ድለ

ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ይበል፡ ክላባዕ ኣይተፍቅድሉ! ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ይበል፡ ክላባዕ ኣይተፍቅድሉ!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ይበል፡ ክላባዕ ኣይተፍቅድሉ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመዛዘሚ ሮሞዳን ናብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ሶርያን ሊባኖስን ሰላም ክወርድ ዝብል ዘለዎም ድሌት ኣካፊሎም፡ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን "በቲ ዜፍርህ ንፋስ ቅድድም ኣጽዋር ተደፋፊኦም ቂምታ ከየጓሃህሩ” ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ጾም ጸሎት ኣስተንትኖን ግብረ ሰናይን ዝነብርሉ መዛዘሚ ወርሒ ራማዳን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ቀጻሊ ውግእ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶርያን ሊባኖስን ኣብ ብምሉኡ እቲ ዞባን ዝፍጸም ዓመጽ፥ ከም ዘጨንቖም ገሊጾም፡" ውግእ ወትሩ ፍሽለት ኢዩ፡ ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዘይመርሕ መገዲ ጸልማት እዩ" ዝብል ደጋጊሞም ዝገልጽዎ እምነቶም ብምክፋል ነቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝዀኑ ኣሕዋተይን ኣሓስተይን እንክብሉ ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ "እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ እተባረኸ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዚፈስስ ዘሎ ደም” ጓሂ ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም፡ እቲ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ወርሒ ራማዳን ድሕሪ በዓል ትንሳኤ ነዊሕ ከይጸንሐ ከም እተዛዘመ ኣስተብሂሎም ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ንኣመንቲ ኣዒንቶም ናብ ሰማይ ልዕል ከብሉ "ንጐይታ 'መሓርን ኵሉ ዚኽእልን' ከምልኹን ከም ዝድርኾም” የዘኻኽሩ።

እግዚኣብሄር ሰላም እዩ ሰላም ድማ ይምነ

“እግዚኣብሔር ሰላም እዩ ሰላም ድማ ይደሊ። እቶም ብኣኡ ዝኣምኑ ንውግእ ካብ ምንጻግ ዘይቦኽሩ እያቶም፡ እዚ ውግእ ተጻብኦታት ዘጋድድ እምበር መፍትሒ ኣይኮነን . . . ኲናት ኩሉ ግዜ ውድቀት ጥራይ እዩ: ናብ ዝኾነ ቦታ ዘይወስድ መንገዲ ጸልማት እዩ፤ ንኹሉ ተስፋ ዝሓንቕ እምበር ሓድሽ ርእየት ኣየርህውን እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝተፈጥረ ግጭት ዘሕድረሎም ጭንቀት ገሊጾም፡ ኣብቲ ሰብኣዊ ዕንወት ዝፍጸመሉ ዘሎ ውሽመጥ ቓዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት፥

“ረድኤት ናብቲ ኣዝዩ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ፍልስጤም ክበጽሕ ፍቑድ ይኹን፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ጅሆ ዝተታሕዙ ድማ ናጻ ክልቀቑ

ብምሕታት ከም ዘሐደሱ ይሕብር።

ጻውዒት ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ “ብውግእ ዝተሃስየያ ሃገረ ሶርያን ሊባኖስን መላእ ማእከላይ ምብራቕን” እናሓሰቡ

"እቲ ዞባ በቲ ብርቱዕ ንፋስ ቅድድም ኣጽዋር ቂምን ሕነ ምፍዳይን ኺናወጽ ኣይነፍቅድ! ውግእ ክላባዕ ኣይነፍቅድ! ነቲ ግብረ እከይ ዝኾነ ዘይምቅዳው መወዳእታ ንግበረሉ!" ቢሎም፥ ብዛዕባ ኣባይቲ ስድራ መንእሰያት ሰራሕተይናታት ኣረጋውያን ከምኡውን ቈልዑ ኣብ ልቦም ምዃኖም ገሊጾም፥ "ኣብ ኣልባብ ተራ ሰባት ዓቢ ባህጊ ሰላም ከም ዘሎ ርግጸይና እየ . . . ዓመጻ ኣናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ካብ ኣዒንቲ እቶም ተራ ሰባት ንብዓት ይፈስስ ካብ ከናፍሮም ድማ ኩናትን ዓመጽን ይኣክል ትብል ቃል እያ እትድመጽ"

ኣነ እውን ይኣክል እብል! ናብቶም ሰበ ስልጣናት እናሓሰቡ ድማ "እቶም ሓላፍነት ዝጾሩ ሰባት ከምኡ ይኣክል” ክብሉ ዓዲሞም፥ "በጃኹም ነቲ ግጭት ኣጽዋር ኣቋሪጽኩም ከምቲ ንደቅኹም እትገብርዎ ብዛዕባ ዅሎም ህጻናት ሕሰቡ . . .

ናይ ኣታኽልቲ ቦታታት ኣብያተ-ትምህርቲ ደኣ እምበር መቓብርን ጃምላዊ መቓብርን ኣየድልዮምን እዩ!

መሰል ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገር ክህልዎ

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቶም ብናይ ተስፋ ቃላትን ልክዕ ከምቲ ምድረ - በዳ ክዕንብብ ከም ዝኽል፡ ልቢ ሰባትን ህይወት ኣህዛብን እውን ክዕምብብ ይኽእል ኢዩ ዝብል ዘለዎም ተስፋን እምነትን ገሊጾም፥ “ካብ ምድረ በዳነት ጽልኢ” ኣጠንቂቖም፥ ቡቕሊ ተስፋ ክዓቢ ዝኽእል ኣብ ነንሕድሕድና ኣብ ምዕባይ ከመይ ጌርና ከም እንደጋገፍ ምስ እንመሃር ጥራይ እዩ። ናይ ካልኦት እምነት ምኽባር ምስ እንመሃር ጥራይ እዩ፤ ናይ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ናይ ምንባር መሰልን ናይ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ መሬት ክህልዎ ዘለዎ መሰልን ምስ እነስተውዕልን እነኽብርን ጥራይ እዩ። ንማንም ብዘይምስይጣንን ብዘይምክፋእን ብሰላም ክንነብር ከም እንኽእል እንተ ተማሂርና ጥራይ እዩ፡ ቢሎም ነቶም ኣብ መንጎ ውሑድ ዘይኮነ ጸገማት ዝርከቡ እንክብሉ ንዝዘከርዎም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚነብሩ ክርስትያን እናሓሰቡ፥ ቅርበቶም ብምግላጽ ኣተባቢዖም እምነቶም ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰልን ክእለትን ኣለዎም፡ እዚ ድማ "ኩሉ ግዜን ኣብ ኩሉ ቦታን ሕጉሳት ክኾኑን እዚ ሓሴት እዚ ድማ ሰላምን ሕውነትን ዘተባብዕ እዩ” እዩ እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 April 2024, 17:14