ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሲኖዳውነት ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ከተዕቢ ዝሕግዝ ኣተሓሳስባ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 26 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ስሩዕ ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ተራኺቦም፣ ቅድሚ ካብ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ዝመጽእ ኣስተንትኖታት ምስማዖም ኣቐዲሞም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣስተንፍሶ ተተባቢዖም ንሲኖዶስ ጳጳሳት ሓድሽ ድርኺት ከምዝሃቡ ኣዘኻኺሮም፣ “እቲ ዝገደፉልና ሕድሪ፡ ብናተይ ኣረኣእያ ክንየው እቲ ዝደረኾም ኣስተንፍሶ እውን እዩ፣ ሲኖዳውነት ሓቀይና ተመክሮታት ተሳትፎን ሓድነትን ብምስፋሕ ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ዝሕግዘና ቅዲ፡ ኣተሓሳስባ ምዃኑ” ኣብሪሆም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነዚ ናይ ሲኖዳውነት ራእይ ኣብ ዝተፈላለየ ጉባኤታት ንቕድሚት ከም ዘሰጎምዎ ኣዘኻኺሮም፣ ብፍላይ ድማ “ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ስድራ ቤት ዘለዉ ኣባላት . . . ብትኽክል ንሲኖዳውነት ዝተወፈየ መንገዲ ምሉእ መግለጺ ሂቦምና እዮም . . . “ሲኖዶስ ጳጳሳት ትካላዊ መንነቱ ክዕቅብ ባህርያዊ እዩ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ በዚ ወቕቲ ብዝበሰለ ፍረታት ይህብትም - ቢሎም - “ነዞም ፍረታት ኣኪቡ ኣብ ንቕድሚት ዝጥምት ኣስተንትኖ ንኸዋፍሮ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል” ምዃኑ ኣዘካኺሮም ዝለገስዎ ሓጺር ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
