ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፡ ስፖርት ማሕበራዊ ምሕዝነትን ሕውነትን ከዕቢ ኣለዎ ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፡ ስፖርት ማሕበራዊ ምሕዝነትን ሕውነትን ከዕቢ ኣለዎ ይብሉ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፡ ስፖርት ማሕበራዊ ምሕዝነትን ሕውነትን ከዕቢ ኣለዎ ይብሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ብሓባር መሪሖም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፡ ዕለት 6 ሚያዝያ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለም ለኸ መዓልቲ ስፖርት ንልምዓትን ሰላምን ብምዝካር፡ ስፖርት ኣብ ህንጸት ሕውነት ቀንዲ ክብርታት ይድግፍ ከም ዝበሉን ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ግዳያት ሓደጋ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስታት 15 ሽሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈስውያን ነጋዶ ኣብ ዝተርኽብሉ ጉባኤ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ማዕከናት ኣብ ዝተመሓላለፈ መደረኦም ምእመናን ከይተሓለሉ ወትሩ ምንቲ ሰላም ክጽልዩ ዓዲሞም፥ ዕለት 6 ሚያዝያ ተኸቢሩ ዝወዓለ ዓለም ለኸ መዓልቲ ስፖርት ንልምዓትን ሰላምን ዘኪሮም፥ “ስፖርት ኣብ ህንጸት ሕውነትን ቀንዲ ክብርታትን ዝድግፍ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ዝኽሪ፥ ስፖርትን ኣካላዊ ምንቅስቓሳትን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ማሕበረሰባትን ኣብ ህይወት ሰባትን ዘለዎ እወንታዊ ተራ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝሕግዝ ዕድል ምዃኑ ኣስተውዕሎ ብምሃብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበገሰ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ናይ ለምዘበን 2024 ዓ.ም. ዓለም ለኸ መዓልቲ ስፖርት ንልምዓትን ሰላምን መርሕ ቃል “ስፖርት ንምድንፋዕ ሰላምን ሓቋፊ ሕብረተሰብን” ዝብል ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱሰንቶም፥ “ስፖርት ምልምማድ ከመይ ጌሩ ናብ ክፉት፡ ደጋፊ፡ ጽልኢ ዘይብሉ ማሕበራዊ ርክብ ከነብል ክሓንጽ ከም ዝኽእል ኩላትና ንፈልጦ ኢና” ብምባል ነቲ ስፖርት ዘቃልሖ ክቡራት ዋጋታት ብምዝኽካር፡ እንተኾነ ግን ይብሉ ኣስዒቦም፥ “ነዚ ዓወት ወይ ገንዘብ ንምእካብ ጥራይ ዘይዓለሙ መራሕትን ኣሰልጠንትን የድልዩና: ማሕበራዊ ምሕዝነትን ሕውነትን ዘዕቢ ስፖርት ንኸነስፍሕ!” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጸሎት ግዳያት ሓደጋ መጓዓዝያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዞባ ሊምፖፖ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ እውን ዘኪሮም፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ 45 ሰባት ዕለተ ጸሎተ ሓሙስ ናብ ጉባኤ ፋሲካ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን ክፍለጥ እንከሎ፥

“ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑን ንስድራ ቤቶምን ንጸሊ፡ ቅርበትናን ጸሎትናን ነረጋግጸሎም፥” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

08 April 2024, 17:01