ር. ሊ. ጳ.፦ ካብቲ ክርስትያናት ዝኻፋፍሎም ነገራት እቲ ሓደ ዝገብሮም ኣጸቢቑ ይዓቢ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
“ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ናይ ዝሓለፈ ፍጻመ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ምሉእ ሓድነት ኵሎም ክርስትያን ብቐጻሊ ዝመርሕ ዘሎ ብሶላ ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብቲ ካብ ዕለት 4-7 ሰነ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲኖ እተኻየደ "ጉባኤ ኒቂያን እታ ናይ ሳልሳይ ሽሕ ዘመን ቤተ-ክርስትያን - ናብ ሓድነት ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን" ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ እተሳተፉ ኣባላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለገሱሎም።
ብ2025 ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ብ325 ድ. ክ. ብሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ቀዳማይ ተጸዊዑ ኣብ ከተማ ኒቅያ ዝተጋብአ ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ መበል 1,700 ዓመት ትዝክር ኣላ።
እቲ ናይ ሥነ-መለኮታዊ መጐተ ንምፍታሕን ሓድነት ዘለዎ ክርስትያናዊ ሰረተ-እምነት ንምቛምን ዝዓለመ ናይ ኢቁመናዊ ጉባኤ፣ ውጽኢቱ ኸኣ ንመለኮትነት ክርስቶስ ምርግጋጽን ነቲ ኒቅያ ጽሎተ ሃይማኖት ንምድላውን ዘጠቓለለ ጉባኤ ኢዩ ዝነበረ።
እቲ ክርስቶስ ዝበሃጐ ሓድነት
ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 7 ሰነ ንግሆ ኣብ እተራኸበሉ እዋን፣ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ተጋባእቲ ሓንጐፋይ ኢሎም ብምቕባል ብዛዕባ እቲ ኣብ መንበረ ጥበብ ኣንጀሊኩም ዝካየድዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ድማ ብዛዕባ ንመጻኢ ዘለዎ ሞሳ ገለጸሎም።
ነቲ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክስን ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣትሒዞም ብሓባር ዝጀመርዎ ሓባራዊ ጕዕዞ ዘቐጽል ናይ መጀመርታ ኢቁማእናዊ ጉባኤ ኒቅያ "መሰረታዊ" ኢዩ ክብሉ ጸውዕዎ።
እዚ ኣብ ሊጡርጊያዊ ዓውደ-ኣዋርሕ ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ከም ናይ ኒቅያ ክብረ በዓል ዝዝከር ጉባኤ "ሓደ ካብ ካልኦት ጉባኤታት ጥራይ ዘይኰነስ ወይ ውን እቲ ቀዳማይ ኣብ ተርታ ጉባኤታት ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ልዕሊ ኹሉ ብሉጽ ዝኾነ ጉባኤ ኢዩ..." ብምባል ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ኣብ ድሮ ጴንጠቆስጠ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "እቲ ክርስትያን ምእመናን ንነዊሕ እዋን ዝገበርዎ ሓድነት ብቐዳምነት ፍረ ጻዕርና ኸም ዘይኰነን፣ በቲ ኣቐዲምና ዝሓሰብናዮ ቕጺ ወይ ንድፊ እውን ከም ዘይፍጸም" ኣትሪሮም ገለጹ። ኣብ ክንድኡስ ክርስትያናዊ ሓድነት "ከምፍቓድ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ከምቲ ንሱ ዝበሃጐን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ዘወፍዮ ውህበት" ከም ዝኸውን ገለጹ።
'እቲ ዜመሳስለና ነገር ኣዝዩ ዝሓየለ እዩ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ ሰለስተ ኣርእስትታት እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝነበረ፣ ማለት እምነት ኒቅያ፡ ሲኖዳውነት ከምኡውን ዕለት በዓል ትንሳኤ ዝብሉ ኣርእስትታት ብፍላይ ንጕዕዞ ክርስትና ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ።
ኣብ እምነት ኒቅያ እዚ ዝኽሪ እዚ "እቲ ዘሎና ሓባራዊ ኩነት ካብቲ ዝኸፋፍለና ኣጸቢቑ ዝሓየለ ከም ምዃኑ ንምጕላሕ ብዋጋ ዘይሽነን ኣጋጣሚ" ምዃኑ እንደገና ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "ብሓባር ስሉስ ኣምላኽ ነምልኽ፡ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ከም ዝዀነ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ከም ዝምስክሩ ንኣምን፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ድማ ከም ዝደሓና ንኣምን ኢና" ኸምኡውን "ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሓንቲ ጥምቀት፣ ብትንሳኤ ምዉታት ከምኡውን ብዝመጽእ ናይ ዘልኣለም ህይወት ንኣምን ኢና" በሉ።
"ናብ ጉበኢአ ኒቅያ ብምምላስን ካብዚ ሓባራዊ ምንጪ እዚ ብምቕዳሕን፣ ነቲ ገና ዝፈላልየና ዘሎ ነጥብታት ብኻልእ መገዲ ክንርእዮ ከም እንኽእል ይኣምን ኢየ" ከምኡውን "ብሃይማኖታዊ ዘተ ብሓገዝ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ሓድነት ከም ዝህልወና ዝገብር ምስጢር ዝሓሸ ምርዳእ ክንረክብ ንኽእል ኢና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም እውን ክርስትያን ምእመናን ነዛ እምነት እዚኣ ብሓባር ብምኽባር ብሓባር ብምእዋጅን ብሓባር ናብ "ምምላስ ምሉእ ሕብረት" ከም ዝግስግሱ ገለጹ።
ንእምነትና ብሓባር ምምስካር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ኻልኣይ ፍረ ኣርእስቲ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ምልስ ብምባል ንጉባኤ ኒቅያ "ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣድማሳዊ ደረጃ ንዚለዓል ሥነ-መለኮታውን ቀኖናውን ሕቶታት እትከታተለሉ ሲኖዶሳዊ መገዲ ኣቘመ" ክብሉ ገለጽዎ።
"ንዝኽሪ 1,700 ዓመት ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ምድላውን ብሓባር ንምብዓልን፣ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ንምዕማቝን ንምምስካርን ከምኡውን ኣብ መንጎ እቶም ካብ ኵሉ ትውፊታት እተኣኻኸቡ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣጋጣሚ ክኸፍተልና ተስፋ ንገብር" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም በዓል ትንሳኤ ሳልሳይ ኣርእስቲ ናይቲ ዓውደ - መጽናዕቲ ከም ምዃኑ ብምዝካር፣ ሓደ ኻብቲ ዕላማታት ጉባኤ ኒቅያ ሓባራዊ ዕለት በዓል ትንሳኤ ምቛም ከም ምዃኑ ውን ኣዘኻኸሩ።
"እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ዘሎ ፍልልያት ንክርስትያን ምእመናን ነቲ ኣብ ሊጡርጊያዊ ዓመት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ክብረ በዓል ብሓንሳእ ንኸብዕሉ ዘምኽኣሎም ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጐ ምእመናን ናይ ጕስነት ጸገማት የምጽእ ስድራቤታት ይኸፋፍል ከምኡውን ተኣማንነት ናይቲ እንምክሮ ወንጌል የዳኽም ኢዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተፈላለየ ጭቡጥ መፍትሒታት ከም ዝቐረቡ ውን ሓበሩ፣ እዚ ድማ ንመሰረታዊ ስርዓታት ኒቅያ ኣብ እነኽብረሉ እዋን፣ ክርስትያን ምእመናን ብሓባር "ንበዓለ ፋሲካ" ንኸብዕሉ ዘኽእሎም ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ኣብዚ ዓመት እዚ ዅሎም ክርስትያን ምእመናን ንበዓለ ትንሳኤ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ከብዕሉ ብምኽኣሎም ዘለዎም ዕግበት ክገልጹ ኸለዉ ከምዚ ብምባል ኣጕልሑ - "ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሓባራዊ ዕለት በዓል ትንሳኤ ጐይታ ንምህላው ከምኡውን ስም ኢየሱስ ንምስባኽን ኣብ ምድሓን ወንጌል ካብ እምነት እተወልደ ድሕነት ንምርካብን ዝያዳ ሚስዮናዊ ሓይሊ ኽትህበና ፍቓደኛ ምዃና እንደገና ከረጋግጽ ምደለኹ" ክብሉ ውን ዝለዎም ቅሩብነት ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ቅድሚ ምክፋሎ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ተጋባእቲ ካብ ክርስቲያናዊ ትውፊት ብእተወስደ ጸሎት ውህበት መንፈስ ቅዱስ ንኽወርዶም ብሓባር ክጽልዩ ዓደምዎም።
"ዎ ሰማያዊ ንጉስ፡ መጸናንዒ ፡መንፈስ ሓቂ
ኣብ ኵሉ ዝምላእን ንዅሉ ዝመልእን፣
መዝገብ በረኸትን ወሃቢ ህይወትን፣
ንዓ ናባና ውረድ ኣባና ውን ሕደርም ካብ ኵሉ ርኽሰት ከኣ ኣንጽሃና፣
ንነፍስናውን ኣድሕን፣ ኦ ሰናይ ዝኾንካ ኣምላኽ ።”
