ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርተይናታት ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተሳተፍቲ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት፣ ጳጳስ ቅዱስ ሄሮኒሞስ ሎሚ ተስፋ “ክሳብ ክንደይ ጽቡቕን ኣገዳስን ምዃኑ ከነለሊ” ክሕግዘና ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቦም፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብምቕጻል ኣብቲ ካብ ዕለት 14 – 15 ሰነ ዝካየድ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ኣብቲ ቲዮሎጊያዊ ሓይላት ተባሂሎም ካብ ዝገልጹ ሓደ ኣብ ዝኾነ መንፈሳዊ ሓይሊ ተስፋ ዘተኮረ ኮይኑ፣
'ወንጌል ካብ ደገ እዩ ዝመጽእ'።
ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ጳጳስ ቅዱስ ሄሮኒሞስ ኣቃልቦ ገይሮም፣ ንሱ ድማ ብቐጥታ ካብ ሓዋርያት እምነት ድሕሪ ምቕባሉ፣ ካብ ንእሽቶ እስያ ናብ ኤውሮጳ ዝመጸ ከም ዝነበረ ኣዘካኺሮም፣ “ኣብዚ፡ ኣብ ሮማ፡ ኣብ ኤውሮጳ ነዚ ምዝካር ክንደይ ጽቡቕ እዩ” ቢሎም፡ ወንጌል ናብዛ ኣህጉር ካብ ደገ ከም ዝመጸ - ከምኡ እውን፡ “ሎሚ’ውን እንተኾነ፡ ማሕበረሰባት ስደተይናታት ኣብተን ዝእንገዱለን ሃገራት እምነት ዳግማይ ዘተንስኡ ህላወታት ምዃኖም” የዘኻኽሩ።
ኰይኑ ግና፡ “ሄሮኒሞስ ካብዚ ዚዓቢ ሃብቲ ይህበና . . . ኣብ ኢየሱስ ብዝያዳ ብምትኳር፡ ምፍልላይ ብኸመይ ከም እንሰግሮ ብኣብነት ኣርእዩ እዩ። “ኢየሱስ ዝፈላልየና መንደቕ ዘይኰነስ፡ ዝጥርንፈና ማዕጾ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ “ሎሚ እውን እንተኾነ ሓሳባት ከዕብዱናን ቃላት እውን ክቐትሉና ይኽእሉ እዮም” ብምባል ኣጠንቂቖም፣ “ምእመናን ስጋ ኢየሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓውን ሓፍትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ክቕበሉን ክሓስቡን ይግባእ፣ ከምኡ’ውን “ቃንዛ ካልኦት ነፍሲ ወከፍና ጸዋዕታና እንሰምዓሉ እዩ” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።”
ቅዱስ ሄሮኒሞስ መምህር ሓድነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም ንቅዱስ ሄሮኒሞስ ናይ ሓድነት መምህር እንክብሉ ገሊጾም፣ ከመይ ጌርና ከም እንቃወም ዘይኮነስ ከመይ ጌርና ከም እንራኸብ፣ ናብቲ “ተጻረርቲ ኣብ ሓደ ዘራኽብን ሕብረት ዝገብርን” ኢየሱስ ብምጥማት ይምህረና” ምስ በሉ፣ ኣብ መደምደምታ "ንሕና ነጋድያን ተስፋ ኢና፣ ከመይሲ ኣብ መንጎ ሰባትን ህዝብታትን ፍጥረታትን ሓደ ሰብ ናብ ሕብረት ኪኸይድ ኪውስን ኣለዎ" ቢሎም፣ ምእመናን “ሎሚ ኣብቲ ፈላላይ መናድቕ ኣብ ዝረኣየሉ መራኸቢ ድልድላት” ክሓንጹ ተላብዮም፡ “ማዕጾ ንኸፍት፡ ዓለማት ነራኽብ፡ ተስፋ መታን ክህሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣብ ስፖርት ዝግለጽ 'ሓቀይና ሰብኣውን ክርስትያናውን ክብርታት'
ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ እዚ ብሓባር ዝጸንሕሉ ግዜ “ኣብ መንጎ ኣትሌታዊ ንጥፈታትን መንፈሳዊ ሓይሊ ተስፋን ዘሎ ርክብ” ንምስትንታን “ክቡር ዕድል” ከም ዝህብ ገሊጾም።
ኢዮቤል መዓልቲ ስፖርት፣ ስፖርተይናታት፡ ኣሰልጠንቲ፡ ኣካየድቲ ስፖርት፡ ኣባላት ማሕበራት ስፖርትን ካልኦትን ከምኡ’ውን ኣባይቲ ስድራ ስፖርተይናታትን ኣብ መንጎ “ተስፋን ስፖርትን” ዘሎ ምትእስሳር ንምስትንታን ዝድርኽ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ዕለት 14 ሰነ ድሕሪ ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ምሉእ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ መደባት ቀጺሉ ከም ዝወዓለን ዕለት 15 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነጋድያን መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ኣሳቲፉ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ከም ዝኸውን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኪኖ’ቲ ንዝመሓየሸ ኣፈጻጽማን ናይ ሓባር ስራሕን ብቐጻሊ ዝግበር ጻዕሪ፡ ነቶም ነጋድያን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ዓሚቝ ተስፋታትና ናይ ስፖርት ዓለም ብሓቂ ክርስትያናዊ ክብርታት፡ ኣብ ምህናጽ ዝሓሸት ዓለም ክንጥቀመሉን እነራኽበሉን መድረኽ ንኽንገብሮ ብድሆ ይዀነና - ቢሎም - ንነጋድያን ከምኡ’ውን ተሳተፍቲ ኣህጉራዊ ሰልፊ ሞቶ፡ “ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓበየ ምትሕግጋዝን ተቐባልነትን ሕውነትን ዘለዎ ባህሊ ንምምጻእ ዝሰርሑ ‘ልኡካን ተስፋ’ ክኾኑ” ከም ዝዓደሙ ኣፍሊጡ።
