ር..ሊ.ጳጳሳት፦ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ንጉዕዞ እምነትና ኣብ ምሉእ ህይወትና የሰንዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰንበት ዕለት 28 መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበዓል ኢዮቤል መምሃራትን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 16፥ 19 – 31 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ እዚ ምዕራፍ እዚ ዛንታ ሓደ ሃብታምን ድኻ ኣልኣዛርን ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ኣብ 2016 ኣብቲ ንምሕረት እተወፈየ ዓመተ ኢዮቤል ዝተነበ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ በዚ ናይ ወንጌል ክፍሊ ኣቢሉ ኢየሱስ ንዓለም ከመይ ከም ዝርእያ የመላኽት፣ እቲ ምንባብ ሓደ ሰብ ኣብ ጻዕሪ ሞት እንከሎ ኣኽላባት ቍስሉ ኺልሕሱ እንከለዉን ብኻል ሸነኽ ድማ ሓደ ካልእ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ስግር እቲ ማዕጾ ምዕሩግ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ብስሰዓ ክምገብ እንክብሎ ዘርእይ ኮይኑ፣ "ኣብ ድርኵዂት ናይ ሎሚ ምዕባለ ብውግእን ምዝመዛን ዝዓነዉ ናይ መላእ ህዝብታት ስቓይ ኣሎ፣ ካብ ዝሓለፈ ዘመናት ዋላ ሓንደ ዘተቐየረ ኣይመስልን፣ ብዙሓት ኣልኣዛር፣ ሃብታማት ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ዘሎ ሓሳርን መከራን ዕሽሽ ኪብልዎ ኸለዉ ዚሞቱ እኳ እንተ ዀኑ፣ ኣምላኽ ንኽልቲኡ ብዝህቦ ፍትሒ ኣቢሉ ንስቓይ ድኻታትን ንሃብታማትን ከም ዜጥፍእ የረጋግጸልና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ሞት እቲ ሃብታም ሰብኣይ ንኣልኣዛር ኣብ ጥቓ ኣብርሃም ምስ ረኣዮ፣ ንኣሕዋቱ ብዛዕባ ዕጫኦም ከጠንቅቖም ለመኖ። ኣብርሃም ግን፡ ህያዋን ሙሴን ነብያትን ከጠንቅቕቖም እዮም እንክብል ከም ዘመለሰሉ ኢየሱስ ኣብቲ ዝተነበ ወንጌል ይነግረና። "ንሙሴን ነብያትን ምስማዕ ኪበሃል እንከሎ ትእዛዛትን ተስፋታትን ኣምላኽ ምዝካር ማለት እዩ፣ እቲ መሰናድዎ ንዋላ ሓደ እኳ ዘይንጽልን ንኹሉ ዝምልከትን እዩ፣ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ስለ ዝተንስአ በዚ ድማ ህይወት ኵሉ ሰብ ኪልወጥ ከም ዚኽእል ወንጌል ይነግረና - ምስ በሉ - ትንሳኤ ኢየሱስ ዘድሕነናን ቤተ - ክርስትያን ብመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣቢላ ኽትእውጆ ዘለዋ ሓቂ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ነዚ ሓቂ እዚ ምፍቃር ምስ እንመሃር ንወንጌል ክንርድኦ ንኽእል ኢና፣ በዚ ድማ ልብና ይልወጥን ንኣምላኽን ንብጻይናን ክፉት ይኸውንን . . . ዝበሉ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ብዛዕባ ትርጕም እታ “መምህር ትምህርተ ክርስቶስ እትብል ቃል፣ "ዓው ኢልካ ምምሃርን ምቅላሕን" ዝብል ትርጉም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል እያ ዝመጸት። መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ማለት ወለድና ይኹን ኣገልጋሊ ቤተ - ክርስትያን ብዘየገድስ ነቲ ቓል ብህይወቱ ዚእውጅ ሰብ ማለት እዩ፣ . . . ኩላትና በቶም ቅድሜና ዝኣመኑ ምስክርነት ክንኣምን ተማሂርና ኢና፣ "ኣብ ቍልዕነትን ሕሉፍ ሓሊፉ ክሳብ ኣብ እርጋን መምሃራን ትምህርተ ክርስትስ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ዚቕጽል ጕዕዞ ብምክፋል ብእምነት ዘሰንዩና እዮም . . . መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኵሎም እቶም ብኣብነቶም ንኻልኦት ዚምህሩ፣ "ኣብ ሕልና ደቂ ሰብ ዚነብር ፍትሕን ሓቅን" ብምስማዕን ብምግልጋልን ኣብ ዕዮ ቤተ - ክርስትያን ይሓብሩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ንኻልኦት ኣብ ጕዕዞ እምነቶም ምእንቲ ኺሕግዙ ብእምነት ዝተመልኡ ክኾኑ ድማ ተላብዮም፣ ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ንዲያቆን ዲኦግራዚያስ፡ "እቲ ዚሰምዓካ እናሰመዓካ ምእንቲ ኺኣምን እናኣመነ ድማ ምእንቲ ተስፋ ክግበር ተስፋ እናገበረ ድማ ምንቲ ከፍቅር” ከም ዝበሎ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።
