ድለ

2025.09.14 Commemorazione dei martiri e testimoni della fede del XXI secolo

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፡ 'ኵሉ ሳዕ ንጐይታ ፍቓድ ደኣእምበር ፍቓደይ ኣይኹን' ኢየ ዝብሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ እቲ ኣብ ስግር መናድቕ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተኻየደ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት "ንዝኽሪ ሰማእታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለ-ዘመን"፣ ዕለተ ልደት ቅዱስነቶም ብምንባሩ ምቁር ሕብስቲ ብምቝራስ ልደቶም ኣኽቢሮም ካብቶም ኣባኡ እተረኽቡ ድማ ሠናይ ምንዮቶምን ህያባቶም ተቐቢሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ  ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብቲ ኣብ ስግር መናድቕ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ እተኻየደ ኢቁምናዊ መደብ ጸሎት ንዝኽሪ ሰማእታትን መሰኻኽር እምነትን  መበል 21 ክፍለ ዘመን፣ ምስ ካርዲናላትን መራሕሪ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ብምሕባር ተሳቲፎም፣ ደድሕቲ እቲ መደብ ጸሎት ድማ ዕለተ ልደቶም ከም ምንባሩ ምስኩሎም ኣባኡ እተረኽቡ ካርዲናላትን ካልኦት መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን መበል 70 ዓመት ዕለተ ልደቶም ብምዝካር ንዝተዳለወለሎም ምቍር ህብስቲ ቆሪሶም፣ ካብቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ ድማ ሰናይ ምንዮቶምን ህያባቶምን ተቐቢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንኣፈ ጉባኤ ናይ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዝኾኑ ንብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሬ ዘለዎም ምስጋና ገለጹሎም፣ ዕለተ ልደቶም ውን ምስ ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል ተሳንዩ ከም ዝኸይድ ድማ ኣስተንተኑ "ካብ መጀመርታ ጸውዓተይ ኣትሒዘ ኵሉ ሳዕ 'ጐይታየ ፍቓድካ ደአ እምበር ፍቓደይሲ ኣይኹን' ኢለ ኢየ ዝልምን ዝንበርኩ" በሉ።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብዛ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ እዚኣ፣ ምእመናን ዘለዎም ውዕዉዕ ስምዒት ንወንጌላዊ ተልእኾ ቤተክርስትያን ብዙሕ ፍረ ከፍሪ ክግብሮ ተስፋ ኣሎኒ" ብምባል "ነዛ መዓልቲ እዚኣ ብኢቁመናዊ ኩነት ከኽብር ብምኽኣለይ ዓሚቝ ሓጐስ ይስምዓኒ" በሉ፣ ኣስዒቦም ድማ ንዅላቶም ኣባኡ እተረኽቡ "መሰኻኽር ሓድነትን ጸጋን ተስፋን" ብምዃን ብሓባር ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓጺር መደብ ምቝራስ ምቁር ሕብስትን፣ እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ዝዘመሩሎም ምዝሙር ልደቶምን፣ ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ነቶም ኣብ ኣፍደገ እቲ ባዚሊካ ዝጽበይዎም ዝንበሩ ሕዝቢ ሰላምታ ንምሃብ ንገለ ደቓይቕ ምስኣቶም ብምጽናሕ ዕለተ ልደቶም ጸምበሉ።

15 Sep 2025, 16:57