ድለ

2024.04.05 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ኤንሪኮ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም 2024.04.05 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ኤንሪኮ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ኤንሪኮ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 11 ዞባ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ሰበኻ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ኤንሪኮ ብናይ ሰበኻ ሮማ ተራዳኢ ጳጳስ ዳኒኤል ሳሌራን ተሰንዮም ሃውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ምስ 35 ካህናት እቲ ዞባ ከም እተራኻቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሚያዝያ ሰዓት 16፡00 ኣቢሉ ናብቲ መበል 11 ከፍለ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከን ክፍሊ ሰበኻ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ኤንሪኮ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ምስቲ ናይቲ ዞባ ሰበኻ ሮማ ካህናት ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ነዚ ከምዚ ዝበለ መደብ ሓዎጾት ኖልዎ ኣብ ቁምስናታት ሰበኻ ሮማ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣቋሪጾምዎ ከም ዝጸንሐ የዘኻኽር።

ዘተ ምስ ካህናት

ቅዱስነቶም ምስቶም ኣብቲ ክፍለ ሰበኻ ሮማ ዘገልግሉ 35 ካህናት ተራኺቦም ብዘተ መልክዕ ድማ ዛዕባ ዝተፈላለየ ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ጉስነት ዘጋጥም ጸገም ዝምልከት ንዝቀረበሎም ሕቶ ምስቶም ካህናት ከም እተመያየጡን እቲ ርክብ እውን ዕጽው ምንባሩ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፡ ቅድሚ እቲ ምስ ካህናት ዘካየድዎ ርክብ ኣስታት 50 ነበርቲ እቲ ከባቢ ተኣኪቦም ንቕዱስነቶም ኣቀብብላ ከም ዝገበሩሎም የመላኽት።

ቤት ማሕቡስ

ካብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ሪቢብያ እተሰምየ ቤት ማሕቡስ ዘገልግሉ ካህናት ንቕዱስነቶም ካብቲ ኣብቲ ቤተ ማእሰርቲ ዘጋጥም ብፍላይ እሱራት ርእሰ - ቕትለት ክፍጽሙ ዝድርኾም ኣጋጣሚ ኣትሒዞም ኣብ ኣብያተ - ማእሰርቲ ዘጋጥሞም ጸገማትን እቲ ኣብኡ ዘሎ ጸገም በቲ ቤተ - ክርስትያን ንእሱራት ከተሰንዮም እተሳልጦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢሎም ንኽፈትሕዎ ከም ዝፍትኑን ብዙሓት ገለ ኻብቶም ካህናት ዘቕርብዎ ኣገልግሎትን ዝከተተልዎ ዝለዓለ ትምህርትን መብዛሕትኡ ግዜ "ኣብ ኣገልግሎቶም ብቑዓት ኮይኖም ንኽርከቡን ነቶም ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ናብ ሓድሽ ህይወት ንምምላስን ኣጋጣሚታት" ከም ዝኸፍተሎም ንቅዱሰንቶም ከም ዝሓበርዎም ጳጳስ ሳለራ ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣመላኺቶም፥ "ኣብ ቤት ማህቡስ ሪቢብያ ዘገልግሉ ናይቲ ዞባ ካህናት ብምርኻቦም ድማ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ኩነታት እሱራት ከተኩር ከም ዝደረኸ ኣፍሊጦም እንክብል ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።

ምሕረት፡ መንእሰያት፡ ኢዮቤል

ኩሎም ካህናትን ዲያቆናትን "በዚ ኣኼባ እዚ ኣዝዮም ሕጉሳት" ከም ዝኾኑን እቶም ሓጋዚ ጳጳስ ገሊጾም፡ ሓደ ካብቲ ዘተ ዝተገብረሉ ካልእ ኣርእስቲ ድማ "ምሕረት" ዝብል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ እዚ ድማ ካብ ቤተክርስትያን ርሒቖም ንዝስምዖም ሰባት ዝቐርብ ኮይኑ፡ ብመንጽር እቲ ዝመጽእ ኢዮቤል "ሃገረ ስብከት ሮማ ንሲኖዶስን ናብ ቅዱስ ዓመት ዝወስድ መንገድን ይነብሩ ከምዘለዉ ሕጉሳት" ምዃኖም ንቕዱስነቶም ከም ዝገለጹሎምን ኣብ መወዳእታ ጳጳስ ሳሌራ "ህላወ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንጸት ካህናት" ዝብል ኣርእስቲ'ውን ከም እተዘተየሉ ኣመልኪቶም ይብል ዜና ቫቲካን።

ዑደት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንሰበኻ ቅዱስ ኤንሪኮ ዝበጽሑ ካልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝኾኑንን ቅዱሰንቶም ነቶም ካህናት፥ “እቲ ማሕበረሰቦም መንሰይ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ብዓብዪኡ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብቲ ኸባቢ ብዝሰፈሩ ሓደስቲ ኣባይቲ ስድራ ዝቘመ ከም ዝኾነ እውን ኣመላኺቶም . . . ብዙሓት ህጻናትን መንሰያትን ዘለውዎ ብምዃኑ ድማ ሓጎስ ይፈጥረልና ህያው ድማ ይገብሩና” ከም ዝበሉ ጳጳስ ሳለራ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

06 April 2024, 17:22