ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንማሕበረሰብ መጽሔት ‘ካቶሊካዊ ስልጣነ’፣ ኣምላኽ ተስፋና ምዃኑ መስክሩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት መበል 175 ዓመት ዝኽሪ ቅዋመ ታሪኻዊት ናይ ኢየሱሳውያን ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየት ክልተ ሰሙናዊት መጽሔት ማሕበረሰብ ኣሰናዳእትን ስራሕተይናታትን ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ናይ ጐይታና ተስፋ ከመሓላልፉ ተማሕጺኖም፣ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ሓንቲ ካብተን ክሳብ ሕጂ ዘለዋ ጥንታውያን መጽሔታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኮይና፡ ብትእዛዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ታሽዓይ ዕለት 6 ሚያዝያ 1850 ዓ.ም. ተበጊሳ ካብ ሽዑ ጀሚራ ምስ መርገጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ብዓይኒ እምነት ክርስትና ታሪኽ፣ ፖለቲካ፣ ባህሊ፣ ስነ ፍልጠት ስነ ጥበብን ንምንባብን ንምትርጓምን እትሕግዝ መጋበርያ ኮይና ትቕጽል ኣላ - ቢሎም - በዚ መንጽር እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. Spe salvi - ብተስፋ ኢና ዝደሓንና ብዝብል እርስቲ ኣብ ደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ “ህይወትናን ታሪኽ ዓለምን ኣጋጣሚ ዝግደፍ ኣይኮነን። ሓልዮት ኣምላኽ ኣየቋርጽን እዩ። ኪኖ ኩሉ ውድቀት፣ ሕይወተይ ብሓይሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝጸንዐ ርግጸይናነት ከም ዘሎኒ እፈልጥ እየ። በዚ ኸኣ ኣብ ተስፋ እነብር፣ ዋላ . . . ኣብ ማእከል እትናወጽ መርክብ እውን እንተለኹ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ የቃልሑ።
ሞሳ ንመጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ
ቅዱስ ኣቦና እቶም ናይታ መጽሔት ኣሰናዳእቲ፣ እታ መጽሔት ካብ እተጀመረትሉ እዋን ንነዊሕ ዓመታት ንቅድስቲ መንበር ዘቕርብዎ እሙንን ለጋስን ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘበርከትዎ ዘላቒ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ዝኽሪ ፍልዩ ትርጉም ናይቲ መጽሔት የስተውዕሉ።
"ስራሕኩም ምስ ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ምስ ኣንፈታት ቅድስቲ መንበርን ተሰማሚዑ፡ ኣብ ዓለም ባህሊ ህልው ንኽኸውን ኣበርክቶ ይገብር - እቲ ኣበርክቶ እውን ይቕጽል ኣሎ - ቢሎም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ መጽሔት “መስኮት ዓለም” እንክብሉ ገሊጾም፣ “ሓደ ካብቲ ፍሉይ መለለእያ - ማለት - ብድሆታትን ፍልልያት ሓሳብን ኣብ ምግጣም ከይፈርሑ ኣብ እዋናዊ ፍጻመታት ናይ ምውፋር ክእለቶም” ዘደንቕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንዝሓሸ ሕብረተሰብን ዓለምን ኣብ ምህናጽ ናይ ምምሃር ሓላፍነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንማሕበረሰብ ዝኸውን ሰለስተ ቀንዲ መዳያት እንከስተንቱ፡ ሰባት ኣብ ዓለም ብብልሕን ንጡፍን ጽምዶ ምምሃር፡ ንውሁዳንን ንዝተገለሉን ድምጺ ምሃብ፡ ከምኡ’ውን ኣዋጅ ተስፋ ምዃን እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ቅዱስነቶም ብቐዳምነት “እቲ እትጽሕፍዎ ንኣንበብትኹም ነቲ እንነብረሉ ዘሎና ዝተሓላለኸ ሕብረተሰብ ብዝበለጸ ንኽርድእዎ ክሕግዞም ይኽእል እዩ፣ ብርቱዕን ድኹምን ጎድንታቱ እናገምገምኩም” እንክብሉ ኣስሚሮም፣ ከምኡ ብምግባሩ፡ እቲ ዘቕርቦ ገምጋም ኣንበብቱ ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ሓዊሱ ኣብ ከም ማሕበራዊ ፍትሓውነት፡ ስድራቤት፡ ትምህርቲ፡ እደ ጥበባዊ ለውጢ፡ ሰላም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ንሕብረተሰብ ከቕርቡ ከም ዘኽእሎም ኣመላኺቶም፣
መሰረታዊ መዳይ ሕይወትን ተልእኾን ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን
ናብቲ ካልኣይ ነጥቢ ማለት ድምጺ ንዘይብሉ ድምጺ ምዃን ናብ ዝብል ኣምር ኣቕኒዖም፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ “ድምጺ ድኻታትን ዝተገለሉን ምዃን” ዝብል ዕማም፣ “መሰረታዊ መዳይ ሕይወትን ተልእኾን ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን እውን እዩ - ቢሎም - ሕብረተሰብ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ዝግለሉ ሰባት ክዝክር ከም ዘለዎ ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ ነዚ ተልእኾ ብሓቅነት ንምንባር፡ ነቶም ዝሳቐዩ ብትሕትና ምስማዕን ምቅርራብን የድሊ። በዚ መገዲ እዚ ጥራይ እዩ ንነፍሲ ወከፍ ዓንኬል ተነጽሎን ጽምዋን ጸማምነትን ስውርነትን ሰቢርካ፡ እሙንን ትንቢታውን መቓልሕ ድምጺ እቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ሰባት ምዃን ዝከኣል” ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
'ናይ መወዳእታ ተስፋና ኣብ ክርስቶስ'
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካቶሊካዊ መጽሔት ኣብሳት ተስፋ ክትከውን ተላብዮም፣ "እዚ ማለት ነቶም ድሕሪት ዝተረፉ ዘይምግዳስን ነዞም ዝተጠንጠኑ ሰባትን ንሕጋዊ መጻኢኦምን ድሌታቶምን ጠበቓ ምዃን ማለት እዩ" ከምኡውን "ነቶም ሓድሽ መገድታት ክስዕቡ ከም ዝኽእሉ ዘይኣምኑ ዝነብርዎ ተስፋ ምቝራጽ ክስዕሩ ምሕጋዝ ማለት እዩ - ቢሎም - ንዓና ድማ "እቲ ናይ መወዳእታ ተስፋ ክርስቶስ፡ መገድና እዩ፡ 'መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ' (ዮሃ 14፡6)" እንክብል ከም ዘመልከቶ እንክብሉ ገሊጾም፣ “ኣብኡን ምስኡን ኣብ ጉዕዞና ዕጹው መገዲ የለን፡ ክውንነታት እውን - ክሳብ ክንደይ ከቢድ ይኹን ዝተሓላለኸ እውን ይኹን - ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብተኣማንነት ከነፍቅሮምን ክዓግተና ወይ ከሰናኽለና ዝኽእል የሎን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣጠማምታ ክርስቶስ ኣብ ዓለም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሔት ዘቕረብዎ ክልተ ተዘከርቲ ኣስተንትኖ እናሓሰቡ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ማሕበረሰብ ኣሰናዳእቲ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ "ብሓጎስ፡ ብጀካ ኣብ ተእኣማንነት ንወክጌል ኣብ ካልእ ተኣማንነት ዘይጸንዕ መለለዪ ቕኑዕ ጋዜጠይናነት" ወትሩ ክሕዙ ኣዘኻኺሮም ከም ዝነበሩን፡ ሓደ "መጽሔት ብሓቂ 'ካቶሊካዊ' ዝኸውን፡ ኣብ ዓለም ናይ ክርስቶስ ኣጠማምታ እንተሃልይዋ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ኣጠማምታ ምስ ዘመሓላልፍን ዝምስክርን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ" ከም ዝበሉ ብኣጽንዖት ኣስሚሮም፣ በዚ ስምዒት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ “እዘን ቃላት እዚኣተን ተልእኾኹም ብሓጺሩ ዝገልጻ እየን: ኣጠማምታ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ምርዳእ: ምዅስኳስ: ምትሕልላፍን ምስክርነት ምሃብን ንዝብል ተልእኾኹም ብሓጺሩ ዝገልጻ እየን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
