ድለ

ቺካጎ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከተብዕል ትዳሎ ቺካጎ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከተብዕል ትዳሎ  (2025 Getty Images)

ቺካጎ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከተብዕል ትዳሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ እተወለዱላ ርእሰ ሰበኻታት ቺካጎ ኣብ ዝርከብ ናይታ ቅዱስነቶም ዝድግፍዎ ዝነበረ ናይ ቺካጎ ናይ ኲዕሶ እግሪ ኣመሪካ ጋንታ ዋይት ሶክስ ናይ ስፖርት ሜዳ፣ ሕይረቶም ንምጽንባል ዝተፈላለየ መደብ ክእንገድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቺካጎ ርእሰ ሰበኻታት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝዓበየት ከተማ ቺካጎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሕርየት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብናይ ጸሎትን ሙዚቃን መደባት ንምጽባል ትሸባሸብ ከም ዘላን፣ እቲ መደብ ጽምብል ኣብ ከተማ ቺካጎ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ዝካየድ ኮይኑ፣ ነቲ መደብ ዘአንግድ ርእሰ ሰበኻታት ቺካጎ - እቲ ዕለት 14 ሰነ ዝካየድ ጽምብል ናይ እምነትን ሓድነትን ማሕበረሰባዊ መንፈስን መግለጺ ምዃኑ ይሕብር።

ሰንበት ዕለት 14 ሰነ ሰዓት 12፡30 ህዝቢ ናብቲ ናይ ስፖርት ሜዳ ክኣትውን ልክዕ ሰዓት 14፡30 እቲ መደብ ጽምብል ከም ዝጅመርን፡ ልክዕ ሰዓት 16፡00 ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም ከም ዝኾነን ካርዲናል ብሌስ ኩፒች ናይ ርእሰ ሰበኻታት ቺካጎ ሊቀ ጳጳሳት እቲ መደብ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ፡ ኩሉ ሰብ ክሳተፍ ዓዲሞም፣ ብዛዕባ እቲ መደብ ዘድሊ ፍሉይ ሓበሬታ ካብቲ archchicago.org/ PopeLeoXIV ዝብል ኣብቲ ናይ ርእሰ ሰበኻ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቡ ከም እትኽሉ እውን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

03 Jun 2025, 16:27