ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሃገረ ሊባኖስ ርእሰ ብሔር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ዓርቢ ዕለት 13 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃገረ ሊባኖስ ርእሰ ብሔር ጆሴፍ ዓኡን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ዓኡን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ምኽልት ዋና ጸሓፊ የኔታ ሚሮስላዊ ዋቾቭስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ “ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ፣ ነቲ ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድናታት መወከሲ ዝገበረ ኮይኑ፣ ብፍላይ ድማ ንባህላውን ቀጻልን ተራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሕብረተሰብ ሊባኖስ ኣድናቖት ብምሃብ ከም እተሰመረሉ የመላኽት።
ኣድላይነት ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ
ሊባኖስ ብመስርሕ ምርግጋእን ጽገናን፡ ሓድሽ ወቕቲ ፖለቲካዊ ስኒትን ቁጠባዊ ምሕዋይን ከተስተማቕርን፡ ኣብ መንጎ እምነታት ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራን መለለዪኣ ዝኾነ ምግባርን ምድንፋዕ ልምዓትን ከተደልድል ዘኽእላ ተስፋ ከም እተሰመረሉን ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ንብምሉኡ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ሰላማዊ ንምግባር ኣድላይነትን ህጹጽነትን ሰላም ብኣጽንዖት ከም ዘስተብሃለ ኣፍልጡ።
