ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣዝማድ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ተራኺቦምር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣዝማድ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ተራኺቦምር  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣዝማድ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ተራኺቦምር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣዝማድን ኣባይቲ ስድራን ናይቶም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ዕለት 8 ሚያዝያ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ብሕታዊ ርክብ ከም ዘካየዱ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስድራቤት እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ፖለቲካዊ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ኣይሁድ ናይ ርክብን ዓውደ ኣኼባን መደብ ከካይዱ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ምስ ኣዝማድ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክራኸቡ ኻልኣይ ግዜ ምዃኑ የዘኻኽር።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ምስ ሓደ ጉጅለ ጅሆ ዝተታሕዙ ኣዝማድ ከምኡ’ውን ምስ ካልእ ጉጅለ፡ ብፍሉይ ኣዝማድ ናይቶም ኣብ ቓዛ ብኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሳቐዩ ዘለዉ ተራኺቦም ከም ዝነበሩን፡ እቲ ናብ ሮማ ዝመጸ ልኡኽ ስድራ ቤትን ኣዝማድን ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ቅድሚ እቲ ንኸካየይድዎ ዝተወደበ ርክባት ምስ ቅዱስ ኣቦና ከም ኣተራኸቡን ቅዱሰንቶም ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ቶክሲ ደው ብምባል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘፍቕድ ኩነታት ክፍጠርን እቲ ዝተባርዐ ኲናት እውን ብዘተ ክፍታሕ ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዘሐደሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

09 April 2024, 15:12