ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ እምነት ገርሀይናታት ንቤተ ክርስቲያን ይመርሓ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 27 መስከረም ቀዳም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ናይ ኢዮቤል ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገሱሉ መደብ ኣብቲ ካብ ዕልት 26-28 መስከረም ኣብ ዝካየድ መዓልቲ ኢዮቤል መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ዝሳተፉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝሓበሩ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ትርጕም እምነት ብሰፊሑ ከም ዘስተንተኑን እዚ ድማ ከም "ሻድሻይ ህዋስ ናይ ተራ ወይ ገርሀይና ሰባት ንነገራት ኣምላኽ ናይ ምስትውዓል ባህርይ ዝገልጽ ናይ እምነት ስምዒት - ገምራውነት በሰፊሕ ከም ዘስተንተኑ ኣመላኺቱ፣ “ኣምላኽ ገርሀይና እዩ ንገርሀይናታት ድማ ይገልጸሎም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ምእማን ናይ ዘይምግጋይ ኵነት ኣሎ፣ ናይዚ ዘይተጋጋዪነት ህዝበ እግዚኣብሔር ናይቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘይተጋጋዪነት መግለጽን ኣገልግሎትን እዩ” ከም ዝበሉን፣ ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ግጭት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣመሓዳሪ ከተማ ሚላኖ ኮይኖም ዘገልግሉ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ቅዱስ ኣምብሮጽዮ ኣቕኒዖም፣ ከም በርገሳዊ በዓል ስልጣን መጠን ኣብ ወሳኒ እዋን ኣብ ምምራጽ ሓድሽ ጳጳስ ሚላኖ ጣልቃ ብምእታው ነቲ ዓቢ ናይ ምስማዕን ምሽምጋልን ክእለቱ ተጠቒሙ ኣብ ምእመናን ህድኣት ከምጽእ ክኢሉ እዩ። ሓደ ሕጻን "ኣምብሮጽዮ ጳጳስ!" ኢሉ ኸም ዝጨደረን ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ምስቲ ናይቲ ሕጻን ድምጺ ከም ዝሓበሩ ኣፈ - ታሪኽ ይነግና። “ኣምብሮጽዮ ግና ዘይተጠመቐን፣ ንኡስ ክርስቲያን ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ማለት ምስምጢረ ጥምቀት ንኽቕበል ይዳሎ እዩ ዝነበረ፣ እንተኾነ ግን ህዝቢ ኣብዚ ሰብ እዚ ረዚን ነገር ተረዲኡ ጳጳሱ ክኾኖ መረጾ። በዚ ኸምዚ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ጳጳሳታ፡ ከምኡውን ሊቅ ቤተ ክርስቲያን ረኺባ እያ።"
ኣምብሮጽዮ ፈለማ ኣበዩ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ካብታ ኸተማ ከም ዝሃደመን ድሓር ግና ካብ ኣምላኽ እተላእከ ጻውዒት ምዃኑ ምስ ኣስተውዓለ ኪጥመቕን ጳጳስ ኪኸውን ኪሽየምን ፈቐደ - ቢሎም - ቅዱስነቶም በቲ “ንኣሽቱ” ንቤተ ክርስቲያን ዝሃብዎ ዓቢ ህያብ ተደኒቖም፣ “ሎሚ እውን እዚ ክንልምኖ ዝግበኣና ጸጋ እዩ: ነቲ ዝተቐበልናዮ ጸዋዕታ እናነበርና ክርስትያን ክንከውን!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ከም ወለዲ፡ ሰብ ሃብቲ፡ ሰራሕተይና፡ መምህራን፡ ካህናት ወይ ገዳማውያንን ገዳማውያትን መጠን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በቲ ዝመረጾ መንገዲ ክርስትያን ክኸውን ከም ዝጽዋዕ ኣመልኪቶም፡ ሰባት ብሓቂ ክርስትያን ዲና ኣይኮናን ብሓቂ “ክስምዖም” ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎም፣ ቅዱስ ኣምብሮጽዮ ጸዋዕታኡ ድሕሪ ምቕባሉ እምነት ብቓልን ህይወትን ዝምስክሩ ኣለዓዓለ፣ ሓደስቲ መገድታት ምዝማርን ምድጋም መዝሙረ ዳዊትን ዜማን ናይ ሊጡርጊያን ስብከትን ድማ ፈጠረ፣ ስብከት ቅዱስ ኣምብሮጽዮ ንባዕሉ ጳጳስን ሊቕ ቤተ ክርስቲያንን ዝኾነ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ከይተረፈ ናብ ሃይማኖት ኣምጽኦ። ንሱ ባዕሉ ብኸመይ ከም ዚርድኦ ይፈልጥ ነይሩ በዚ ኸምዚ ድማ ተስፋ እናበዝሐ ኸደ፣ እዚ ድማ ኣስተውዕሎን ገምርን ዝግበረሉ መገዲ ተስፋ እዩ፦ ኣይንረስዓዮ! - ምስ በሉ - ኣምላኽ ንቤተ-ክርስትያኑ ከም ዘስፋሕፍሓ ከምኡውን በቲ ‘sensus fidei - ገምራዊ ናይ እምነት ስምዒት’፡ ማለት ብእምነት ህዝቢ ኣምላኽ ኣቢሉ ሓድሽ መገድታት ከም ዘርኣያ ኣረጋጊጾም። "ምስትውዓልን፡ ገምርን፡ ናይቶም ንኣሽቱ ባህረት ናይ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ፣ "ኢዮቤል በገላልጻ ወንጌል ንኣሽቱ ንኽንከውንን ሕልምታት ኣምላኽ ከነስተውዕሎን ከነገልግልን ይሓግዘና!” እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ኢዮቤል ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህረ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
