ድለ

2025.06.12 Clero della Diocesi di Roma 2025.06.12 Clero della Diocesi di Roma  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንኻህናት ሰበኻ ሮሜ፦ 'ኵላትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ኢኹም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመላእ ቤተ ክህነት ሰበኻ ሮማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ስለቲ እሙን ኣገልግሎቶምን ምስጋናኦም ገለጹሎም፣ ንቤተ-ክርስትያን ከፍቅሩን ኣብነታውያን ክዀኑን ተማሕጸንዎም "ኵላትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን መደባቱን ኣብ ምፍጻም ክቡራት ኢኹም" ክብሉ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ዕለት 12 ሰነ ንግሆ ንመላእ ቤተክህነት ሰበኻ ሮሜ ምስ ዲያቆናትን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዚ ክብሉ ኣመስገንዎም፦  

"ስለቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምግልጋል ዘወፈኹምዎ ህይወት፣ ስለቲ መዓልታዊ እትገብርዎ ጻዕሪ፣ ስለቲ ኣብ ኣገልግሎትኩም ዘርኣኹምዎ ብዙሕ ልግሲ፣ ሓድሓደ ግዜ መከራ ወይ ዘይምርድዳእ እኳ እና ኣጋጠመኩም ስለቲ ስቕ ኢልኩም እትነብርዎ ዘሎኹም ኩነት አመስግነኩም።"

'ኣብ የዕንቲ ኣምላኽ ንኹም ክቡራት ኢኹም'

ቅዱስ ኣቦና ንዅላቶም ልባዊ ሰላም ብፍቕርን ምሕዝነትን ከቕርቡሎም ከም ዝደልዩ ኣመልከቱሎም፣ ኣጸቢቖም ምእንቲ ኺፈልጥዎም ብሓባር ምእንቲ ኺመላለሱን ድማ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ መዲቦም ክረኽብዎም ከም ዝደለዩ ገለጹሎም።

እተፈላለየ ኣገልግሎታት ይፍጥሙ ከም ዘለዉ ኣፍልጦ  ብምሃብ "ኵላትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ምፍጻም መደባቱን ክቡራት መሳርሕቱ ኢኹም" ብምባል ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ሮማ   (@Vatican Media)

ንመንፈሳዊ ህይወትና ኽንሕልዎ ኣሎና

ብዙሓት ካህናት ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ስለ ዝመጹ፣ ቅዱስ ኣቦና እዚ ሰበኻቶም “ብሓቂ ፍሉይ” ከም ምዃኑ ዘከሩ፣ በዚ ምኽንያት ኣድማሳውያነት እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሰለስተ ነጥብታት ክዛረብዎም ከም ዝደልዩ ኣመልከቱሎም። እቲ ቐዳማይ እዚ ሰበኻ እዚ ኣብ ልቦም ፍሉይ ቦታ ከም ዘለዎምን እዚ ድማ ሓድነትን ምትሕብባርን ከም ዝዀነ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "ጉይታ ካህናቱ ምስኡ ጥራይ ሓድነት እንተድኣ ሃልይዎም፣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ " ከምኡውን "ሓቢሮም ፍረ ኽፈርዩን ንዓለም እሙን ዝኾነ ምስክርነት ከወፍዩን ከም ዝኽእሉ" ተላበውዎም። ካህን ናይ ሕብረትን ሓድነትን ሰብ ተባሂሉ ኸም ዝጽዋዕ ድማ ኣትሪሮም ተዛረቡ፣ እንተዀነ ግን "እዚ ሕብረት እዚ ሎሚ በቲ ርእስኻ ምግላል ወይ ርእሰ-ተኣማንነትን ዘተባብዕ ባህላዊ ሃዋህው ከም ዝዕንቀፍ ንፈልጥ ኢና" ክብሉ ጓሂኡ ገለጹ።

ዋላ ሓደ ኻባና ኻብዚ ነቲ ድልዱል መንፈሳዊ ህይወትና ኣብ ሓደጋ ዜእቱ መፈንጠራታት ናጻ ክኸውን ከም ዘይክእል እውን ኣመልከቱ ።

ነዚ ሓባት እዚ ብምምልካት ድማ "ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣገልግሎቱ ህድኣት ምእንቲ ኺረክብ፣ ኣነ ውን ምሳኻትኩም ኮይነ ክጉዓዝ ምደለኹ፣ ነዚ ንምግባር ግን ኣብቲ ድልዱል መንፈሳዊ ህይወት እተመስረተ ምስ ጐይታ ኣብ ምርኻብን ቃሉ ኣብ ምስማዕን እተመስረተ፣ ክህነታዊ ሕውነት ሓድሽ ጻዕሪ ኽትገብሩ እምሕጸነኩም ኣሎኹ" ክብሉ ውን ተላበውዎም።

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰበኻ እዚ ኪዳናዊ ክትርጐም ከም ዘለዎ ውን ኣመልከቱ፣ ብሓባር ምጕዓዝ "ንወንጌል እሙን ንምዃን ወትሩ ውሕስነት ኢዩ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ሮማ   (@Vatican Media)

ኣብነታውን ዜተኣማምንን ኪኸውን ኣለዎ

ብድሕርዚ ናብታ 'ኣብነታዊ ምዃን' ዘርእስታ ኻልአይቲ ነጥቢ ኣተኲሮም ተዛረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቃለ ምዕዳኖም ብምቕጻል፣ ብዕለት 31 ግንቦት ሓደስቲ ካህናት ሰበካ ሮማ ኣብ ዝሸሙሉ ኣጋጣሚ፣ ኣብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሽማግለታት ኤፌሶን "ከመይ ከም ዝነበርኩ ትፈልጡ ኢኹም" ክብል ዝጸሓፈሎም ቃላት ተመርኲሶም፣ ብሩህ ህይወት ምንባር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘዝተንተኑ ውን ዘከሩ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ወሲኾም "ብኣባታውን ናይ ጓሳን ልቢ እልምነኩም ኣለኹ፣ ኵላትና እሙናትን ኣብነታውያንን ካህናት ንኹን" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ደረት ተፈጥሮና ንፈልጥ ኢና" ከምኡ ውን "ጐይታ ኣጸቢቑ ይፈልጠና ኢዩ" በሉ፣ ኣገልገልትን ልኡኻትን ዝዀንናሉ ፍሉይ ጸጋ ተዋሂቡና ኣሎ። ጊልያ ኸኣ ወትሩ እሙን ኪኸውን ኣለዎ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ሮማ   (@Vatican Media)

ብጽውዓ ጐይታ ኸም ብሓድሽ ንቕረብ

"በቲ ሓያል ምርጫታትን ትብዓት ዝመልኦ ሕድገትን ከም እትገብሩ ዝሓገዘኩም ፍቕሪ ጐይታ፣ እቲ በታ ቐዳመይቲ ሰዓት ዝተሰምዓኩም ጸዋዕታን ክትነብሩን እንደገና ብጽውዓ ጐይታ ቅረቡ" ክብሉ ውን ኣተባብዕዎም።

"ብሓባርና ኣብ ትሕትና ኣብነታውያን ንምዃን እንተ ጽዒርና ነቲ ወንጌል ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ንምሕዳስ ዘለዎ ሓይሊ ኽንገልጽ ንኽእል ኢና" በሉ።

ካብ ብድሆታት ኣይንሃድም

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዘካፈልዎ ሓሳብት እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት "ብትንቢታዊ መፍትሕ" ምምርማር ዝብል ኢዩ ዝነበረ።

"በቲ ኣብ ዓለም መዓልታዊ ዜጋጥም ነገራት ንጭነቕን ንሳቐን ኢና - እቲ ሞት ዜስዕብ ዓመጻ፣ ዘይማዕርነት፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ ድኽነት፣ ማሕበራዊ ምግላል፣ እቲ ሕጂ ንዋላ ሓደ ሰብ ዘይንሕፍ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስቓይ፣ ማለት "ኣብ ካልእ ቦታ ጥራይ ዘይኰነስ ንኸተማ ሮሜ እውን ዝምልከት እዩ" በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ወሲኾም ጐይታ ኣብዚ እዋን እዚ፣ አብዚብድሆታት ዝመልኦ ክንህሉ ከም ዝደልየና ከምኡውን ዋላ እውን "ሓድሓደ ግዜ ካብ ብርታዐ ሓደ ሰብ ዝዓብየ እኳ እንተ መሰለ" ካህናት ግን "ክቕበልዎምን ብወንጌላዊ መንገዲ ክትርጕምዎን ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ዝፈጥረሎምን ጻውዒት ከም ዘቕርበሎምን" ነገርዎም። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስኢቦም "ካብ ብድሆታት ኣይንህደም!" ክብሉ ተላበዉ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ካህናት ጉስነታዊ ተጸምዶ ልክዕ ከም ናይ መጽናዕቲ ንዅሎም ሰባት "ኣብዚ እተሓላለኸን ዘነቓቕሕን ታሪኽ ከመይ ገይሮም ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝሃንጹ ዝማሃሩሉ ቤት ትምህርቲ" ክኸውን ከም ዘለዎ ውን ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቤተክህነት ሰበኻ ሮማ   (@Vatican Media)

'ምሳኻትኩም ክጕዓዝ ፍቓደኛ እየ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ ኣብነት ናይቶም ንታሪኽ ዘለዎም ስምዒት ምስ ኣዋጅ ወንጌል ብኸመይ ከም ዘስምሩ ዝፈልጡ "ቅዱሳን ካህናት" ርኢና ኢና፣ ከምዚ ድማ በሉ - "ካብዚ ኣብነታት እዚ ኣብ ከተማና፣ ዘርኢ ቅድስና ምዝራእና ንኽንቅጽል ብብርታዐ ንቀበሎ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ኣዝዮም ፍቑራት ደቀይ ምሳኻትኩም ክጕዓዝ ፍቓደይና ምዃነይ ከረጋግጸልኩም እደሊ" ክብሉ ውን አመልከቱሎም።

በዚ ሓሳባት እዚ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ካህናት ምስዚ ዝስዕብ ጻውዒት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብጸሎት ከም ዘሰንይዎም ብምግላጽ ደምደሙ፣  ከምዚ ድማ በሉ - "ነዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ኣፍቅራ ኣብዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ውን ንበር። ነቲ ንዋላ ሓደ ዘየታልልን ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይደልን ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ መልክዐኛ መርዓዊ ውን ኣፍቅሮ። ምእንቲ እተን ዝተበተና ኣባጊዕ እውን ጸልዩ፣ ንሳቶም እውን ምእንቲ ክምለሱን፣ ምስኣቶም ውን ምእንቲ ኺፈለቱ፣ ሓደ መጓሰን ሓደ ጓሳን ምእንቲ ክኾኑን ክፋቐሩን ጸልዩ"።

13 Jun 2025, 15:01