ድለ

2025.09.16 ኬንያ ፡ መበል 22 ዓመት ዕረፍቲ ካርዲናል ኦቱንጋ ንምኽባር ዝተኻየደ መንፈሳዊ መደብ 2025.09.16 ኬንያ ፡ መበል 22 ዓመት ዕረፍቲ ካርዲናል ኦቱንጋ ንምኽባር ዝተኻየደ መንፈሳዊ መደብ 

ኬንያ ፡ መበል 22 ዓመት ዕረፍቲ ካርዲናል ኦቱንጋ ንምኽባር ዝተኻየደ መንፈሳዊ መደብ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኬንያ ኣማኢት ካቶሊካውያን ምእመናን ካረን ኣብ ዝርከብ ትንሳኤ እተሰምየ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ተኣኪቦም መበል 22 ዓመት ዕረፍቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብኤር ካርዲናል ሞሪስ ሚካኤል ኦቱንጋ ቀዳማይ ካርዲናል ኬንያ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ንዝኽሪ መበል 22 ዓመት ዕረፍቲ ቀዳማይ ኬንያዊ ካርዲናል ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ሞሪስ ሚካኤል ኦቱንጋ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ኣብ ኬንያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት በርት ቫን መገን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ንነባሪ ሕድሪ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ኦቱንጋ እንከስተንትኑ፣ "ካርዲናል ኦቱንጋ መዓርግን ሽመትን ክገልጾም ፈጺሞም ዘይፈቐዱን ብዙሕ ግዜ ‘ትሑት ኣገልጋሊ ኣምላኽ ጥራይ እየ’ እንክብሉ ገዛእ ርእሶ ዝገልጹ ከም ዝነበሩ የጉልሑ።

ገርሀይናን ትሑትን ህይወት መስካሪ

ሊቀ ጳጳሳት በርት ቫን መገን ኣስዒቦም፣ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ትንሳኤ እተሰምየ ራእይ ካርዲናል ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኦቱንጋ ምዃኑ ኣዘካኺሮም - ክርስትያን ሱባኤ ዝግብሩሉን ምስ ኣምላኽ ዝራኸቡሉን መካነ ንግደት እዩ። እቲ ናይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ ነቲ ንህይወት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ኦቱንጋ ዘመልክት ዝነበረ ናይ እምነትን ትሕትናን መንፈስ ዳግማይ ዘበራብር ክኸውን ንጸልይ - ቢሎም - ናይ ዕለቱ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ፡ ምስሊ ናይቲ ብዙሕ ፍረ ክፈሪ ዝመውት ዘርኢ ስርናይ ኣጽንዖም ብምዝኽካር፣ “ካርዲናል ኦቱንጋ ነዚ ሓቂ ዘንጸባርቑ እዮም . . . ተራን ገርሀይናን ኣብ እግዚኣብሔር ዝውከፍ ህይወት ዝነበሩ ንድኻታት ዘገልገሉ፡ ካብ ሰብኣዊ ውዳሴ ዝረሓቑ፡ ኣብ ወንጌል ዝተሰረቱ ምንባሮምን ድሓር እውን እንተኾነ ኣብቶም ብህይወት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኦቱንጋ ዝተተከፉ ማእለያ ዘይብሎም ኣሕዋት ማእለያ ዘይብሉ ፍረ ኣብ ምፍራይ ይቕጽል ኣሎ። ምእመናን ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ትሕትናን ሓቅን ኣገልግሎትን ናይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኦቱንጋ ምስክርነት ብምሕቋፍ ንቕድሚት ክቕጽሉ ተማሕጺኖም፣ ብተወሳኺ ካርዲናል ኦቱንጋ ናብ ቅድስና ኣዋጅ ዘሰንይ መገዲ ንምድጋፍ ብኣማላድነቶም እግዚብሔር ተኣምራቱ ክጽግው ምእመናን ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ “ኬንያ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዱስ የድልያ፣ ህይወት ካርዲናል ኦቱንጋ ድማ ነቲ ተስፋ ብዘደንቕ ንጹርነት ዝገልጾ እዩ፣ መስርሕ ብጽእና ብቐጻሊ ይግስግስ ኣሎ። ብትዕግስቲ፡ ከምቲ ጥበብ ቅዱሳን ወትሩ ዘዘኻኽረና፡ ግዜ ኣምላኽ ነዚ ዕላማ ከም ዝመርሖ ንኣምን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ኦቱንጋ: ህይወትን ቃልን

ሞሪስ ማይክል ካርዲናል ኦቱንጋ (1923 – 2003) ንፈለማ እዋን ናብ ኣባልነት ጉባኤ ካርዲናላት ክብ ዝበሉ ኬንያዊ እዮም። ኣብ ቸቡክዋ፡ ቡንጎማ ዞባ ካብ ባህላዊ ሓለቓ ዝኾነት ስድራ ዝተወልዱ፡ ካብ ፍሉይ መሰል ንላዕሊ ናይ እምነት ህይወት መሪጾም፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣትዮም ኣብ 1950 ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን፣ ካርዲናል ኦቱንጋ ጳጳስ ኪሲን ሊቀ ጳጳሳት ናይሮቢ ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብ 1973 ዓ.ም. ብፍላይ ብጉስነታዊ ኣገልግሎቶም ንኹሉ ቀረባ ብምዃንን ንኽብሪ ሕይወት ብምክልኻልን ንሓቂ ወንጌል ብዝነበርዎ ጽኑዕ ተወፋይነትን ዝፍለጡ እዮም . . .  ኣብ ዳሕረዎት ናይ ልሂቕነት ዓመታት ህይወቶም ምስ ልኡካነ ወንጌል ኣሓት ውፉይ ፍቕሪ ኣብ ጽሞናን ጸሎትን ውፍይ ዝኾነ ህይወት ክነብሩ ከም ዝመረጹን እዚ ድማ ምስክር ናይቲ ንመላእ ዕድሚኦም ዝገልጾም ትሕትናን ገርሀይናን ኣገልግሎትን ዝሓቖፈ ህይወት እዩ። ኣብ 2009 ብወግዒ ናብ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔርን ብጽዕናን ቅድስናን ዘብጽሖም መሰረተ ሓሳብ ናይ ምቕራብ ስራሕ ተበጊሱ፣ እነሆ ድማ “ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር” ዝብል መጽውዕ ከም እተወሃቦምን ሎሚ’ውን ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣማላድነቱ ዝተኣሳሰሩ ተኣምራት ኣፍልጦ ክረክብ ኣብ እትጽበየሉ ዘላ እዋን፡ ዝኽሮም ንኬንያ ካቶሊካውያን ኣስተንፎ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Sep 2025, 17:04