ድለ

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ፦ “ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብነት ሓድነትን ስኒትን ኢዮም!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ኣብ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ብዛዕባ እዞም ክልተ ሓዋርያት ከስተንትኑ ዓደምዎም። ኣብ ህያቦቶምን ኣቀራርባኦምን እተፈላለዩ እኳ እንተ ነበሩ "በበይኑ ዝዓይነቱ ፍረ ስኒት" እዮም ዘፍረዩ ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸምበልዎ ክብረ በዓል ናይቶም ጠበቓታት ሰበኻ ሮማ ዝኾኑ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም። ኣብቲ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ን54 ሓደስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ሜጥሮፖሊሳውያን ሞጣሕት ባሪኾም ኣወፈዩሎም።

ፓሊዩም (ሞጣህት ሊቃነ ጳጳሳት) ብቋንቋ ላቲን ናይ ሊቃነ ጳጳስት ላንቃ ወይን መንጠሊና ኢዩ ዘመልክት። እዚ ልብሲ እዚ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ስምረት ከም ዘለዎምን ነተን ዝተዋህብወን መጓሰ ኣብ መንኵቦም ተሰኪሞም ዝሓልዩለን ከም ሕያዋይ ጓሳ ብምምሳል ህይወቶም ምእንቲ መጓሰ ኼሕልፉ ኸም እተላእኩን፣ ንምስክርነት ኣብ መንኵቦም ክለብስዎ ዝወሃቦም ሞጣህት ወይ መንጠለና እዩ። እዚ ሞጣህት እዚ ነቲ እታ ናይ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ምስ  ናይ ሮሜ ቤተክርስቲያን ብምትሕብባር ኣብቲ ከባቢአ ብሕጊ ዘለዋ ሥልጣን እውን ዘመልክት ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም "ኣዕኑድ ቤተ-ክርስትያን" ዝዀኑ ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝተሰምዩ ኽልተ ሓዋርያት ብእምነት ዝኽሮም ነኽብር ከም ዘሎና ውን ገለጹ።

"ጴጥሮስን ጳውሎስን ምእንቲ ወንጌል ክብሉ ህይወቶም ኣሕሊፎም ንምሃብ ድሉዋት ነበሩ።"

ሕውነት ኣብ መንፈሳውነት

እዚ ብሰማእትነት እተሓትመ ሓድነት ብእምነትን ብእተፈላለየ ተመክሮታትን ኣቢሉ እዩ ዝብጻሕ። እቲ ኣብ መንፈስ ዝነበሮም ሕውነት ነቲ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታኦም ኣይደምሰሶን" ውን በሉ።
ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ገሊላ ዚነብር ትሑት ገፋፍ ዓሳ፣ ነቲ ጐይታ ዘቕረበሉ ጻውዒት ብዘይዝኾነ ገደብ ምላሽ ሃበሉ፣ ብቐዳምነት ድማ ንኣይሁድ ኪሰብኽ መምርሒ ተዋህቦ። ብኣንጻሩ ግን ቅዱስ ጳውሎስ ኣባል "ወገን ፈሪሳውያን" እዩ ዝነበረ፣ 'ምስቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ዝገብሮ ርክብ ህይወት ዚቕይር ክንዲ ዝነበረ' ናብ ስብከተ ወንጌል ቅድሚ ምውፋሩ ኸኣ ንክርስትያናት ከሳጉግ ዝተረኽበ እዩ ዝነበረ፣ ጐይታ ድማ ንኣህዛብ ብስራት ወንጌል ኬብጽሓሎም ጻውዒት ኣቕረበሉ።

ወንጌላዊ ግሉጽነት

"ታሪኽ ጴጥሮስን ጳውሎስን ከም ዚሕብሮ፣ እቲ ጐይታ ክንለብሶ ዚጽውዓና ሕብረት ንናጽነት ዝዀነ ይኹን ሰብ ዘየዳኽም፣ ሓደ ዓይነት ድምጽን ባህርያትን እዩ። እቶም ጠበቓና ዝዀኑ ቕዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስ እተፈላለየ መገድታት ይስዕቡ ነብሩ፣ እተፈላለየ ኣተሓሳስባ ውን  ነበሮም፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ወንጌላውያን ክንሶም ብግልጺ ይገናንሑ ነበሩ። እዚ ግን ከምቲ ኣብ መንፈስ ዘሎ ህያው ሕብረት ማለት በበይኑ ዝዓይነቱ ስኒት ዘለዎ ሓዋርያዊ ስኒት ካብ ምንባር ኣይዓገቶምን።"

ቅዱስ ኣጐስቲኖስ ከም ዝጠቐሶ "ክብረ በዓል ናይዞም ክልተ ሓዋርያት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ እዩ ዝኸብር።  ንሳቶም እውን ሓደ እዮም ዝነበሩ።  ከመይሲ ኣብ እተፈላለየ መዓልትታት እኳ ሰማእትነት እንተ ተቐበሉ፣ ሓደ እዮም ዝነበሩ።"

እተፈላለየ ህያባት

እዚ ሕብረት እዚ "ሳላ እቲ እተፈላለየ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባትን ኣገልግሎታትን ፍልልያት ዘሕብሩን ድልድል ሓድነት ዝሃንጹን" ዘኽኣሎም መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ዝነበረ።

እቲ ኣብ ሓደ ምስክርነት እምነት ዚርከብ እተፈላለየ ውህበታት ንስብከት ወንጌል ምእንቲ ኼደንፍዖ በዚ መገዲ እዚ ማለት ኣብ መንጎ በበይኑ ዝዓይነቱ ኣገልግሎታት ሓድነት ምእንቲ ኺህልወና ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክንመሃር ኣገዳሲ እዩ " በሉ።

ፍልልያት ኣብ ኣገልግሎት ሓድነት

"[እምበኣር ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ዘሎ ሰብ ጐኒ ጐኒ ኮይኑ ምጉዓዝ ምእንቲ ክለማመድ፣ ነቲ ዘይምስምማዓትና ናብ ናይ ሓድነትን ውህደትን ማሕበርን ቤት ትምህርቲ ዕርቅን ንምቕያር ጻዕሪ ንግበር። ]"

ናይ እምነትና ሓይልን ህያውነትን

እቲ ካልኣይ ፍረ ነገር ከኣ ነቲ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝገደፉልና ኣብነታት ክንዝክር ከሎና "ናይ እምነትና ህያውነት" ኢዩ ዘዘኻኽረና። እዞም ክልተ ሓዋርያት እዚኣቶም ብዘይ ውሽጣዊ ምሕዳስ ነቲ ናይ ቀደም መደባት ጕስነት ናይ ምስዓብ ዝንባለ፣ ከምኡውን ሓድሽ ብድሆታት ንምምላስ ፍቓደኛታት ናይ ምዃን ዝንባለ፣ ስለ ዝነበሮም ለውጢ ንኽገብሩ ዘርኣይዎ ጻዕሪ፣ ንሕናውን ነውጢ ንኽንገብር ብግልጺ ክድርኸና ዝኽእል ኣብነት ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ናብ ሕቶታትን ናብቲ ኣብ ህይወት ማሕበረሰብና ዘጋጥም "ጭቡጥ ኵነታትን" ዝመርሕ ኢዩ። በቲ ሰባት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተመክሮታትን ዝጅምር ሓድሽ መገዲ ወንጌላውነት ክንደሊ ኢዩ ዘገድደና።

ናይ እምነት ሓይሊ ምሕዳስ

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘንበብናዩ ንባብ ወንጌል "ኣነ መን እየ ትብሉ?" ዝብል ሕቶ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዘቃልሖ ብድሆ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ጕዕዞ እምነቱ ነቲ "ምስ ጐይታ ዘሎና ርክብ" ዜደልድለሉ "ሓይልን ሃልሃልታ ፍቕርን" ዚዕቅበሉ እንተ ዀይኑ ንኼስተውዕሉ ዘቕርበሎም ብድሆ ኢዩ።

"ኣብ ታሪኽ ከምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ህይወትና፣ ነዛ ሕቶ እዚኣ ወትሩ ኣብ ልብና ክንሓታ ኣሎና።  ”

ቤተ-ክርስትያን ሮሜ ከም ምልክት ሓድነት

ነዚ ሕቶታት እዚ ምላሽ ምሃብ ኣዋጅን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ንኺሕደስ የኽእል ኢዩ። ብፍላይ እዚ ኣብ ሮማ ዘሎ ኣቕላሲያዊ ማሕበር ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ "ምልክት ሓድነትን ሕብረትን፣ ምልክት ሓንቲ ህያው እምነት ዘለዋ ቤተ-ክርስትያንን ከምኡውን ሰባት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዛዕባ ሓጐስን ምጽንናዕን ወንጌል ዝምስክሩ ማሕበር ደቀ መዛሙርቲ " ክኾኑ ከም እተጸውዑ ኣብነት ክኾኑ ኣለዎም።

ሞጣህት ሊቃነ ጳጳሳት ከም ምልክት ሓድነት

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም "ኣሕዋት ሊቃነ ጳጳሳት" ፍሉይ ሰላምታ ኣቕረቡሎም፣ እዚ ኸኣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድነት ከም ዘለዎም ዘመልክት ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ብብጹዕ ወቅዱስ ፓትርያክት በርተሎሚው ቀዳማዊ እተላእኩ ተወከልቲ ኢቁመናዊ ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ ውን "ልባዊ ምስጋናኦም" ገለጸሎም። ኣብ መንጐ እቶም  ብኢቁመናዊ ፓትርያርክ እተላእኩ ተወከልቲ ድማ ሊቀ ጳጳሳት ካልሴዶን ብፁዕ ኣቡነ ኢማንወል  ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ነበሩ።
ንኣባላት ሲኖዶስ ናይታ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ናይ ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጳጳሳት ውን ፍሉይ ሰላምታ ብምቕራብ ጐይታ ንህዝቦም ሰላም ክህቦም ብምጽላይ ድማ "ናይ ጕስነት ቅንኣት" ከም ዘሕደሩ ኣገባብዕዎም።

ኣማላድነት ቅዱሳን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣማላድነት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን "ምእንቲ ነፍስ ወከፍናን ምእንቲ ከተማ ሮሜ፣ ምእንቲ ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን ምእንቲ መላእ ዓለም" ብምልማን "ብእምነትን ብሓድነትን" ብሓባር ክጐዓዙ ተስፋ ከም ዘለዎም ብምግላጽ ስብከቶም ዛዘሙ።

ቡራኬን ወፈያን ሞጣሕት ሊቃነ ጳጳሳት

ደድሕሪ እቲ ካርዲናል ስቲቨን ብሪዝሊን ሊቀ - ጳጳሳት ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃን ከምኡውን ሊቀ - ጳጳሳት ሳን ዲየጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካርዲናል ሮበርት ዋልተር ማክኤልሮይ ዝተሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ መደብ ቡራኬን ወፈያን ሞጣሕት ንሊቃነ ጳጳሳት ተኻየዱ። ዲያቆናት ነቲ ሞጣሕት ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መቓብር ጴጥሮስ ብኽብሪ ዓጂሞ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቕረብዎ። ብፁዕ ካርዲናል ዶሚኒክ ማምበርቲ ሊቀ-ዲቆናት ካርዲናላት ነቶም ሓደስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ኣፋለጥዎም፣ እቶም ሓደስቲ ሊቃነ ጳጳስት ከኣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንቤተ-ክርስትያን ሮማን ዝለዎም ተኣማንነት ከም ዚሕልዉ ቃለ መሓላ ፈጸሙ።

ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ሊቀ-ጳጳሳት

ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ክሳዕ ፔሩ ካብ ኢጣልያ ኽሳዕ ጽንፊ ዓለም ማለት ክሳብት ፓፕዋ ኒው ጊኒ፣ ጓም፣ ኒው ካለዶንያ፣ ኣብ ዓበይቲ መጥሮፖሊሳውያን ከተማታት ዝተመዙ ሓደስቲ 54 ሊቃነ ጳጳሳት ኢዮም ዝንበሩ ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መፈጸምታ ናይቲ መደብ ኣብ መንኵቦም ነቲ ሞጣሕት ብምውፋይ ንነፍሲ ወከፎም ሓቒፎም ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን
30 Jun 2025, 17:21