ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ነቶም ዝሳቐዩ ብናይ ርህራሄን ሓቛፍነትን ምትንካፍ ኢና ቀረባኦም ክንከውን እንኽእል! ር.ሊ.ጳ.፡ ነቶም ዝሳቐዩ ብናይ ርህራሄን ሓቛፍነትን ምትንካፍ ኢና ቀረባኦም ክንከውን እንኽእል!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፡ ነቶም ዝሳቐዩ ብናይ ርህራሄን ሓቛፍነትን ምትንካፍ ኢና ቀረባኦም ክንከውን እንኽእል!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም፥ "ሕማምን መከራን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ" ዝብል ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ርእሰ ጉዳይ ማእክለ ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ቃንዛን ሕማምን ብህልዮ ዘይኮነስ ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ብምንባር ብቓላት ዘይኮነስ ገዛእ ርእስኻ ናብቶ ዝሓመሙን ኣብ ስቓይ ዘለዉን ንደገፎም ትሕት ምባል” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምናልባት ምስ ሓደ ዝሳቐ ሰብ ኣብ እትራኸበሉ እዋን እቲ ዝያዳ ዝፍጸም ባህርያዊ ጌጋ ብባህረት ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥር ቃል ምቕራብ እዩ። ምናልባት እቲ ኣዝዩ እዋናዊ ዝበሃል ድማ ስቓዩ ናብ “ዘይምግላጽ ይሓይሽ ናብ ዝብል ኩነታት ምውራድ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ምናልባት "ነቲ ብዝኾነ ይኹን ዋጋ፡ ስሉጥነትን ገንዘብ ምውህላልን  መኽሰብን ዝብል ባህሊ" ስለ ዝሃስዮ ክኸውን ይኽእል። እዚ "ብርግጽ መፍትሒ ኣይኮነን" እንክብሉ ቅዱስነቶም ነዚ ኣነጺሮም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እተን ክልተ መፍትሒ ቃላት

ስቓይን ሕማምን፡ "ክንገጥሞም ዝግብኣና ተጻባእቲ እዮም፡ እንተኾነ ግን ንሰብ ብዝበቕዕ ኣገባብ ምግጣም ኣገዳሲ ይኸውን. . . ማለት "ስብ ተራኻቢ ምዃኑን ነዚ ርክብ እዚ" ንኽነብር ብምሕጋዝ፡ ስቓይን ሕማምን "ካብ ናብ ተነጽሎ ወይ ተስፋ ምቝራጽን ንዝድርኽ ባህረት ምቕያር የድሊ።” ኣብ ክርስትያናዊ ተመክሮ "መከራ ከም መንፊት ክኸውን ይኽል እዩ" ንኣብነት ሓደ ሰብ ሕማም ከጋጥሞ ከሎ ሓደ ሰብ እቲ ኣገዳስን ዘየገድስን ንምልላይ ኣብ ዝግበሮ መመያ ብሱል ክገብሮ ከም ዝኽእልን ገሊጾም፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ወሳኒ ቃላት ድማ “ርህራሄን ሓቛፍነትን” ዝብሉ ምዃኖም የተሓሳስቡ።

ብቓላት ዘይኮነስ ብተግባር

እቲ ኣብነት ከም ወትሩ ካብ ክርስቶስን ብፍላይ ድማ ካብቲ ምስ ሕሙም ሰብ ወይ ብገለ ሕማም ዝሳቐ ሰብ ዝቐርበሉ ኣገባብ ዝምንጨው ምዃኑ ብምዝኽካር፥

ኢየሱስ ንመከራ ዝትንትን ወይ ብቓላት መብርሂ ዝህብ ኣይኮነን ብኣንጻሩ ናብቶም ዝሳቐዩ ትሕት ቢሉን ኣብራኹ ዓጺፉን ዝቖሰለ ስጋእኦም ዝትንፍክ እዩ። ንቃንዛ ብሓፈሻዊ ምትብባዕን ምጽንናዕን ኣይኮነን ዝገጥም እንታይ ደኣ በቲ መዓት ክፍትክፍ ብምቓድ እዩ ዘአንግዶ

ማለት ኢየሱስ በቲ ስቓይ ዝትንከፍ እምበር ዘይግደስ ኣይኮነን፡ ንምልዓልን ንምሕዋይን ብኢዱ ይትንክፍ። መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ “በዚ መንጽር’ዚ እዩ ዝበርህ፡ ናይ ጽቡቕ ቃላት መጽሓፍ መምርሒ ወይ ናይ ስምዒታትን ትዛዛት ኣይኮነን ዘቕርብ፣ እንታይ ደኣ ከም ናይ እዮብ ገጽን ርክባትን ጭቡጥ ዛንታታትን እዩ ዘርእየና፡ ክርስቶስ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ይኸይድ፣ ንኹሉ ክፍኣት ዓለም ኣብ ቀራንዮ ይወስዶ፣ እዚ ልዑል ኣብነት ቅርበት እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ የረጋግጽ

ናይ ኢየሱስ መልሲ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ድማ ንሰብ ብዘድሕንን ንቃንዛኡ ብዝቕይርን ርህራሄ ዝተመልአ እዩ። ክርስቶስ ንቃንዛና ብምልኣት ናቱ ይገብሮን ይቕይሮን ድማ: ኣብኡ ብምንባርን: ብምስቓይን ከም ህያብ ፍቕሪ ብምቕራብን። “ንስለምንታይ" ዝብል ምዃናዊ ሕቶ ቀሊል መልሲ ኣይሃበን፡ ኣብ መስቀል ግን ነታ ዓባይ "ስለምንታይ" ምዃናዊ ሕቶ ናቱ ይገብር!

እቲ ንሱ ዝወስዶ ስጉምቲ ካብ ርህራሄ ክሳብ ምትእትታው ዝኸይድ ቀጥታዊ ርክብ እዩ። ከምቲ ንኹሉ ዝቐርቦ ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገብሮ "ናብ ናይ ምክፋል ኣተሓሳስባ ይመርሕ”

ብተመኩሮ ስቓይን ሕማምን ኣቢልና፡ ከም ቤተ ክርስቲያን፡ ብስም ሓባራዊ ተነቃፍነት፡ ዕድላት ዘተን ተስፋን እናኸፈትና፡ ምስ ኩሉ ሰብ፡ ብክርስትያናውን ሰብኣውን ምትሕግጋዝ ብሓባር ክንመላለስ ንጽዋዕ፡

ቢሎም፡ ንጳጳሳዊ ሽማግለ ቅዱስ መጽሓፍ ንዘካይዶ ዕዮ ሰናይን ኣሳልጦን ተመንዮም፥ "ቃል እግዚኣብሔር ንዝኾነ ይኹን ምዕጻው፡ ረቒቕን ህልዮ እምነትን ሓያልን ፍቱን መድሃኒት እዩ" ከምኡ'ውን "በቲ ዝተጻሕፈሉ መንፈስ ነንብቦ፡ ንእግዚኣብሔርን ንሰብን ውዕዉዕ ፍቕሪ የዕብን ሰናይ ተግባር የበግስን ሓዋርያዊ ቅንኣት የበራብርን” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 April 2024, 16:28