ድለ

2024.04.12 Membri della Papal Foundation 2024.04.12 Membri della Papal Foundation  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንጳጳሳዊ መዋሊ ትካል ንድኻታትን ተማሃሮን ገንዘባዊ ደገፍ ስለ እተገብረሎም ኣመስገንዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ንጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ - ሰናይ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ንምሃብ 14.7 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዘውጽአን ስለእቲ ዝገብሮ ዘሎ ኣገልግሎት ኣብ ምሕጋዝ ድኻታትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብውግእ እተጠቑ ወገናትን ኣመልኪቶም ምስጋናኦም ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ወገናት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅርበትን ድንጋጸን ለውሃትን ብምግላጽ ከም መስክርነት ሓጐስ በዓል ትንሳኤ ዀይኑ ዓይዩ ዘሎ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማእከሉ ዝገበረ ካቶሊካዊ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ተራኺቦም ስለ ዘወፍይዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ኣመስገንዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "ንእተፈላለየ ትምህርታውን ሰብኣዊ ሓገዛትን ሓዋርያዊ መደባትን እትገብርዎ ደገፍ ንድኻታትን ስደተኛታት ተመዛበልትን ከምኡውን ኣብዚ ግዜና ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብውግእን ብዓመጽን እተጐድኡ ወገናትን ብዙሓት ካብኣታቶም ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ንኽረኽቡ የኽእሎም ኣሎ።"

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ኣብ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ብፍላይ ከኣ ካብቲ ብስም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተመስረተ መዋሊ ትምህርታዊ ዕድላት ብናጻ ትምህርቲ ዝረኸቡ ተማሃሮ ዘለዎ ናይ ዕቤትን ሥነ-ኵስኰሳን ጽልዋ መስከሩሎም።

ቅዱስነቶም ከምዚ በሉ - "እቲ ኻብተን ኣብ ምዕባሌ ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት ንዝመጹ ምእመናን ሰብ ውፉይ ህይወትን ተመሃርቲ ዘርኣ-ክህነትን ከምኡውን ንካህናት ዝወሃብ ናይ ትምህረቲ ዕድላት፣ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከቡ ጳጳሳዊ መንብርተ ጠበብ መጽናዕቲ ንኽገብሩን፣ ነቶም ተቐበልቶም ኣብ ሃገሮም ኰነ ኣብ ካልእ ሃገራት ንወንጌል ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽምስክሩን የኽእሎም ኣሎ ።"

ክሳዕ ሕጂ 1,700 ዝዀኑ ሰባት በቲ ጳጳዋሳዊ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ዝወሃብ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ረኺቦም ኣብቶም ኣብ ሮማ ዝርከቡ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበባት ተማሂሮም ኢዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ሮሜ እተረኽቡ 140 ዝዀኑ ኣባላት እዚ ማሕበር - "ነቶም ተኽታሊ ጴጥሮስ ኣብ ብዙሓት ኣከባቢያዊ ብያተ-ክርስትያን ንምህናጽን፣ ንብዙሓት ዕድል ዘይረኸቡ ወገናት ንምክንኻንን ብቐጻሊ ትሕግዝዎም ኢኹም ዘሎኹም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ጐይታና ንሃዋርያ ጴትሮስ ዝሃቦ ሃደራ ትፍጽሙ ኣሎኹም ። ስለቲ ዘርኣኹምዎ ልግሲ ልባዊ ምስጋና የቕርበልኩም ኣለኹ። ኣዝየ አመስግነኩም!" ክብሉ ዘለዎም ሞሳ ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን "መደባት እዚ ጳጳሳዊ ትካል ምስቶም ካብ እተፈላለየ ባህልታትን ቋንቋታትን ዞባታትን ዝመጹ ሓገዝ ዝረኽቡ ሰባት መንፈሳውን ሕውነታውን ርክብ ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ" ብምባል ገለጹ ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና "ኣገልግሎትኩም ኣብዚ  ብውልቃውነትን ዘይምግዳስን ዝልልለ ግዜና፣ ዝያዳ ኣድላዪ ኢዩ " ብምባል መደረኦም ዛዘሙ ።

ንብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ገንዘባዊ ደገፍ

ብዕለት 12 ሚያዝያ እዚ ጳጳሳዊ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም ንቅዱስ ኣቦናን ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ንምግልጋል 14.7 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ረድኤትን ዕድላት ትምህርቲ ንምሃብን ከም ዘውፈየ ኣፍሊጡ።

ጳጳሳዊ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ብ2024 ነቶም ብሃገረ ቫቲካን ተፈላጥነት ዘለዎም ወሃብቲ አገልግሎታት 9,921,000 ዶላር ከወፊ ከም መደብ ሂዙ ይሰርሓሉ ኣሎ ።

እዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ንዚግበር 118 ውጥናት ዚድግፍ እዩ ፣ እዚ ውጣንት እዚ ኸኣ ንድኻታት ኣብ ምሕጋዝ ዝውዕል ክኸውን ኢዩ ።

ብዘይካዚ እዚ ትካል ልዕሊ 100 ኻህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ልኡኻት ወንጌልን ብመደብ ትምህርቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣቢሎም ኣብ ሮማ ዕድል ናይ ትምህርቲ ንኽረኽቡ ዜኽእሎም 819,000 ዶላር ከወፊ ኢዩ ።

እዚ ጳጳሳዊ ትካል እዚ ብመንገዲ ወንጌላዊ ተልእኾ ዝኾነ ወፈያታቱ ኣቢሉ ወሳኒ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ይህብ ኣሎ፣ ንዝጠመዩ ንምዕንጋል፣ ንሕሙማት ንምክንኻን፣ ከምኡውን ነቶም ግዳም ሓደር ንምዕቋብ ኣብ እዋን ቅልውላው 4,000,000 ዶላር ናይ ህጹጽ ረድኤት ገንዘብ ውን የወፊ ኢዩ ።

እዚ ጳጳሳዊ ትካል ግብረ ሰናይ ምስ ስቲዋርድስ ዘቅዱስ ጴጥሮስን ብምትሕብባር  ካብ ዚምስረቱ ኣትሒዞም ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 2,400 ውጥናት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ከምኡውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይን ሓገዛት ኣካዪዶም ኢዮም ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝርከቡ ማሕበራት እቲ ንናይ ቅዱስ ኣቦናን ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን መዳባትን ውጥናትን ጥራይ ንምምላእ እተወፈየ ማሕበር ግብረ-ሰናይ እዚ ጳጳሳዊ ትካል ግብረ ሰናይ ጥራይ ኢዩ።

12 April 2024, 18:30