ድለ

2025.09.19 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሆንዱራስ 2025.09.19 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሆንዱራስ   (@VATICAN MEDIA)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሆንዱራስ

ዕለት 19 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ናይ ሃገረ ሆንዱራስ ርእሰ ብሔር ካስትሮ ሳርሚዮን ኣብ ሃዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ሳርሚዮን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ማሕበራዊ፡ ትምህርታውን ስደተይናታትን ተራ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ኣብ ዝተኮሩ ጉዳያት ዝተመያየጠ ርክብ ከም ዘካየደት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 20 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ናይ ረፓብሊካዊት ሆንዱራስ ርእሰ ብሄር ኢሪስ ኪዮማራ ካስትሮ ሳርሚዮን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ርእሰ ብሔር ካትሮ ሳርሚዮን ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸበትን፣ ኣብዚ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጎ ሆንዱራስን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ሰናይ ዝምድና መወከሲ ብምግባር ተራ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ኣብ ማሕበራዊ፡ ትምህርታውን ስደተይናታትን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት፣ ከምኡ እውን ሃገራውን ዞባውን ማሕበረ - ፖለቲካዊ ኩነታትን ካልኦት ሓድሕዳዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ኣርእስታት ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሆንዱራስ ርእሰ ብሔር
22 Sep 2025, 16:08