ድለ

2025.09.23 Convegno internazionale esorcisti sacrofano 2025 2025.09.23 Convegno internazionale esorcisti sacrofano 2025 

ር. ሊ. ጳ. ንኣውጻእያነ ኣጋንንት፡ “ኣገልግሎትኩም ኣድላዪን ተነቃፊን እዩ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ኣብ ጥቃ ከተማ ሮማ ናብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ጉባኤ ማሕበር ኣውጻእያነ ኣጋንንት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነቶም ተሳተፍቲ ብጸሎት ምንጋፍን ምጽንናዕን ኣቢሎም ነቶም ብኽፉኣት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ምእመናን ኬሰንይዎም ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራትሁ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰሉስ ዕለት 23 መስከረም፣ ነቶም ካብ ዕለት 15 ክሳዕ 20 መስከረም ኣብ ጥቓ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ማእከል መንፈሳውነት "Fraterna Domus" ኣብ እተኻየደ መበል 15 ኣህጉራዊ ጉባኤ ማሕበር ኣውጻእያነ ኣጋንንት (AIE) ናብ እተሳተፉ ካህናት ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ኣብቲ ጉባኤ ካብ ኵለን ኣህጉራት ዝመጹ ኣስታት 300 ዝዀኑ ካህናትን ተራዳእቲምን ተረኺቦም።

ኣብ ልዕሊ እቲ እኩይ እተረኽበ ዓወት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣገልግሎት ኣውጻኤ ኣጋንንት "ተነቃፊ" እዃ እንተኾነ ግን ከኣ "ኣዝዩ ኣድላዪ" ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ካህናት "ነዚ ተልእኾ እዚ ከም ኣገልግሎት ምንጋፍን ምጽንናዕን  ገይሮም ክነብርዎ ኣተባብዕዎም፣ ነቶም ብሓቂ በቲ እኩይ እተታሕዙ ምእመናን ብጸሎትን ክምኡ ውን ኣምላኽ ካብቲ እኩይ ምእንቲ ከናግፎም ብውጽኢታዊ ጻውዒት ህላወ ክርስቶስ ኬሰንይዎም ኣተባብዕዎም።

እቲ ጉባኤ ናይ ምስማዕን ኣስተንትኖን እዋናት ዘጠቓለለ እዩ ዝነበረይሩ፣ ኣብኡ ድማ ኣገዳስነት ኣገልግሎት ምውጻእ ኣጋንንቲ፣ "ቤተ-ክርስትያን ነቶም ብኽፉኣት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዋ ፍቕሪ እትገልጸሎም ጭቡጥ ምልክት እዩ" ክብሉ ውን ኣተረገጹሎም።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ሳክሮፋኖ ኣብ ዝዓረፈ መሥዋዕተ ቅዳሴ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሥርዓተ ኣምልኾን ምዕዳል ምስጢራትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣርቱር ሮቸ፣ ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም፣ ኣብ ዝለገሱሎም ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ነቶም ብሰንኪ መናፍስቲ ድያብሎስ ዚሳቐዩ ሰባት፣ ኣብ ስቓዮም ብምሕባር ኣብ ስቓይ ክርስቶስ ከም ዝሳተፉ ብምግላጽ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሥርዓተ ምውጻእ ኣጋንንት ዘተኮረ ኣስተንትኖ ኣካፈልዎም።

24 Sep 2025, 15:49