ድለ

2025.09.15 ሊቀ ጳጳሳት ፒየሮ ፒዮፖ 2025.09.15 ሊቀ ጳጳሳት ፒየሮ ፒዮፖ  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ስጳይናን ኣንዶራን ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ሰምዮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሊቀ ጳጳሳት ፒየሮ ፒዮፖ ኣብ ስጳይናን ርእሰ ምምሕዳር ኣንዶራን ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መገልጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካመሩንን ኤኳቶሪያል ጊኒን ደሓር ኣብ ኢንዶነዥያን ኣብ ውድብ ሃገራት ደኡባዊ ምብራቕ እስያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ቶርቸሎ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ፒየሮ ፒዮፖ ኣብ ስፓይናን ኣንዶራን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ እንክብሉ ዝሰመይዎም፣ ኣብ ሰሜን ኢጣሊያ ከተማ ሳቮና ኣብ 1960 ዓ.ም. ዝተወልዱን ብስነ ሃመንናዊ ቲዮሎጊያ ሊቕነት ዘመስከሩ፣ ኣብ 1985 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ካብ 1993 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ኣገልግሎት ምስ ጀመሩ ኣብ ኮርያ፣ ቺለ ከምኡ እውን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ተመዲቦም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 2006 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ተቕዋን ሃይማኖታዊ ተግባር በዓል መዚ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ኣዘካኺሩ፣ ኣብ ካሜሩንን ኢኳቶርያል ጊኒን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንክኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተመዙ ዕለት 25 ጥሪ 2010 ዓ.ም. ማዕርገ ጵጵስና ተቐቢሎም፣ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ኢንዶነዥያን ኣብ ውድብ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ክኾኒ ከም ዝሰመይዎምን ሊቀ ጳጳሳት ፒዮፖ ቋንቋ ጣልያን፡ እንግሊዘይናን፡ ፈረንሳን ስጳይናን ከም ዝዛረቡ እውን የመላኽት።

16 Sep 2025, 16:40