ድለ

2021.03.27 Uffici giudiziari Città del Vaticano Tribunale processo 2021.03.27 Uffici giudiziari Città del Vaticano Tribunale processo 

ር. ሊ. ጳ. ንመጋባእያዊ ስርዓታት ሃገረ ቫቲካን ንምሕዳስ ሓድሽ ኣዋጅ ኣውጺኦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓድሽ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ብምጽዳቕ ንመጋባእያዊ ሥርዓት ሃገረ ቫቲካን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ደሞዝ ደያኑን ጡረታኦምን ኣብ ዝምልከት ሕግታት ምምሕያሽ ገይሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽእዎ ሓድሽ ሓዋርያዊ ኣዋጅ (motu proprio) ኣብ ገለ መዳያት መጋባእያዊ ስርዓታት ሃገረ ቫቲካን ለውጢ ንምግባር ዝወሰድዎ ውሳነ እንክገልጹ፡-

ንብዙሕ ዓመታት ብዘሕለፍናዮ ተመክሮ ኣብቲ ብዛዕባ "ተራ ደያኑን ቤት ፍርድን ቤት ጽሕፈት ተጣባቓታትን ፍትሕን ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባ፣ ሞያዊ ክብርታትን ቍጠባዊ ኣተሓሕዛን" ብዝምልከት ኣብ ጉዳይት መጋባእያ ሃገረ ቫቲካን ሓደስቲ መምርሒታት ብተኸታታሊ ብምውጻእ ለውጥታት ይካየድ ኣሎ፣ ኢሎም።

ደረት ዕድመ

ኣብዚ ሓድሽ ኣዋጅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሽዱሽተ ዓናቕጻት ዝተኸፍለ ሓድስቲ ሕግታት ኣጽዲቖም ኣለዉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝወሰንዎ ገለ ኻብቲ እተገብረ ምትዕርራያት ናይ ዕድመ ገደብ ንደያኑ፣ ማለት ጡረታ ዚወጸሉ ኣብ 75 ዓመት ዕድሚኦም ኪኸውን ከሎ፣ ንደያኑ ካርዲናናላት ግን ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሚኦም ክኸውን ወሲኖም ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘለዎም ሥልጣን ነዚ ገደብ ዕድመ እዚ ከናውሕዎ ከም ዝኽእሉ ውን ተጠቒሱ አሎ።

ዘይልወጥ ስርዓት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ "ናይ ደያኑ ዘይልወጥ ስርዓት" ከምኡ ውን "ነቲ መስርሕ ርትዓዊ ንውሓት ግዜ ከም ዘለዎ ብምርግጋጽ" እቲ ኣዋጅ ከም ዘነጽሮ እቲ ኣቦ መንበር ቤት ፍርዲ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሰናበረሉ ዓመት ንቦታኡ ዝትክእ ተወሳኺ ኣቦ መንበር ብርእሰ ሊቃነ ጳጳጳ ክሸይም ከም ዝከአል ውን ኣመልኪቶም።   

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ካብቶም ደያኑ ብምኽንያት ኣገልግሎቶም ንምፍጻም ዓቕሚ ኣብ ዝሰኣኑሉ ንግዜኡ እውን ከይተረፈ ካብ መዝነቶም ክኣልይዎም ከም ዝኽእሉ" እውን ተወሲኑ ኣሎ።

ደሞዝን ጡረታን ብዝምልከት

እተን ስዒበን ዘለዋ ዓንቀጻት ድማ ብዛዕባ  ደሞዝን፡ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎታትን መኽሰባትን፣ ከምኡውን ብዛዕባ ጡረታ ዝገልጻ ዓናቕጻት ኢያተን ። ብተወሳኺውን እቲ እዋጅ ብዛዕባ እቲ ደያኑ ምስ ሲቭላዊ መሪሕነታት እተተሓሓዘ ዘለዎም ዕዮ ውን ዘመልክት ውሳኔታት ሒዙ ይርከብ ።

19 April 2024, 17:40