ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ንክርስትያን ዝጥርንፍ ካብቲ ዝፈላልዮም ኣዝዩ ይዓብይ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ጉባኤ ኒቅያ ናይ ሕሉፍ ፍጻመ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ምሉእ ዝርአ ሓድነት ኩሎም ክርስትያን ክመርሓና ዘለዎ ቡሶላ እዩ" ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 7 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲናስ ካብ ዕለት 4 - 7 ሰነ ዝተኻየደ “ኒቅያን ሳልሳይ ሺሓዊት ቤተ ክስቲያንን፡ ናብ ካቶሊካዊ - ኦርቶዶክሳዊ ሓድነት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣ ኣብ 2025 ዓ.ም. ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 325 ዓ.ም ብሃጸይ ቆስጠንጢኖስ ቀዳማዊ ኣብ ከተማ ኒቅያ ዝተጸውዐ ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ተብዕል ኣላ። ጉባኤ ኒቅያ ንነገረ መለኮታዊ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕን ሓደ ውሁድ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ንምምስራትን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ድማ መለኮታውነት ክርስቶስ ምርግጋጽን እምነት ኒቅያን ምሕንጻጽን ዘጠቓለለ እዩ።
ሓድነት ከም ፍቓድ ክርስቶስ
ቅዱስነቶም ነቶም ተጋባእያን ድሕሪ ዘቕረብዎ ምዉቕ ኣቀባብላ፣ ነቲ ብኣንጀሊኩም መንበረ ጥበብ ዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ ናብ መጻኢ ዝጥምት ምዃኑ ኣድኒቖም፡ ቀዳማይ ኵላዊ ጉባኤ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጀሚሮም ብሓባር ዝገበርዎ ናይ ሓባር ጉዕዞ "መሰረት እዩ" ክብሉ ገሊጾም። . . . ጉባኤ ኒቅያ “ሓደ ኣብ መንጎ ካልኦት ጉባኤታት ጥራይ ወይ ብተኸታታሊ ቀዳማይ ዘይኮነስ፡ ላዕለዋይን ብሉጽን ጉባኤ...” እዩ እንክብሉ ኣፍልጦ ሂቦም፣ ኣብ ዋዜማ በዓለም ጴንጠቆስጠ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ክርስትያን ዝናፍቕዎ ሓድነት ብቐንዱ ፍረ ናይ ገዛእ ርእስና ጻዕሪ ከምዘይከውን፡ ብዝኾነ ኣቐዲሙ ዝተሓሰበ ቅዲ ወይ ውጥን እውን ከምዘይጭበጥ" ኣጽኒዖም ብምዝኽካር። እንታይ ደኣ ክርስትያናዊ ሓድነት "ክርስቶስ ከም ድላዩን ብዝደለዮ መንገድን፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናዮ ህያብ" ክኸውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
'እቲ `ዘመሳስለና ኣዝዩ ዝሓየለ'ዩ
እቶም ሰለስተ ቀድኒ ኣርእስታት ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ማለት እምነት ኒቅያ፡ ሲኖዳውነት፡ ዕለተ ፋሲካን ዝብል ብፍላይ ንናይ ክርስቲያን ኤቁመናዊ ጉዕዞ ኣገደስቲ ምዃኖም ኣስሚሮም፣ እዚ ዝኽሪ እዚ "እቲ ዘመሳስሎና፡ ካብቲ ዝፈላልየና ብብዝሕን ብዓይነታውን ኣዝዩ ድልዱል ምዃኑ ንምጉላሕ ብዋጋ ዘይሽነን ዕድል" ከም ዝውክል ደጊሞም ምስ ኣረጋገጹ፣ . . . ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ኒቅያን"ብሓባር ኣብ ስላሴ ኣምላኽ፡ ክርስቶስ ከም ናይ ሓቂ ሰብን ሓቀይናን ኣምላኽ፡ ከምኡ'ውን ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሓን፡ ብመሰረት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ዝንበብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ" ከምኡ'ውን "ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ጥምቀት፡ ትንሳኤ ምዉታትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ንኣምን" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "ናብ ጉባኤ ኒቅያ ተመሊስና ኣብዚ ናይ ሓባር ምንጪ ጸኒዕና ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ዝፈላልዩና ነጥብታት ብዝተፈለየ መንገዲ ክንርእዮም ከም እንኽእል" ከምኡ'ውን "ብቲዮሎጊዊ ዘተን ብሓገዝ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ዝጥርንፈና ምስጢር ዝሓሸ ርድኢት ከም እንረክብ ርግጸይና እየ . . . ነዚ ናይ ኒቅያ እምነት ብሓባር ብምጽንባልን ብሓባር ብምእዋጅን ክርስትያን ብሓባር ናብ "ምምላስ ምሉእ ሓድነት" ክስጉሙ ምዃኖም ከም ገሊጹ ኣፍሊጡ።
ጸሎተ ሃይማኖት ብሓባር ክንናዘዝ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሲኖዳውነት ዝብል ካልኣይ ኣርስቲ ኣቕኒዖም፣ ጉባኤ ኒቅያ "ቤተክርስትያን ብደረጃ ኩላውነትን ቶዮሎጊያን ቀኖናውን ሕቶታት ኣብ ምግጣም ክትኽተሎ እትኽእል ሲኖዳዊ መንገዲ ዘአንፈተ ምዃኑ" ተዓዚቦም፣ እዚ "ምድላውን ሓባራዊ ዝኽርን መበል 1700 ዓመት ጉባኤ ኒቅያ፡ ኣብ ክርስቶስ ዘለና እምነት ንምዕማቕን ብሓባር ጸሎተ ሃይማኖት ንምንዛዝን ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ትውፊታት ዘለዎም ክርስትያን መልክዓት፣ ሲኖዳውነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ ጽግው ኣጋጣሚ ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ዕለተ ፋሲካ ዝብል ሳልሳይ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣርእስቲ መሰረት ገይሮም፣ ሓደ ካብ ዕላማ ጉባኤ ኒቅያ ናይ ፋሲካ ሓባራዊ ዕለት ምምስራት ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። "እቲ ዘሕዝን ግን ድሕሪ ደጊም ኣብ ኣቆጻጽራኦም ዘሎ ፍልልይ ክርስትያም ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ሊጡርጊያ ዓመት በዓል ብሓባር ከብዕሉ ስለ ዘየኽእሎም፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰባት ናይ ጉስነት ጸገማት የስዕብ፡ ኣባይቲ ስድራ ይመቓቐልን ተኣማንነት ናይቲ ንወንጌል ምስክርነትና የዳኽሞን" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ንመትከል ኒቅያ ብምኽባር ክርስቲያን "በዓለ ኵለን በዓላት" ዝኾነ ብሓባር ከብዕሉ ዘኽእሎም ሓያሎ ጭቡጥ መፍትሒታት ከም ዝቐረቡ ሓቢሮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ። ሎሚ ዓመት ኩሎም ክርስትያን ፋሲካ ኣብ ሓደ መዓልቲ ከብዕሉ ብምኽኣሎም ዝተሰምዖም ሓጎስ ብምግላጽ፣ "ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንሓባራዊ ጽምብል ትንሳኤ ጐይታ ዝድግፍ ኩለንተናዊ ፍታሕ ንምድላይ ክፉቲ ምዃና ደጊመ ኣረጋግጽ፣ በዚ ድማ በዚ ኸምዚ ንስም ኦየሱስ ንምስባኽን ነቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ምድሓን ካብ እምነት እተወልደ ድሕነት ንምእዋጅ ዝያዳ ተልእኾ ወንጌል ሓይሊ ይህበና” ምስ በሉ ኩሎም ምስኦም ሓቢሮም ነቲ ካብ ምብራቓዊ ትውፊት ዝተወስደ ጸሎት ምእምንቲ መንፈስ ውህበት ሓድነት ብሓባር ክጽልዩ ዓዲሞም፣
“ኦ ሰማያዊ ንጉስ፡ መጸናንዒ፡ መንፈስ ሓቂ
ኣብ ኩሉ ቦታ ዘለኻን ንኹሉ እትመልእን፡ መዝገብ በረኸትን ወሃቢ ሕይወትን፡ ንዓ ኣባና ሕደር፡ ካብ ኩሉ ኣበሳ ድማ ኣንጽሓና፡ ንነፍስና ድማ ኣድሕን፡ ኦ ሕያዋይ!
ድሕሪ እዚ ናይ ሓባር ጸሎት እቲ ዝተኻየደ ርክብ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
