ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ይኹንታ ዝሃብሉ ናይ ሸሞንተ ብጹዓን ኣዋጅ ቅድስና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ይኹንታ ዝሃብሉ ናይ ሸሞንተ ብጹዓን ኣዋጅ ቅድስና 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ይኹንታ ዝሃብሉ ናይ ሸሞንተ ብጹዓን ኣዋጅ ቅድስና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዕለት 13 ሰነ ኣብ ዝመርሕዎ ናይ መጀመርታ መደበይና ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሸሞንተ ሓደስቲ ቅዱሳን ክትረክብ ምዃና ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 13 ሰነ ኣብ ዘመርሕዎ ናይ መጀመርታ መደበይና ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት፣

ሸሞንተ መጻኢ ቅዱሳን

ኣብቲ ዝተኻየደ መደበይና ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ሸሞንተ ብጹኣን ቅድስና ክእወጀሎም ዝሓትት ሰነድ ቅዱስነቶም ይኹንታ ከም ዝሃብሉን ንሳቶም እውን ካርሎ ኣኩቲስ፣ ፒየር ጆርጆ ፍራሳቲን፣ መነኮስ ማርያ ትሮንካቲ ኣብ ኤኳዶር ልእኽቲ ወንጌል ኮይና ዘገልገለትን፣ ኣብ 1891 ዓ.ም. ኣብ ፖምፐይ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ዝመስረተ ባርቶሎ ሎንጎን፣ ቪንቸንዛ ማርያ ፖሎኒ እትበሃል ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ንኣሓት ምሕረት ቬሮና ዝመስረተት ኢጣልያዊት መነኮስ፣ ከምኡ’ውን ማርያ ደል ሞንተ ካርሜሎ ረንዲለስ ማርቲነዝ፡ ቬንዙዌላዊት ቅድስቲን ኣብ 1965 ዓ.ም. መስራቲት ማሕበር ደናግል ኣገልገልቲ ኢየሱስን ከምኡ እውን ቬንዙዌላዊ ኾሴ ግሪጎሪዮ ሄርናንደዝ ሲስነሮስ ኣገልጋሊ ድኻታትን፣ ኣብ ቱርክ ናይ ኣርመናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማርዲን ንሊቀ ጳጳሳት ኢግናዚዮ ቾክራላህ ማሎያን ከምኡ እውን ቀዳማይ ተወላዲ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ፒተር ቱ ሮት ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Jun 2025, 17:45