ድለ

Pope Leo XIV leads Angelus prayer at Castel Gandolfo

ር. ሊ. ጳ.፦ እስራኤል ኣብ ቀጠር ኣብ ልዕሊ ሓማስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 'ኣዝዩ ኸቢድ ኵነታት' ከም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ሃገረ ቫቲካን ንምምላስ ካብቲ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ዚርከብ መንበሪ ገዝኦም ወጺኦም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዶሃ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ኣሕጽር ኣቢሎም እንክምልሱ፣ "እዚ ኩነታት ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዙሕ ክንጽልን ክንዓዪን ሰላም ከነስፍንን ኣሎና" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ቃዛ እተዋህበ ናይ ምግዓዝ ትእዛዝን ምስቶም ኣብኡ ዝርከቡ ካህን ንምርኻብ ዝገበርዎ ጻዕርን ኣምልኪቶም ድማ "ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ የብለይን" ክብሉ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ኣብ ዶሃ ቀጠር ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝገልጽ ዜና ምስ ተሓትቱ፣ ደድሕሪ እቲ ብእስራኤል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ንገለ መራሕቲ ሃማስ ዒላማ ይገብር ከም ዘሎ ብምግላጽ፣ "ኣዝዩ ኸቢድ ዜና" ክብሉ ገለጽዎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኣብ ዝርከብ ሓያሎ መንበሪ ህንጻታት ዕንወት ፈጢሩ ይርከብ። ጋዜጠኛታት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓልፈ ሰኑይ ድሕሪ ቐትርን ገለ ክፋል እቲ ትማሊ ሰሉስን ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም፣ ኣብ ወጻኢ እቲ ኣብ ካስትል ጋንዶልፎ ዝርከብ መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾነ ቪላ ባርበሪኒ ክጽበይዎም ድሕሪ ምጽናሕ ንዘቕረቡሎም ሕቶታት እንክምልሱ ዝበልዎ ኢዩ ዝንበረ።

ምእንቲ ሰላም ብዘይ ምቁራጽ ምጽላይን ምዕያይን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ቅድሚ እቲ ህንጻ ባርበሪኒ ኣብ ኣፍ ደገ ንሒደት ደቓይቕ ደው ኢሎም፣ ነቶም ከፋንውዎም ኣባኡ እተረኽቡ ሕዝቢ ሰላምታ ብምቕራብ፣ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታት ከም ዘተሓሳሰቦም ገለጹ - "ብምሉኡ እቲ ዅነታት ብሓቂ ኸቢድ ኢዩ" በሉ። ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን ኢና። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እና ኸበደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብዙሕ ክንጽልን ክንዓዪን መንገድታት ሃሰስ ክንብልን ሰላም ከነስፍንን ኣሎና" ክብሉ ውን ተላበዉ።

ኣብ ቃዛ ዝተኣወጀ ናይ ምግዓዝ ትእዛዝ

ብዛዕባ እቲ እስራኤል ንተቐማጦ ከተማ ቃዛ ህጹጽ ናይ ምግዓዝ ትእዛዝ ብዝምልከት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ቆመስ ቤተክርስቲያን ደበረ ቅድስቲ ስድራቤት ዝኾኑ ካህን ክቡር ኣባ ጋብሪኤለ ሮማኔሊ ክራኸቡ ከም ዝፈተኑ ገለጹ - "ሕጂ ነቶም ቆም ብስልኪ ክረኽቦም ፈቲነ ኔረ። ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ ግን  የብለይን" በሉ። "ቅድሚ ሕጂ ብርግጽ ደሓን እዮም ነይሮም፣ ድሕሪ እዚ ሓድሽ ትእዛዝ ግን ርግጸኛ ኣይኰንኩን" ክብሉ ድማ ኣመልከቱ።

ናብ ሃገረ ቫቲካን ምምላስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም፣ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ሰላምታ ኣቕረቡሎም። ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ሰኑይ ምሸት ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ብምኻድ ትማሊ ንግሆን ድሕሪ ቐትሪን ኣብኡ ጸንሑ፣ ንዘይተወሰነ መርሓ ግብር ዕለታዊ ንጥፈታቶም ድማ ናይ ብሕቲ ግዜ ክወድሱ ተረኽቡ።

10 Sep 2025, 17:17