ድለ

2025.06.11 Udienza Generale 2025.06.11 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣምላኽ ዘይሰምዖ ኣውያት የልቦን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርንጌል ተጠቂሱ ዝርከብ ምሕዋይ ናይቲ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘእወየ እሞ ኣዒንቱ ምስ ከፈተሉ ክስዕቦ ዝጀመረ ዕዉር ሰብኣይ ኣስተንትኑ።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ "ካልእ ኣገዳሲ መዳይ ህይወት ጐይት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ብዛዕባ ናይ ምሕዋይ ተኣምራታቱ" ብምጕላሕ ኣስተምህሮ ለገሱ።

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ በርጢማኦስ እተሰምየ ዓይነ ስዉር ዝነበረ ሰብኣይ ብተኣምራት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝሓወየ ዝገልጽ ኣብ ወንጌል ተዘንትዩ እንረኽቦ ኣስተንተኑ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ትሕቲ ጽፍሒ ዝኾነ ክባቢታት ኢያሪኮ ጕዕዞኡ እንክጅምርን ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝድይበሉ ዝነበረ እዋን ከም ምንባሩ፣ እቲ ዝተራኸቡሉ ቦታ ኣገዳሲ ከም ዝነብረ ገለጹ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ጕዕዞ ነቲ ድሕሪ ሞቱ ክገብሮ ዘለዎ ጕዕዞ ዘመልክት ኮይኑ፣ "ነቲ ናብ መዓሙቕ ዝወደቐ እሞ ንነፍሲ ወከፍና ዝውክል ኣዳም ንምምላስ" ናብ ሲኦል ዝገበሮ ጕዕዞ ዘመልክት ኢዩ ዝነበረ።

ስም እቲ ዓይነ ስዉር ባርጢማኦስ እውን ነቲ ከም ጸዋዕታኡ ክነበር ዘይከኣለ ሰብ ከም ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚርአ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ስም እዚ "ወዲ ኽብሪ ወይ ኣድንቖት " ተባሂሉ ዝትርጐም እኳ እንተ ነበረ፣ እቲ ዓይነ ስዉር ግና ኣብ ወሰን መንበገዲ ተቐሚጡ ይልምን ከም ዝነበረ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ባርቲማኦስ ዋላ እውን ብህዝቢ እንተ እተገለለ እንተ ነበረ፣ ብኸመይ ሓገዝ ደልዩ ኸም ዝጭደረ ዝፈልጥ ምንባሩ ኣጕልሑ፣ ብዘይካዚ ዓይነ ስዉር እኳ እንተ ነበረ "ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን መን ምዃኑ ስለ ዘለለዮ ካብ ካልኦት ብዝያዳ ዝርኢ ኢዩ ዝነበረ" ክብሉ መስከሩሉ።

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገለጽዎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣውያቱ ምላሽ ሂቡሉ እዩ፣ ከመይሲ "ንዛረቦ ኸም ዘለና ኸይፈለጥና እንብሎ እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ይሰምዖ ኢዪ፣ ኣምላኽ ዘይሰምዖ ወላ ሓደኳ ኣውያት የለን" ክብሉ እን ኣዘኻኸሩ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ባርጢማኦስ ከም ዘይከደ የግዳስ ናብ ባኡ ኸም ዝጸውዖ ውን ገለጹ። ባርቲማኦስ እውን ምእንቲ ክሓዊ 'ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ መንጠሊና ደርበዮ' ወይ ውን ነቲ ውሕስነቱ ዝነበረ ክጥንጥኖ ነበሮ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣሲዒቦም "መብዛሕትኡ ግዜ ዕንቅፋት ዚዀነና ብልክዕ ይኾነና ኢዩ ዝበልናዮ ውሕስነታትና እዩ " በሉ። ከምቲ እቲ ዓይነ ስዉር ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ብዅሉ እቲ ተኣፋፊ ወይ ተነቃፊ ዝኾነ ኩነትና ኽንቅላዕ ኣሎና፣ "እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ጕዕዞ ምፍዋስ መሰረታዊ ስጕምቲ ኢዩ።"

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ነታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓተታ ሕቶ ብምጥቃስ "እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?" ክብል ይሓትት፣ ባርቲሜዎስ ከኣ "ክርኢ" ክብል መለሰሉ። እቲ "ምርኣይ" ዚብል ዓንቀጽ ትርጕም ዘለዎ መልሲ እቲ ዓይነ ስዉር፣ እንደገና ኺርኢ ጥራይ ዘይኰነስ 'ክብሩ ኺመልስ' ከም ዚደሊ ዜርኢ ቃል ውን ኢዩ ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ሓድሓደ ግዜ ሰባት ህይወት ስለ ዘሕሰረቶም፣ ንኽብሮም እንደገና ክምለሰሎም ጥራይ እዮም ዚደልዩ " በሉ።

ከም ባርጢማኦስ ኵላትና ብእምነት ከም ዝደሓንና ውን ኣዘኻኸሩ ። "ሓራ ምእንቲ ኽንከውን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ፈዊሱና ኢዩ። ጐይታ ንበርጢማኦስ ኪስዕቦ እኳ እንተ ዘይጸውዖ "ነቲ መገዲ ዝኾነ ጐይታ ግን ምእንቲ ኺስዕቦ" ብናጻነት እዩ ዝመረጾ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም ንምእመናን ኣብ ቅድሚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ናይ ገዛእ ርእስና ስንክልና ናይ እነፍቅሮም ሰባት ከምኡውን ስቓይ ናይቶም "ዝጠፍኡን መዋጾ ዝሰኣኑን ሰባት" ብእምነት ክቕርቡሉ ብምዕዳም ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

"ምእንትኦም ውን ናብ ጐይታ ኣውያትና ነቕርብ፣ ኺሰምዓናን “ጐይታ ድማ ክሰምዓናን ደው ክብል ኢዩ!” ክብሉ ድማ ኣጽኒኦም ተላበዉ።

11 Jun 2025, 14:25