ር. ሊ. ጳ.፣ ኣብ ግዜን ጸጋን ኣምላኽ ተኣማመኑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ሓዲሮም ሎሚ ንግሆ ናብ መንበሮም ድሕሪ ምምላሶም፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝካየድዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ "ነፍሲ ወከፍ ልምሰትን ዕጽዋን ግዜ ንኣምላኽ እንተ ኣወፊናዮ ናይ ጸጋ ግዜ ክኸውን ይኽእል ኢዩ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓመተ ኢዮቤል "ኢየሱስ ተስፋና እዩ" ዝብል ተኸታታሊ ትምህርተ-ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ውን ኣብ ምሥጢር ቀድም-ሥዑር ማለት መዓልቲ ዓብዪ ጸጥታን ናይ ሓጐስ ትጽቢትን ኣተኲሮም ኣስተምሃሩ።
'ደው ክንምብል ከነዕርፍን ኢና እንቃለስ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ቀዳም-ሥዑር እውን "መዓልቲ ዕረፍቲ" ምዃና ኣዘኻኺሮም "ደው ንምባልን ከነዕርፍን ኢና እንቃለስ" ውን በሉ።
ከምቲ ኣምላኽ ንኣድማስ ድሕሪ ምፍጣሩ ዘዕረፈ፣ ቅዱስነቶም ከም ዘስተንተንዎ፣ ወልድ ውን ነቲ ናይ ድሕነት ዕዮ ምስ ፈጸምን ክሳዕ መወዳእታ ከም ዘፍቀረና ድሕሪ ምግላጹን ኣዕረፈ።
ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሕና እውን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ህድኣትን ዕረፍትን ክንረክብ እኳ እንተ ተዓደምና መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነዚ ነጺግናዮ ክንጐዪ ኢና እንርከብ።
ደው ንምባልን ንዕረፍትን እንገብሮ ቓልሲ
"ህይወት ፈጺሙ እኹል ከም ዘይኰነ ጌርና ኢና እንነብር ዘለና። ንምፍጣር ባዕልና ንቕድሚት ክንስጕምን ንጽዕር ኢና። ይኹን እምበር "ወንጌል ብኸመይ ደው ከም እንብል ምፍላጥ ክንገብሮ ዘሎና፣ ተኣማንነት ከም ዝዀነ እዩ ዝምህረና" ክብሉ ውን ኣረጋገጹ።
ቀዳም-ሥዑር ህይወት ኵሉ ሳዕ ኣብቲ እንገብሮ ነገራት ዘይኰነስ፣ ኣብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ከም እንርሕቕ እውን ክንግንዘብ ይዕድመና እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ነዚ መስርሕ እዚ ምስቲ ኣብ ምድሪ ወይ ቅድሚ ወጋሕታ ዘሎ ዝተዘርአ ዘርኢ ብምንጽጻር ድማ፣ "ኣብ መቓብር እቲ ህያው ቃል ኣቦ ዝዀነ ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስቕ ኢሉ ነበረ። እንተዀነ ግን ኣብቲ ጸጥታ እቲ እዩ፣ እቲ ሓድሽ ህይወት ክበኵዕ ዝጅምር" በሉ።
እቲ ዘይጠቅም ዝመስል ግዜና እውን ኽቡር ኪኸውን ይኽእል እዩ
ስለዚ እቲ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ "ኣምላኽና ናይ ምጽባይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፣ ነቲ ዚሐልፍ ዘመን ኣይፈርህን እዩ " ክብሉ ኣስመሩሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም፣ "ስለዚ እቲ 'ዘይረብሕ' ግዜና ዕረፍቲ ባዶነት መኻን እዋናት እውን እንተ ዀነ፣ ማሕጸን ትንሳኤ ኪኸውን ይኽእል እዩ" ብምባል ኣስተምሃሩ።
ኵሉ ነገር ምስ ተድኣና እውን ከይተረፈ ምትእምማን
"ነፍሲ ወከፍ ግዜ ልምሰትን ተዓኒድካ ምትራፍን፣ ንኣምላኽ እንተ ኣወፊናዮ ናይ ጸጋ ግዜ ክኸውን ይኽእል ኢዩ" በሉ፣ ከመይሲ "እቲ ኣብ ምድሪ እተቐብረ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ትሑት ገጽ ኣምላኽ፣ ናይቲ ንዅሉ ቦታ ዘይሓዘ ኣምላኽ ኮይኑ" ከምኡውን "ነገራት ብባዕሎም ክኾኑ ዝፈቅድን ዝጽበን ሓርነት ክህበና ገለል ዝበለ ኣምላኽ ኢዩ" በሉ።
በዚ ኸምዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ "ኵሉ ነገር እተወድአ እኳ እንተ መሰለ እንተኣማመኖ ግና ንሱ እዩ" በሉ።
ኣምላኽ ኣብቲ ህድኡ ግዜ እምነት እዩ ዚዓዪ
ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ካብዚ ፍጻመ እዚ ክመሃሩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ እዚ ኸኣ "ዳግም ንምትንሳእ ተሃዊኽና ኽንቅበሎ ኣየድልየናን እዩ፣ ቅድም ቀዳድም ክንጸንሕን ንስቕታ ኽንቅበሎን ኣሎና" ከምኡውን "ኣብ ድሩትነትና ክንሕጸት ክንፈቕድ ኣሎና" በሉ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅልጡፍ መልስን ቅልጡፍ መፍትሒታትን ክንደሊ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና "ኣምላኽ ኣብ ግዜ እምነትና ብዕምቈት እዩ ዚዓዪ" ብምባል ኣጕልሑ።
