ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ እስያን ኦቻይናን ኣብ ዝርከባ 4 ሃገራት ምብጻሕ ከካይዱ እዮም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ እስያን ኦቻይናን ኣብ ዝርከባ 4 ሃገራት ምብጻሕ ከካይዱ እዮም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ እስያን ኦቻይናን ኣብ ዝርከባ 4 ሃገራት ምብጻሕ ከካይዱ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 2 - 13 መስከረም 2024 ዓ.ም. ዝጸንሕ ኣብ ሃገረ ኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር-ኢስትን ከምኡውን ሲንጋፖር ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ናብ ሰለስተ ሃገራት እስያን ኣብ ሓንቲ ኣብ ኦቻይና ኣብ እትርከብ ሃገር ካብ ናይተን ሃገራትን ኣቢያተ ክርስቲያንን መራሕቲ ብዘቕረቡሎም ወግዓዊ ዕድመ መሰረት ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ከም ዝኾኑ ዕለት 12 ሚያዝያ ዝወጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ እዚ ድማ መበል 43 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ከም ዝኸውን ይሕብር።

ቅዱስነቶም ዕለት 2 መስከረም ካብ ሮማ ክነቕሉን ኣብተን ሃገራት ምብጻሕ ኣካይዶም ድማ ዕለት 13 መስከረም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ክምለሱ ብመደብ ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ ፈለማ ኣብ ኢንዶነዥያ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ዘካይድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ካብ ዕለት 3 – 6 መስከረም ዝጸንሕ ዑደት፡ ካብ ዕለት 6 – 9 መስከረም ድማ ኣብ ፓፕዋ ነው ጊኒ ርእሰ ከተማ ፖርት ሞረስቢ ከምኡ እውን ኣብታ ሃገር ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኣብ እትርከብ ከተማ ቫኒም እውን ክበጽሑ ከም ዝኾኑን ቀጺሎም ናብታ ካብ ዕለት 11 – 13 መስከረም ምብጻሕ ናብ ዘካይዱላ ሃገረ ቲሞር ኢስት ርእሰ ከተማ ዲሊ ክበጽሑ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።  

ኣብተን ሃገራታ ዝነብሩ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ናብተን ኣብ ወርሒ መስከረ 2024 ዓ.ም. ክበጽሕወን ዝኾና ሃገራት ክበጽሑ ዝከኣል ምዃኑ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ምስ ኤን- ፕላስ እተሰምየ መክሲካዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝገበርዎ ቓለ-መሕትት ሓቢሮም ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ "ፖሊነዥያ" ከምኡውን ናብ ትውልዲ ዓዶም ኣርጀንቲና ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ድላይ ከም ዘለዎምን ድሕሪኡ እውን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ዓ.ም. ምስ ሓደ ላ ስታምፓ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ናብ ቲሞር - ኢስት፡ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ከምኡውን ኢንዶነዥያ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኢንዶነዥያ ካብ ዓለም እታ ዝዓበየ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ዝነብረላ ሃገር ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ከኣ ልዕሊ 8 ሚልዮን ብጠቕላላ ካብ መላእ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገርት 3.1 ሚእታዊት ዝሽፍን ከም ዝኾነን ሃገረ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ 32 ሚእታዊት ዝሽፍን ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ከም ዝኾነን  እዚ ኸኣ ኣስታት 2 ሚልዮን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቲሞር-ኢስት ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ 1 ሚሊዮም ከም ዝኾነን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ 96 ሚእታዊት ዝሽፍን ኮይኑ ኣብ ሲንጋፑር ድማ ብዝሒ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ 395,000 ክኸውን እንከሎ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ 3 ሚታዊ ዝሽፍን እዩ።

13 April 2024, 17:10