ድለ

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ንፍጥረት ምክንኻን ጸዋዕታና እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቦርጎ ስቡህ ኣንተ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ መሪቖም፣ ብዛዕባ እቲ ስፍራ ኣታኽልትን ከምኡውን ብዛዕባ ዘይንጸል ሥነ ኣከባቢያዊ ዕቃበን ክንንክንን ዝተገብረ ውጥን ድማ ከም "ዘርኢ ተስፋን" ከምኡውን ከም ምሳሌ ኣከባቢያዊ ለውጢ ገይሮም ገለጽዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ዓርቢ ነቲ ኣብ  ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ሥፍራ ኣታኽልቲ ቦርጐ ስብህ ኣንተ ከም "ዘርኢ ተስፋን" ከምኡውን ንሥነ ኣከባቢያዊ ለውጢ ዝኸውን ጭቡጥ መርኣያ ገይቶም ገለጽዎ።

እቲ ብመጀመርታ እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተሓስበ ውጥን መንፈሳውነትን ትምህርትን ታሪኽ ተፈጥሮም፣ ስነ-ጥበብን ከምኡውን ቀጻሊ ሓድሽ ምህዞታት ዘጣምር ክኸውን ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ቤተ-ክርስትያን ንፍጥረትን ነቶም ተነቀፍትን ንምክንኻን ዝገበረቶ ቘራጽነት ህያው ምስክር ዝኸውን ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ቐንዲ ኣፍ ደገ እቲ ህንጻ ምስ በጽሑ፣ በቶም መዓልታዊ ንነጋድያንን በጻሕትን ዜገልግሉ ሰባት ድሙቕ ተቕባል ተገብረሎም። በቲ አዕዋም እተተኽለሉ መገዲ እናተመላለሱ ድማ ንስድራቤታት ሰላምታ ብምቕራብ፣ ነቲ ጸኒሑ "እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም" ክብሉ ዘቕረብዎ ቐንዲ ፍረ ነገር ህይወት ኣካፈልዎም፣ እዚ ድማ ንፍጥረት ምስ ሓድነትን ሰብኣዊ ኽብርን ሕብረት ከም ዚህልዎ ዚገብር መሰረታዊ ሥርዓት እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስፍራ አታኽልቲ ቦትጎ ስቡህ ኣንተ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስፍራ አታኽልቲ ቦትጎ ስቡህ ኣንተ   (@Vatican Media)

ምሉእ ሥነ ኣከባቢ ኺህልወና ጻውዒት ምቕራብ

ቅዱስ ኣቦና ንዝገበርዎ ዑደት ብናይ ኤለክትሪክ መኪናኦም ቐጸልዎ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ውጥን ብቐጻሊ ንኽንቀሳቐስ ቈራጽነት ከም ዝገበሩ ዝሕብር ኢዩ ዝንበረ ። ኣብታ ኣብ መጀመርታ ኽረምቲ ነቲ ናይ መጀመርታ ሥዋዕተ ቅዳሴ ምስቲ ንባህሊ ፍጥረት እተወፈየ ሓድሽ ጸሎት መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉላ ታሪኻዊት ንእሽቶ ሓቀልቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እትርከብ ምስ በጽሑ ሓንሳእ ደው ኢሎም ጸሎት ኣዕረጉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ስፍራ እዚ "ባህርያዊ ካተድራል" ክብሉ ብምጽዋዕ ንዅሎም ሰባት ብዛዕባ ኣነባብራኦምን ንሓባራዊት ቤትናን ኣብ ምክንኻን ዘሎና ዝያዳ ሓላፍነት ኬስተንትኑ ብምምሕጻን ሥነ ኣከባቢያዊ ለውጢ ኺገብሩ ኸም ብሓድሽ ዓደምዎም።

በቲ ስፍራ ኣታኽልትን ጥንታዊ ህንጻታትን እናሓለፉ ድማ ምስ ሰራሕተኛታትን ስድራቤቶምን ተራኸቡ፣ ስለቲ ነታ ንምድሪ ዝገበርዎ ኽንክን ከምኡውን ስለቲ ኣብዚ ቦርጎ እዚ ዝፈረዩ ልዕሊ 3,000 ዝኾኑ ኣትክልቲ ድማ ኣመስገንዎም ። ነቶም ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘሎ ራህያ ዘለዉ ዓሳታት ንምምጋብን ብዛዕባ ጽባቐ እቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ንምስትንታንን ድማ ደው በሉ።

ኣብቲ ፍሉይ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝርከበሉ ስፍራ ንሰራሕተኛታት ሕርሻን ንእተባረኹ እንስሳታትን እንተላይ ንገሊኦም ጽቡቓት ኣፍራስ ሰላምታ ብምሃብ ምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊን ንደቂሰባትን ከም ዚከናኸን ውን ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስፍራ አታኽልቲ ቦትጎ ስቡህ ኣንተ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስፍራ አታኽልቲ ቦትጎ ስቡህ ኣንተ   (@Vatican Media)

ኣብ ሥፍራ ፈልስታት እተገብረ ሥርዓተ ኣምልኾ

መዛዘሚ ናይታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሓድሽ እተሃንጸ ማእለያ ዘይብሉ ንጥረ-ነገራት ዘለዎ ናይ ጸዓት ህንጻ ኢዩ ዝነበረ፣ ኣባኡ ድማ በጺሖም፣ እዚ ህንጻ እዚ ማእከል ውጥን ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ብዘይካዚ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሓደ ንሥነ ኣከባዊያዊ ቀዋሚነት እተወፈየ እተፈላለየ ዓይነት ተበግሶታት ዘኣንግድ ዝለዓለ ትምህርታዊ ማእከል እዩ። ኣብኡ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣንድርያ ቦቸሊን ወዱ ማትዮን ብዘዳለውዎ ሙዚቃዊ መሰናድኦ እናተጸለየ መሥዋዕተ ቅዳሴን ሥርዓተ ቡራኬን ፈጺሞም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ብዛዕባ እቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል እንካብ ወንጌል ማቴዎስ እተወስደ ኣስተንቲኖም፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ነዕዋፍ ሰማይ ጠምቱ" ኸምኡውን "ዕምባባታት መሮር ጠምቱ" ብምባል ዘቕረቦ ጻውዒት ዘከሩ። ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ኣብ ውጥን ኣምላኽ ኣገዳሲን ንጹርን ግደ ኸም ዘለዎ ነፍሲ ወከፉ ኸኣ "ጽቡቕ" ምዃኑ ገለጹ።

"ንፍጥረት ምክንኻን ብሓቂ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ጸዋዕታኡ እዩ። ኣብ መንጎ ፍጥረታት ዘሎና ፍጥረታት ስለ ዝዀንና፣ ንዅሉ እቲ ፈጣሪ ዝፈጠሮ ኽንከናኸን ሓላፍነት ተዋሂቡና ኣሎ" ውን በሉ።

ቦርጎ ስብህ ኣንተ ናይ እምነትን ቀጻልነትን "ህያው ቤተ-ምርምር" ክኸውን ከም ዝዓለመ  ውን ኣጕልሑ።

"ሎሚ እንርእዮ ዘለና ነገር መንፈሳውነትን ዕለታዊ ህይወትን ሥነ ኣከባቢ ብስኒት ዚነብረሉ ዜደንቕ ጽባቐ እዩ። ናይ ቀረባን ቅርበትን ስፍራ ከአ ኢዩ፣ ፍረ ፍትሕን ሰላምን ክፈሪ ዝኽእል ዘርኢ ድማ ኢዩ " በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስፍራ አታኽልቲ ቦትጎ ስቡህ ኣንተ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስፍራ አታኽልቲ ቦትጎ ስቡህ ኣንተ   (@Vatican Media)

ምእንቲ ሥነ ፍጥረት ምጽላይ

እቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ብጸሎት ሥነ ፍጥረት ተዛዘመ፣ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ዘለዎ ሞሳ ንኼንቅሕ፣ መራሕቲ ነቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ንኼስፋሕፍሑ፣ ብርሃን ንኼብርሁ ከምኡውን ነቲ ደቅሰብ ንህይወት ንምዕቋብን "መንግስቲ ፍትሕን ሰላምን ፍቕርን ጽባቐን" ንምድላውን ዚገብርዎ ቘራጽነት ኬደልድሉ ብምሕታት ድማ ነቲ ዘካየድዎ ዑደታ ዛዘሙ።

ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣብ ካስትንል ጋንዶልፎ
08 Sep 2025, 18:23