ድለ

2025.09.24 Udienza Generale

ር. ሊ. ጳ.፦ “ኢየሱስ ንጸልማት ክፍልታት ሰብኣዊ ህላወ ተበጀዎ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ቀዳም ሥዑር ናብ ሲኦል ወሪዱ ነቲ ዝጸልመተ ህላወ ደቂ ሰባት ብርሃን ከም ዝመስከረ የስተንትኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዘካየድዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ “ሕማማት ጐይታትናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ” ብምቕጻል፣ ኣብ ምስጢረ ቀዳም ሥዑር ኣተኲሮም ኣስተንተኑ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተምህሮኦም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱን ቅድሚ ትንሳኤኡን – ናብ "ሲኦል - ናብ ታሕተዋይ ዓለም" ምውራዱ "እቲ ኣዝዩ ዓሚቝን ሱር ዝሰደደን ምልክት ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ ዝገለጸልና" በሉ።

'ሞት ናይ መወዳእታ ቃል ኣይኰነን'

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ኸም ዝሞተ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ገጹ ምስ ጠፍኣና ውን "ንሓይሊ ብርሃን ናብቲ ጸልማትና ከእትወሉ ዝኽእል" ቦታ ኸም ዝወረደ እውን ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ኸም ዝገለጽዎ ኣብዚ መዳይ እዚ፣ እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓለም "ህይወት እትውድኣሉን፣ ስቓይን ጽምዋን ጸጸትን ካብ ኣምላኽን ካልኦትን ብምፍልላይ ዚገዝኣሉ ቦታ ኣይኰነን።"

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ምስ ወረደ "ንሲኦል ጥርሓ ክገብራን ነተን ኣባኡ ዝነበራ ነሳት በብሓደ ብኢዱ ሒዙ ሓራ ከውጽአንን፣ ናብ ቤት ሞት ኣተወ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብዚ ተግባር እዚ ዅሉ ብርታዐን ለውሃትን መልእኽቲ ፋሲካን ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ እምበር ሞት ናይ መወዳእታ ቃል ኣይኰነትን" ክብሉ መስከሩ።

ብዛዕባ ፍቕሪ ኣቦ ንምምስካር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል "እዚ ትሕት ምባል ናይ ክርስቶስ" ከም ሕሉፍ ጥራይ ዘይኰነስ ሎሚ እውን ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕሊሖም፦ እቲ ናብ ታሕቲ ሲኦል ወረደ ማለት ናብቶም ምዉታት ዝኸደ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብተመሳሳሊ እውን "መዓልታዊ ኣብ ሲኦል ጽምዋን ሕፍረትን፡ ተነጽሎን ቃልሲ ህይወትን. . . ንፍቕሪ ኣቦ ንምምስካር እዩ ዝወርድ”።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም፣ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣቦና ኣዳም ኣብ ሲኦል ዝነበሮ ምርኻብ "ምልክት እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ዅሉ ምርኻባትና" ምዃኑ ገለጹ።

ኣምላኽ ንሰብ 'ብስሙ ጸዊዑ' ናብ ብርሃን ብምምላስ ካብ ጸልማት የውጽኦ፣ "ብዅሉ ስልጣን ከምኡ ውን ብማእለያ ብዘይብሉ ለውሃት ከምቲ ኣቦ ምስ ውሉዱ ዘለዎ ፍቕሪ፣ ደጊምሲ ኸይፍቀር ዚፈርህ ሰብ የልቦን።"

ብምሕረት ዘይተተንከፈ የልቦን

ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ቀዳም ሥዑር "ሰማይ ንምድሪ ብርግጽ ዝበጽሓሉ መዓልቲ" ምዃና ኣመልከቱ። ናብ ታሕተዋይ ምድሪ ናብ ሲኦል ምውራድ "ለይቲ እኳ እንተ ዀነ እቲ ጥንታዊ ጕድለትና ወይ ስብራትናን ማእሰርትና እውን ከይተረፈ ኻብ ድሕነት ኺውገድ ኣይክእልን እዩ። ብምሕረት ኪትንክፍ ዘይክእል ክሳዕ ክንድዚ ዝዓነወ ታሪኽን ሕልፉን የልቦን።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ "ክርስቶስ ንዅሉ ፍጥረት ናብ መደብ ድሕነት ንምምላስ ናብ ኣቦ ዘቕረቦ ናይ ጽሞና ሕቝፊ ኢዩ" ብምባል ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

24 Sep 2025, 15:52