ድለ

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ቓዛ፡ 'ኣብ ዓመጽን ግዱድ ስደትን ሕነ ምፍዳይን ዝተመስረተ መጻኢ የሎን' ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ቓዛ፡ 'ኣብ ዓመጽን ግዱድ ስደትን ሕነ ምፍዳይን ዝተመስረተ መጻኢ የሎን'  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ቓዛ፡ 'ኣብ ዓመጽን ግዱድ ስደትን ሕነ ምፍዳይን ዝተመስረተ መጻኢ የሎን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 21 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ህልው ኩነታት ቓዛ ኣቃልቦ ብምሃብ፣ ነተን ምስ ህዝቢ ወሽጥመጥ ቃዛ ንምትሕብባር ቃል ዝኣተዋ ካቶሊካውያን ማሕበራት ኣመስጊኖም፣ ምእንቲ ሰላም ዘቕርብዎ ልባዊ ጻውዒት እውን ከም ዘሐደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስቶም ንህዝቢ ቓዛ ንምሕጋዝ ቃል ዝኣተዉ፡ ከምኡ’ውን ምስቶም ኣብ መላእ ቅድስቲ መሬት ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝመርሑ ጓሶት ቅርበቶም ብምርግጋጽ፡ “ኣብ ዓመጽ፡ ኣብ ግዱድ ስደት፡ ሕነ ምፍዳይ ዝተመርኮሰ መጻኢ የለን! ሰባት ሰላም የድልዮም እዩ” ብምባል “እቶም ብሓቂ ንህዝቢ ዘፍቅሩ ንሰላም ይሰርሑ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ንወከልቲ “ምስ ህዝቢ ቓዛ ንምትሕብባር ዝተወፈያ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበራት” ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ “ክቡራት ብጾት፡ ንተበግሶኹምን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ንዝርከቡ ብዙሓት ካልኦት ኣብታ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ኣብ እትርክበ መሬት ንዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅርበቶም ዝገልጹ ኣዝየ አደንቕ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ከተማ ጋዛ ይቕጽል ኣሎ

ዕለት 19 መስከረም ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 60 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ቓዛን ከም ዝገለጹን ሓይልታት እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከቡ ዓበይቲ ህንጻታት ከዕንዉን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝጀመረ ዳሕረዋይ መጥቃዕቶም ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ዝተፈላለየ ትሕተ ቅርጽታት ከም ዘዕነዉን፣ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ሓይልታት እስራኤል ንምብራቓዊ ከባቢታት እታ ከተማ ይቆጻጸርዎ ከም ዘለዉን ተወሳኺ ግዝኣታዊ መኽሰብ ተጠቒሞም ናብ ማእከላይን ምዕራባውን ክፋላት እታ ከተማ ይምርሹ ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ እስራኤል ካብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ጀሚሩ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ካብ ከተማ ቓዛ ከምዝወጹ ይገልጽ፣ ይኹን እምበር፡ ንቓዛ ዝቆጻጸር ሓማስ ነቲ ካብ እስራኤል ዝተዋህበ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ነጺጉ፡ 300 ሽሕ ሰባት ጥራይ ካብቲ ከባቢ ከም ዝወጹን፡ በሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ 50 - እስራኤላውያን ዘጠቓልል ልዕሊ 900 ሽሕ ድማ ኣብኡ ከም ዝተረፉን ኣፍሊጡ።

እስራኤል ቅድሚ ክልተ ዓመት ድሕሪ’ቲ ብሓማስ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት፣ መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ምስ ተቐትሉን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ዝርከብዎም ልዕሊ 25 ሰላማውያን ሰባት ጅሆ ምስ ተታሓዙን ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብእተካይዶ ዘላ ወራር ልዕሊ 65 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከም  እተቐትሉን ይንገር።

ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክኽበርን ክሕሎን ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14  ንሰላም ዘቕረብዎ ጻውዒት ቀጻሊ ከም ዝኾነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ “ነቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ህዝቢ ፍልስጤም፣ ብፍርሕን ኣብ ዘይቅቡል ኩነታት ዝነብርን፣ ብግዴታ – ሕጂ’ውን – ካብ መሬቱ ንኽወጽእ ዝግበር ዘሎ ፈተና” ዓሚቕ ሓዘን ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ቅዱሰንቶም “ነቲ ‘ኣይትቕተል’ ኢሉ ዝኣዘዘ ከሃሌ ኵሉ ጎይታ እናሓሰቡ “ኩሉ ሰብኣውነት” ክምስክር ጻውዒት ኣቐሪቦም፣ “ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ክሕሎን ዝግባእ ዘይግሃስ ክብሪ ኣለዎ - ቢሎም - ተኹሲ ደው ክብል፡ ምሩኻት ክፍትሑ፡ ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገባብ ብዝግበር ዘተ ፍታሕ፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር” ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጽዋዒት አሐዲሶም፡ “ኣብ ቀረባ እዋን ወጋሕታ ሰላምን ፍትሕን ምእንቲ ክረጋገጽ” ኩሉ ሰብ ኣብ ጸሎቶም ክሓብሩ ከም ዝዓደሙ ኣፍሊጡ።

22 Sep 2025, 16:14