ር. ሊ. ጳ.፦ ቅዱሳን ናብ ኣምላኽ ክንጥምትን ብሉጽ ዕላማ ሕይወትና ክንፍጽምን ይዕድምና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ኣዋጅ ቅድስና ናይ ክልተ መእሰያት ኢጣልያውያን ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲን ካርሎ ኣኩቲስን መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ፣ ነቶም ሓለፍ ዝበለ ምስክርነት ብዛዕባ እምነትን ተስፋን ትውክልትን ኣምላኽ ከምኡውን ነቲ ጐይታ ዘለኣለማዊ ሓጐስን ዕረፍትን ንምርካብ ዘውጸኦ ዓብዪ መደብ ብምድናቕ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም፣ ብዛዕባ እዞም ኽልተ ሓደስቲ ቕዱሳን ዝረኣይዎ ዜደንቕ ምስክርነት ኣስተንተኑ ። ቅዱስነቶም ነቲ ኻብ መጽሓፍ ጥበብ እተወስደ ናይ መጀመርታ ንባብ ቃል ኣምላኽ ምርኩስ ብምግባር፣ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ልክዕ ከም ንጉስ ሰሎሞን፣ ነቲ ኣምላኽ ንህይወትናን ንዓለምናን ዘውጽኦ መደባት ብዝሓሸ መገዲ ንኽርድእዎን፣ ብተኣማንነት ንኽስዕብዎን ውህበት ጥበብ ከም ዝዓደሎም ኣዘኻኸሩ። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ ኸኣ በቲ ዘለዎም ውህበት ተጠቒሞም ንኻልኦት ብኣብነቶምን ብቓላቶምን ብተግባራቶምን ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ይዕድሙ ኣለዉ ክብሉ ኣስተምሃሩ።
ንርእስና ናብ ጐይታ ነወፊ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ኣብቲ ኣብቲ ዝተነበ ቃል ወንጌል፣ ብዛዕባ ውጥን ኣምላኽ እዩ ዝነገረና ፣ ነዚ ድማ "ነቲ ንሱ ዚህበና ዕዮ፣ ማለት በቲ ኻብ መንፈሱ ዚመጽእ ምስትውዓልን ብርታዐን ከይተሰከፍና " ብምሉእ ልብና ክንፍጽሞ ኣሎና ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህይወቶም፣ መስቀላዊ መገዲ ስለ ዜጋጥሞም ኣጸጋሚ ምርጫታት ኪገብሩ ይግደዱ፣ ኣብነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲዚ ብምዝካር ከኣ፣ እዚ ቕዱስ እዚ "ነቲ ዅላትና እንፈልጦ ዘደንቕ ናይ ቅድስና ዛንታ " ክመርጽ ከም ኣብነት ከም ዝኾነና ገለጹ ።
ንኣምላኽ "ሕራይ" ምባል
ኣብ ታሪኽ ህይወት ወድሰብ ኣዝዮም ብዙሓት ቅዱሳን፣ ናብ ኣምላኽ ብምጥማት ተመሳሳሊ ትብዓት ዝመልኦ ምርጫ ገይሮም ኢዮም፣ ንኣሽቱ ኸለዉ ኸኣ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንኣምላኽ "ሕራይ" ብምባል "ንርእሶም ገለ እኳ ከየትረፉ" ንኣምላኽ ከም እተወፈዩ ዘከሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ቅዱስ ኣጉስቲኖስ ኣብ ውሽጡ "እደልየካ እየ!" ዚብል ድምጺ ብኸመይ ከም እተሰምዖ ዘከሩ፣ "ኣምላኽ ሓድሽ ኣንፈት፡ ሓድሽ መገዲ፡ ዋላ ሓንቲ እኳ ኻብ ህይወቱ ዘይጠፍአሉ ሓድሽ ምኽንያት ሂብዎ እዩ" ድማ በሉ።
ፒየር ጆርጎ ፍራሳቲ ንተራ መንፈሳውነት ዝኸውን መብራህቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ናይቲ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ቅዱስ ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲ ዚበሃል ኢጣልያዊ መንእሰይ፣ ኣብ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ንድኻታት ኣብ ምግልጋልን ዝነበሮ ተሳትፎ ኺገልጹ እንከለዉ፣ ሎሚ እውን "ህይወት ፒየር ጆርጅዮ ንተራ መንፈሳውነት ዜብርህ መብራህት እዩ" በሉ ።
ካርሎ ኣኩቲስ ብቕልል ዝበለ መገዲ ቕድስና መስከረ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና መንእሰይ ዝነበረ ኢጣልያዊ ቅዱስ ካርሎ ኣኩቲስ ዝሃቦ ምስክርነት ኪዛረብ እንከለዉ ድማ፣ ሳላ ወለዱ ኣንድርያን ኣንቶንያን ምስቶም ፍራንቸስካን ሚካኤለን ዚበሃሉ ኽልተ ኣሕዋቱን፣ ኣብዚ ጽምብል እዚ ከም እተራኸበ ብምዝካር፣ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ስድራቤቱ ብኸመይ ከም ዝመስከረ ኣስተንተኑ። ቅዱስ ካርሎ ኣኩሪስ ኣብ ቤት ትምህርቲ እውን ንእምነቱ መስኪሩን ነቢርዎን ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ማሕበረሰብን ቍምስናኡን ንዝግበር ዝነበረ ሥርዓታት ኣልኾ ብተወፋይነት ስዒብዎ ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ጸሎትን ስፖርትን መጽናዕትን ግብረ-ሰናይን ብባህርያዊ መገዲ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱን ዕድመ መንእሰይነቱን ብምኽታል ኢዩ ዓብዩ" ክብሉ መስከሩሉ።
ፍቕሪ ኣምላኽን፣ ፍቕሪ ብጻይን ኣማዕብል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ መዓልታዊ መሥዋዕተ ቅዳሴን ህይወት ጸሎትን ምስዓብ፣ ብፍላይ ከኣ ስግደት ቅዱስ ቍርባን ህይወት ቅዱሳን ፒየር ጆርጅዮን ካርሎ ኣኩሪስን፣ ብተራ ዝመስል ተግባራት ግብረ ሰናይ ገይሮም ንኣምላኽን ንጐረባብቶምን ዘለዎም ፍቕሪ ኸም ዝምዕብል ዚሕብር እዩ ነይሩ በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ፒየር ጆርጅዮ ሓደ እዋን "መዓልቲ ሞተይ፣ ኣብ ህይወተይ እታ ዝበለጸት መዓልቲ ኽትከውን እያ" ኸም ዝበለ ብምዝካር፣ ሕማም ንኽልቲኦም እኳ እንተ ኣሰነፎም፣ ተስፋ ኻብ ምግባርን ርእሶም ንኣምላኽ ካብ ምውፋይን ግን ኣየቋረጹን። መንእሰይ ካርሎ ኣኩቲስ ብተደጋጋሚ "ሰማይ ወትሩ ይጽበየና ኢዩ ዘሎ፣ ንጽባሕ ምፍቃር ከኣ ሎሚ እቲ ዝበለጸ ፍረ ምፍራይ ማለት ኢዩ" በለ።
ኣብ ህይወትና "ብሉጽ ዕማም" ምፍጻም
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ቅዱሳን ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲን ካርሎ ኣኩቲስን ንዅሎም ሰባት ብኸመይ ከም ዚዕድምዎም ኣጕልሑ፣ "ብፍላይ መንእሰያት ህይወቶም ኼባኽኑ ዘይኰነስ፣ ናብ ላዕሊ ኺመርሕዎምን ብሉጽ ዕማም ኪገብሩን ኣለዎም " በሉ ።
ከምቲ ካርሎ ኣኩቲስ ዝበሎ "ኣምላኽ ደአ እምበር፣ ኣነ ኣይኰንኩን!" ብምባል የተባብዑና ኢዮም። ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲ ድማ "ንኣምላኽ ማእከል ኵሉ ተግባራትካ እንተ ጌርካዮ፣ ናብ መወዳእታ ኽትበጽሕ ኢኻ" በለ። እዚ ተራ ዝመስል ግን ከኣ ዕዉት ቅድስናኦም ኢዩ ዝነበረ ። ንህይወትና ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንሕጐሰሉን፣ ኣብ ጽምብል ሰማይ ምስ ጐይታ ምእንቲ ኽንራኸብን፣ ክንስዕቦ እተጸዋዕና ዓይነት ምስክርነት ከአ እዩ።" ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ስብከቶም ዛዘሙ።
