ር. ሊ. ጳ.፦ ምእንቲ እቶም ኣብ ውግእ ዝርከቦ ዞታት ዝርከቡ ህጻናት ዓለም ንጸሊ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ጸሎትኩምን ሰብኣዊ ውጥናትኩምን ንቘልዑ ዩክረይንን ቃዛን ከምኡ ውን ነቶም ኣብ ካልኦት ብውግእ እተጠቕዑ ዞባታት ዓለምን ዘለዉ ቈሉዑን ህጻናትን ዘክርዎም።
እዚ መልእኽቲ እዚ ድማ ሎሚ ንግሆ ዕልት 10 መስከረም ኣብ መወዳእታ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነጋድያን፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ፖላንዳውያን ምእመናን ሰላምታ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ዝቐረበ ጻውዒት ኢዩ ዝነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሎሚ "ስቓዮምን ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገረ ፖላንድ ዝገበርዎ ኣበርክቶን ብምሳልያዊ መገዲ ንምዝካር" ሃገራዊ መዓልቲ ግዳያት ኲናት ንዝኾኑ ፖላንዳውያን ቈልዑን ህጻናትን ዘኪሮም።
ጸሎትን ሓገዝን ምእንቲ ቘልዑን ህጻናትን
ስለዚ ኣብ ጸሎትና ኰነ ኣብ ውጥናትን ሰብኣዊ ረድኤት ነቶም ካብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ዝጀመረ ኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ "ቈልዑን ህጻናትን ዩክረይን"፣ ነቶም ምስ እስራኤል ኣብ እተገብረ ግጭት ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝሳቐዩ ዘለዉ ቈልዑን ህጻናትን "ቃዛ" ከምኡውን ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓለም ብዓመጻ ዝሳቐዩ ዘለዉ ተምበርኪኾም ከይርስዑ ተላበው።
ንዓኻትኩምን ነቶም ሎሚ ዚሳቐዩ ዘለዉ ቘልዑን ህጻናትን ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስቲ ሰላም ዕቝባ ክትህበኩም የወፍየኩምን ካብ ልበይ ከኣ እባርኸኩም ኣለኹ።
ኣውያት ስጣውይ ናይ ቅድስቲ መሬት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ እተካየደ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እተሳተፉ ምእመናን ምእመናን ተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብ ሰላምታ ከቕርቡሎም እንከለዉ ድማ፣ ነቶም ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ብዝጀመረ ኲናት እተወቕዑ ካብ ቅድስቲ ምድሪ ዝመጹ "ብፍሉይ" ምሕጽንታ ኣቕረቡሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረቡሎም ቃል ምሕጽንታ ካብቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ብዛዕባ ሞት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝገልጽ ጥቕሲ፣ ሓሳባቶም ዘከፈልሉ ኣስተንትኖ ብምጥቃስ ስቕ ዝበለ ዘይኰነ ግን ከኣ "ዓው ብዝበለ ኣውያት" ናብ ኣምላኽ ዝበጽሕ ኣውያት፣ ነቶም ካብ ምድሪ ኢየሱስ ዝመጹ ምእመናን "ኣብ ግዜ ፈተናን ጸበባን ንኣውያትኩም ናብ እሙን ጸሎት ቀይርዎ" ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ኣምላኽ ወትሩ ንደቁ ይሰምዖምን ኣብ ምዱብ ግዜኡ ይምልሰሎምን እዩ!
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ምእመናን ነጋድያንን መንፈሳውያን በጽሕትን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋል "ካብ ኵሉ ኽፍኣት" ምእንቲ ኼዕቍቦም ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ኣወፈይዎም።
