ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ጸሎት ንግስተ ሰማይ፡ ኣብቲ ዝተንስአ ክርስቶስ እምነት ህላልወና

ኣብ ካልኣይ ሰንበት ዘፋሲካ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ ዝተንስአ ኢየሱስ ናይ ምርኻብ ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ ብምጉላሕ ምእመናን እምነትን ጸሎትን ፍቕርን ሓቚፎም ሓጎስ ፋሲካ ከስፍሑ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ካብ ሓዋርያዊ ምስኮት ኮይኖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 20 ካብ 19 – 31 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ካልኣይ ሰንበት ዘፋሲካ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካልኣይ ሰንበት ዘፋሲካ ንመለኮታዊ ምሕረት ከምዘወፈይዎ ኣዘኻኺሮም፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን መለኮታዊ ምሕረት እተብዕለሉ ሰንበት ምዃኑን በዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ብኢየሱስ ወልደ እግዚኣብሔር ብምእማን፡ ብስሙ ህይወት ክንረክብ ከም እንኽእል ወንጌል የረጋግጸልና ቢሎም፥ “ህይወት ምህላው: እንታይ ማለት እዩ?” እንክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም፥

ህይወት ንኽህልወና

ኣስዒቦም ነፍሲ ወከፍና "ህይወት ክህልወና" ከም እንደሊ፡ ግን ከኣ ናብ ህይወት ዝወስድ ዝተፈላለየ መገድታት ከም ዘሎ እንከመላኽቱ፥

"ብዙሕ ነገራት ንምስትምቓርን ንምውናንን ህላወ ናብ ዕግርግር ዝመልኦ ውደራ ዘውርድ መገዲ ኣሎ . . . ኣብ መጀመርታ ባህ ዘብል ዝመስል" ግን ከኣ "ልቢ ዘየዕግብ" እዩ እንክብሉ ገሊጾም። እዚ እምበኣር፡ ናብ ሓጎስ ስለዘይመርሕ "ህይወት ንኽህልወና" ክንወስዶ ዘለና ቅኑዕ መንገዲ ኣይኮነን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምልኣት ኣብ ኢየሱስ ይርከብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ናይ ሎሚ ወንጌል እዚ ነፍሲ ወከፍና ዝተጸዋዕናሉ ምልኣት ሕይወት ኣብ ኢየሱስ ከም ዝግሃድ ይነግረና "ሓደ ሰብ ግን ነዚ ምልኣት ህይወት ከመይ ገይሩ ክረኽቦ ይኽእል?” እንክብሉ ሓቲቶም፡ ሕይወት ምህላው ማለት "ኣብ ዝተሰቕለን ዝተንስኤን ኢየሱስ ኣዒንቲ ምንባር፡ ኣብ ምስጢራትን ብጸሎትን፡ ህልው ምዃኑ ምፍላጥ፡ ብእኡ ምእማን፡ ንርእስኻ ብጸጋኡ ክትንከፍን ክትምራሕን" ምፍቃድ ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ከምኡ ናይ ምፍቃር ሓጎስ ክህልወና ምግባር። ኩሉ ምስ ኢየሱስ እንገብሮ ህያው ርክብ ዝያዳ ህይወት ክንረክብ የኽእለና፡” ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነፍሲ ወከፍ ምእመን: "ብሓይሊ ትንሳኤ ኢየሱስ: ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ፍርሕን ሞትን ዝረኸቦ ዓወት ድየ ዝኣምን? እንክብል ገዛእ ርእሱ ንኽሓትት ዓዲሞም፡ በቲ ምስኡ ምርኻብ ክስሓብ ድየ ዝፈቅድ? ነዚ ምስኡ ንኽንራኸብ ዝዕድመና ሕይወት ሕራይ ንበል።" በዚ ምስኡ ምርኻብ ተደሪኸ ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ክራኸብን ከፍቅሮም እደልይ ድየ፡ መዓልታዊ ድማ ተስፋ እገብር ድየ?" ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ድንግል ማርያም ኣብ ዝተንስኤ ኢየሱስ እምነት ክህልወና፣ “ህይወት ክህልወና”፣ ሓጎስ ፋሲካ ከነስፍሕ ተማልደልና እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

08 April 2024, 16:52