ድለ

KAZAKHSTAN-FLOOD KAZAKHSTAN-FLOOD  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ካዛኪስታን ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ዘጋጠሞም ሰባት ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ ድሕሪ ኣስተምህሮ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታትን ምህጽንታን ምእንቲ እቶም ኣብ ካዛክስታን ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ እተጐድኡ ሰባት ጸሎት ክግበር ጻውዒት ዐቕሪቦም፣ እዚ ኸኣ ንብዙሕ ዞባታት ማእከላይ እስያ ጸልይዎ ይርከብ ኣሎ፣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ካብታ ቕድስቲ ሃገር ዩክረይን ከምኡውን ምያንማር ከም ዝመዛበሉ ገይርዎም ኣሎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ድሕሪ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴትሮስ እተረክቡ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታን ሰላምታን ነቶም ኣብ መስከረም 2022 ቅዱስነቶም ዝበጽሕዎም ብዙሓት ዞባታት እታ ሃገር ዕልቕልቅ ማይ ከም ዘጋጠሞምን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክመዛበሉ ከም ዝገበሮምን ዘኪሮም  "ኣብዚ ግዜ እዚ ንህዝቢ ካዛክስታን መንፈሳዊ ቅርበተይ ከመሓላልፈሎም እደሊ ኣሎኹ" ብምባል ድማ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ።

"ኵሉ ሰብ ምእንቲ እቶም ብሰንኪ እዚ ባህርያዊ ሓደጋ እዚ ዚሳቐዩ ዘለዉ ክትጽልዩ እዕድም ኣለኹ"

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረቡ ነጋድያን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ "ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት እውን ከይተረፈ ሓጐስ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ንዝክሮ ኢና" በሉ።

ሩስያን ካዛክስታንን እንተ ወሓደ ን70 ዓመት ኣብቲ ኸባቢ ኻብ ዘጋጠመ ምምካኽ ናይ በረድ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ሓሊፉ ድማ ምምላእ ማያት ወሓይዝ ስለ ዘስዕብ ዘሎ 100,000 ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ኸባቢ ኺወጹ ኣዚዘን ኣለዋ ።

ምዕልቕላቅ ማይ ኣብ ኣኽራን ኡራል ሳይበርያ ከምኡውን ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ኡራልን ቶቦልን ኣብ ዚርከብ ሓያሎ ሰፈራታት ካዛኪስታን በጺሑ ኣሎ ።

 ቅድስቲ ሃገርን ዩክረይንን ምያንማርን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ ዅሎም እቶም በቲ ንዓለም ዜሳቕያ ዘሎ ቐጻሊ ውግኣት ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኪጽልዩ ከም ብሓድሽ ጻውዒት ብምቕራብ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ጐይታ ሰላም ይሃበና" ድሕሪ ቢሎም "ምእንቲ እታ እትሳቐ ዘላ ዩክረይን ምእንቲ ፍልስጤም ከምኡውን ንእስራኤል ንጸሊ"

ቀጺሎም ድማ "ውግእ ኣብ ፈቐዶኡ ኢዩ ዘሎ - ምያንማር ኣይንረስዕ የግዳስ ንጐይታ ሰላም ንልምኖ ነዞም ኣብዚ ቦታታት ውግእ እዚ ብዙሕ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ኣይንረስዓዮም " በሉ ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ምእንቲ ሰላም ንኽጽልዩ ጻውዒት ብምቕራብ ተፋነውዎም።

10 April 2024, 17:43