ድለ

2024.04.04 ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ስምምዕ ኣብ ብዙሕነትን ሰላምን ኣኽብሮትን የምጽእ 2024.04.04 ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ስምምዕ ኣብ ብዙሕነትን ሰላምን ኣኽብሮትን የምጽእ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ስምምዕ ኣብ ብዙሕነትን ሰላምን ኣኽብሮትን የምጽእ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ጉባኤ መራሕቲ ዓለምን ባህላዊ ሃይማኖታትን ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዝተሳተፉ ተራኺቦም፡ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ሰዓብት ብዙሕነትን ሰላምን ሓልዮት ፍጥረትን ከስፍሑ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መራሕቲ ዓለምን ባህላውን ሃይማኖታትን ዘራኽብ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሮማ ኣብ ዘዳለዎ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያ ዕለት 4 ሚያዝያ ተቐቢሎም ኣብ ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ሪፓብሊካዊት ካዛኪስታን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ንምድንፋዕ እተካይዶ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፡ ነቲ “ቀዳማይ ናይ ሓባር ጉባኤ” ናይቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ማእከል ናዛርባየቭን ዝተፈረመ ናይ ምርድዳእ መዘክራዊ ሰነድ ውጽኢት ምዃኑ ገሊጾም፡ ነቲ ካብ ዕለት 13 - 15 መስከረም 2022 ዓ.ም. ናብ ካዛክስታን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞን ኣብቲ እዋን እውን ኣብ ናይ ካዛኪስታን ርእሰ ከተማ ኣስታና ኣብ ዝተኻየደ ሻብዓይ ዋዕላ መራሕቲ ዓለምን ባህላውን ሃይማኖታትን ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሰላምን ማሕበራዊ ስኒትን ምድንፋዕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ቀዳማይ ዋዕላ እናሓሰቡ ሰለስተ መዳያት ዕዮ ናይቲ ዋዕላ - "ብዙሕነትን ሰላምን ሓልዮት ፍጥረትን" ምድንፋዕ ዝምልከት ምዃኑ ገሊጾም፥ ፈለማ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያት ነፍሲ ወከፍ ባህልን ሃይማኖትን ምኽባር ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንሰባት ስኒት ንኺህልዎም ዚሕግዝ፡ "ኣብ ኪደት ዲሞክራሲ ኣገዳሲ ረቛሒ" እውን ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ማሕበረሰብ ካዛክ ንሃይማኖትን ፖለቲካን ዘደናግር ዘይኰነስ ሃይማኖት ንጥቕሚ ሕብረተሰብ ኣብ ምግልጋል ዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ዝህብ "ጥዑይ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ" ከም ዝሓቘፈ ድማ ገሊጾም፥ "ሰላምን ማሕበራዊ ስኒትን ንእተፈላለየ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ባህላውን ተዋጽኦታት፡ ስራሕ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምርካብ ከምኡውን ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ናብራ ናይታ ሃገር ብምውሳእ ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ምግባር ኣብ ኣርኣያኹም ተተባቢዑ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ዋላ ሓደ ሰብ ብምኽንያት መንነቱ ኣድልዎ ወይ ሞገስ ከም ዝረኸበ ዀይኑ ኣይስምዖ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ውግእ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሰላም ምዝራብ

ቅዱስነቶም ኣስዕብ ኣቢሎም፥ ፍጥረት ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ እዚ ንጐረባብትናን ንዚመጽእ ወለዶታትን "ናይ ግድን ዜድሊ ሳዕቤን ፍቕሪ" ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፡ ነቲ ዓውደ ኣኼባ ዞባዊ ቕልውላው ንምዕጋት ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዝገብር ምዃኑ ብምግላጽ ከም ዝነኣዱን፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታውያን ዝግበር ዘተ ሰላም ኣብ ምድንፋዕ እውን ይሕግዝ ኢዩ፡ ብፍላይ ኣብዚ “ውግእ ዝመልኦ ቃላት ብዘሕዝን መንገዲ ዳግም ከም ቅዲ ተመሊሱ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን” ቢሎም፡ ጽልኢ ዝመልኦ ቓላት ሰባት ናብ ውግእ ከም ዝድርኽ ገሊጾም፥ "ኣብ ክንዳኡስ ናይ ውልቀ - ሰባትን ህዝብታትን ናይ ሓቂ ተስፋ ስለ ዝዀነ ዛዕባ ሰላም ክንዛረብ ሰላም ክንሓልም ንተስፋ ሰላም ናይ ምምሃዝ ክእለትን ቁም ነገርን ክንህብ ኣሎና፡ ምስ ኵሉ ሰብ ንምዝታይ ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕውነት ዝሓሸ መጻኢ ንምርካብ ብዝካየዱ መደባት እዩ ዝተባባዕ

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ዘተ ዕዮ ኣተባቢዖም እዚ ድማ ንኻልኦት ሃይማኖታት ብኸመይ "ምስኣታቶም ጽቡቕ ዕቤት ንምግባር ብኽብሪ ዝረኣዩ መሻርኽቲ" ገይርካ ከም እትርእዮም ዘርኢ ኣብነት ክዀነና ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ "ነዘን መዓልትታት እዚኣተን ብዕርክነትን ንመጻኢ ብዜተኣማምን መደባትን ክትብርኹ ከምኡውን ውጽኢት ስራሕኩም ብፍረ ኸተካፍሉ ተስፋ እገብር" ከም ዝበሉ የመላኽት።

05 April 2024, 17:09