ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኦስትርያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ግዳያት ንዝኾኑ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኦስትርያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ግዳያት ንዝኾኑ ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኦስትርያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ግዳያት ንዝኾኑ ይጽልዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ኦስትርያ ከተማ ግራዝ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ተኹሲ ግዳያት ንዝኾኑን ዝቖሰሉን ኣባይቲ ስድራን ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለት 11 ሰነ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ዕለት 10 ሰነ ኣብ ኦስትርያ ከተማ ግራዝ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ተኹሲ ግዳያት ዝኾኑን ዝቖሰሉን ኣባይቲ ስድራን ብምዝካር፥ “ሓሳበይ ናብ ኣባይቲ ስድራን መምሃራን አቕንዕ፥ ነቶም ግዳያት ዝኾኑ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ዝቖሰሉ ቅልጡፍ ምሕዋይ ክጽግዎምን እጽልይ፣ ንኹሎም በቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ተዂሲ ዝተጎድኡን ዝተተንከፉን ፍቑራቶም ዝሰኣኑን ጸሎተይን ቅርበተይን ኣረጋግጽ” እንክብሉ ኣብቲ ናይታ ሃገር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ህዝቢ ኦስትሪያን ሓዘን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኦስትርያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ግዳያት ንዝኾኑ ይጽልዩ
11 Jun 2025, 15:44