ር. ሊ. ጳ.፦ 'ኣዝዩ ዝኸበረ ሕልምና ሰላም ደአ እምበር ግጭት ኣይኮነን'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰሉስ ዕለት 9 መስከረም፣ ናብቲ ካብ ዕለት 6-12 መስከረም ኣብ ዳካ ባንግላድሽ "ዋዕላ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝርርብን ስኒትን" ብዝብል ኣርእስቲ ናብ እተኸየደ ዓውደ መጽናዕቲ መልእኽቲ ለኣኹ።
ካርዲናል ጆርጅ ኩቫካድ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ውህደት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ምስ ዋና ጸሓፊ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኢንዱኒል ጃናካራትኔ ኮዲቱዋኩ ካንካናማላጅ ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፎም ንመልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣመሓላለፉሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ምይይጥን "ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ባህሊ ስኒትን ንምድንፋዕ" ዝብል ፍረ ነገር ናይቲ ኣኼባ ከም ዝድግፍዎ ብምግላጽ፣ ነቶም ተሳተፍቲ "ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘራግፍን ትሑትን ጽኑዕን" ሰላም ክረኽቡ ተመነዩሎም።
እቲ እተመርጸ ፍረ ነገር "ሰብኣዊ ማሕበረሰብና ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ መበቈልን ዕድልን ብሓቂ ሓደ ምዃኑ ኻብ ምእማን ዝመንጨወ እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም፣ ሰብኣዊ ስድራቤት ባህሊ ስኒትን ሰላምን ንምምዕባል ዕድልን ሓላፍነትን ከም ዘለዎም ብምግላጽ፣ "ባህሊ" ክበሃል እንከሎ ብኽልተ መገዲ ክውሰድ ከም ዝኽኣል ውን ጠቒሶም።
"ባህሊ ነፍሲ ወከፍ ሕዝቢ ዝልለየሉ ሃብታም ውርሻ ስነ-ጥበብን ኣተሓሳስባን ማሕበራዊ ተቕዋምን ኬመልክት ይኽእል እዩ" በሉ። "እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ወሲኾም ድማ ባህሊ ዕቤት ከም ዚቕጽል ዝገብር ሃዋህው ጌርካ ክርአ ይከኣል እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሃይማኖታውያን ኣመንቲ "ብርሃን ሓቅን ማይ ልግስን ሓመድ ናጽነትን ፍትሕን ብምርካብ" ምእብልና ዚድግፍ ባህሊ ብጥንቃቐ ኼማዕብሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ኣብ መንጎ ባህልታት ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ዝሰዓረሉ እዋናት ጠቒሶም ድማ፣ ዘይምስምማዕ ዝመልኦ ኽርዳድ ንሰላም ከም ዝሓንቆ ገለጹ።
"ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዚግበር ምይይጥ፣ ብሓባር ኴንና ኸም መሻርኽቲ መጠን፣ ከም ሰራሕተይናት ግራት ኣምላኽ መጠን ኢና ነዚ ሕውነት እዚ ውህደት እዚ ብዝከናኸን ዝርርብ ፍርያም ከም ዚኸውን ከም እንኣምን ዝገብረናን፣ ነቲ ኽርዳድ ካብ ጽልኢ ንምጽራይን ድማ ዝሕግዘና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ባንግላድሽ እተገብረ ናይ ምትሕባር ሃይማኖታት ዋዕላ፣ ኣብ እምነት ወይ ድሕረ ባይታ ብዘሎ ፍልልያትና ምክፍፋል ከም ዘየድልየና "ጽቡቕ ምስክርነት" ገይሮም ነኣድዎ።
እተፈላለዩ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዘለዎም ሰባት፣ ኣብ ዝርርብ ንሓድሕዶም ኪራኸቡ ኸለዉ ኣንጻር ምክፍፋልን ጽልእን ዓመጻን ይሓብሩ ኸም ዘለዉ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ካልኦት ዘይምትእምማን ኣብ ዝዘርኡሉ ቦታ ንሕና ግና ምትእምማን ኢና እንመርጽ" በሉ። "ካልኦት ፍርሂ ኼማዕብሉ ኣብ ዚኽእሉሉ ቦታ፣ ንምርዳእ ንጽዕር ኢና። ካልኦት ንፍልልያት ከም ዕንቅፋት ገይሮም ዝርእይዎ እንተ ደአ ዀይኖም፣ ንሕና ግና ንሓድሕድና ዘበልጽገና መገዲ ጌርና ኢና እንርእዮ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ናይ ስኒት ባህሊ ሓባራዊ ሓሳባት ምህላው ጥራይ ዘይኰነስ ሓባራዊ ተመክሮታት ከም ዝሓትት ውን ገለጹ።
ሓደ ሓቀይና መለክዒ ናይቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ምሕዝነት፣ እተፈላለዩ እምነት ዘለዎም ሰባት ነቶም ኣብ ግዜ ባህርያዊ ሓደጋታት ወይ ዜሕዝን ፍጻመ እንክርከብ ብሓባር ደው ኢሎም ዝነበሩን፣ ኣብ ባንግላድሽ ንዘለዉ ተኣፈፍቲ ሕብረተሰብ ንምግልጋል ብሓባር ኪዓዩ ኸለዉን ምዃኑ ገለጹ።
"ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባታዊ ተበግሶ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት፣ ኣብ መንጎ ክልሰ-ሓሳብን ልምድን፣ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ድልድል ይሃንጽ፣ በዚ ኸምዚ ኵሎም ሕዝብታት ባንግላድሽ፣ ካብ ምጥርጣር ናብ ምትእምማን፣ ካብ ግሉልነት ናብ ምትሕብባር ክሰጋገሩ ይኽእሉ እዮም" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ሓቢራ፣ ብመገዲ ሰላምን ምይይጥን ክትመላለስ ዝገበረቶ ቘራጽነት ውን ኣሐደስዎ።
"ሓድሓደ ግዜ ዘይምርድዳእ ወይ ዝሓለፈ ቝስሊ ንስጕምትና ኼድንጒ ይኽእል እዩ" በሉ። ግናኸ ንሓድሕድና ንተባባዕ ኢና። ነፍሲ ወከፍ ጉጅላዊ ምይይጥ፣ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓባር ኣገልግሎት፡ ውጥን ወይ ሓባራዊ መኣዲ ነፍሲ ወከፍ፣ ንጐረቤትና ዝኾነ ካልእ ሃይማኖት ብእነርእዮ ኣኽብሮት፣ ማለት ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ 'ስልጣነ ፍቕሪ' ክብሉ ዝጸውዕዎ ኢዩ።"
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ዳካ ተጋቢኦም ዝነበሩ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘለዎም ሕውነታዊ ፍቕሮም ኣረጋገጹሎም፣ ኣምላኽ ንባንግላድሽ "ብእናዓበየ ዚኸይድ ስኒትን ሰላምን" ኪባርኻ ብምጽላይ ድማ መልእኽቶም ዛዘሙ።ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ዳካ ተጋቢኦም ዝነበሩ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘለዎም ሕውነታዊ ፍቕሮም ኣረጋገጹሎም፣ ኣምላኽ ንባንግላድሽ "ብእናዓበየ ዚኸይድ ስኒትን ሰላምን" ኪባርኻ ብምጽላይ ድማ መልእኽቶም ዛዘሙ።