ኣሎና!" ኢሎም መለሱላ።

'ብኸመይ ኢኹም እትጽልዩ?'

"ግናኸ ትጽልዩ ዲኹም? ብኸመይ ኢኹም እትጽልዩ? ንጐይታ እንታይ ክትብልዎ ትደልዩ?" ክብሉ ውን ቅዱስነቶም ሓተትዎም ።

ሓደ ኻብቶም ቈልዑ ተንሲኡ ምስ ስድራ ቤቱ ቕድሚ መኣዲ ምስታፎም ከም ዚጽሊ ዘከረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ "ሓደ ኣገዳሲ ነገር ተዛሪቡ" በሉ ። "ግናኸ ዚብላዕ ዘይብሎም ብዙሓት ቈልዑ ኸም ዘለዉዶ ትፈልጡ ኢኹም?" ኢሎም ድማ ሓተትዎም ።

'እምነት ስለ ዝሃብካኒ አመስግነካ!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ህጻናት ቁምስና ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ህጻናት ቁምስና ሮማ

እታ ናይ መወዳእታ ሕቶ ብዛዕባ እምነት እያ ዝነበረት ። "ክርስትያን ዲኹም?" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቶም ህጻናት ክብሉ ሓተተትዎም "እምነት ኣሎኩም ዶ?"

እስከ በሉ ብሓባር ከምዚ ንበል፣ "እምነት ስለ ዝሃብካኒ አመስግነካ ኣሎኹ!" ክብሉ ውን ዓደምዎም።

ከምዚ ቢሎም ምስ እዞም ህጻናት ን50 ደቓይቅ ዝኣክል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ኣጋጣሚ ዝተደርሰት "ጸሎት ምስጋና" ምስቶም ቈልዑ ብምድጋም ርክቦም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ምስ ህጻንት ቍምስና ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ምስ ህጻንት ቍምስና ሮማ
12 April 2024, 18:26