ር. ሊ. ጳ.፦ ሃይማኖታት ምንጪ ፈውሲ ደኣ እምበር፣ ምንጪ ምክፍፋል ኣይኰናን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ከተማ ኣስታና ካዛኪስታን፣ ካብ ዕለት 17-18 መስከረም 2025 ኣብ ዝካየድ 8ይ ጉባኤ መራሕቲ ዓለምን ባህላውያን ሃይማኖታትን ክሳተፉ ይርከቡ ኣለዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ረቡዕ ብእተፈላለየ ቛንቋታት "ሰላም" ብዝብል ቃል ሰላምታ ዝጀመረ መልእኽቲ ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ምልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ መራሕቲ ሃይማኖት፣ "ነታ ዝዓነወትን ዝቘሰለትን ዓለምና ንምሕዋይ ኣብ ዘሎና ሓባራዊ ባህጊ፣ ሓድነት ንምሕዳስን፡ ሓደስቲ ምሕዝነታት ንምምስራትን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ንምዝታይ ተኣኪቦም ይርከቡ ኣለዉ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ "ዘተ ሃይማኖታት፦ ንመጻኢ ምትሕብባር" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ኣኼባ ከስተንትኑ ከለዉ ነፍሲ ወከፍ ሓቀይና ሃይማኖታዊ ድራኸ ዶባት ሰጊሩ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ሰባት ሓድነት ስለ ዘምጽእ ዘተን ምትሕብባርን ንምድንፋዕ ከም ዝጽዕር ገለጹ።
"ብሓባር ምዕያይ ግብራዊ ምርጫ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነጸብራቕ ናይቲ ዓሚቝ ሥርዓታዊ ክውንነት እዩ" በሉ። "እምበኣር ሓድነት ማለት ተፍባራዊ ውህደት ኮይኑ፣ ንብጻይና ከም ገዛእ ርእስና ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃታት ኣብ ምፍቃር ህያው መግለጺ ኢዩ።"
ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ምሕዝነት ነቲ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ዚድምስሶ፣ ንተኸተልቲ እተፈላለያ ሃይማኖታት፣ ንበበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያቶም ከም ምንጪ ብልጽግና ገይሮም ኪቕበልዎ ዝዕድሞም እዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን በቲ ኣብ 1965 ዘሎናዮ ዘመን ኣብ ዝብል ሰነድ ኣብ ዘውጽኣቶ ኣዋጅ፣ ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ውን ገለ "ሓቅን ቅዱስን" ዝዀነ ነገራት ከም ዘሎ፣ ኣፍልጦን ኣኽብሮትን ከም ዝሃበትሉ ኣመልከቱ።
"[ቤተ-ክርስትያን] ንነፍሲ ወከፍ ባህሊ ዘለዎ ፍሉይ ውህበት ናብ ሰደቓ ብምምጻእ፣ ሓቀይና ምትሕብባር ከተማዕብል እያ እትጽዕር፣ ነፍሲ ወከፍ እምነት ከኣ ንዕቤት ሓባራዊ ረብሓ ፍሉይ ጥበብን ርሕራሐን ኣበርክቶ ይገብር" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ከተማ ኣስታና ኣብቲ ኣቐዲሙ እተገብረ ጉባኤ ተኻፊሎም፣ መራሕቲ ሃይማኖት ንዓመጽ ኣብ ምዅናንን ንስደተኛታት ኣብ ምክንኻንን ንሰላም ምስራሕን ክጽዕሩ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዝደገፉ ውን ዘኪሮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መራሕቲ ኵለን ሃይማኖታት፣ እምነት "ካብ ምክፍፋል ንላዕሊ ሓድነት ከም እትህብ" ብምምስካር "መጻኢ ሰላምን ሕውነትን ሓድነትን" ንምህናጽ ቃል ክኣትዉ ጻውዒት ኣቕረቡ።
"ውህደት ንዅሎም ደቅሰባት ሓያል ምልክት ተስፋ እዩ ዝኸውን፣ እዚ ኸኣ ሃይማኖት ብመሰረቱ ምንጪ ግጭት ዘይኰኑስ ምንጪ ምሕዋይን ዕርቅን ምዃነን ዜርኢ እዩ" በሉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ንተኸተልቶም ኣብ ስኒት ንኽሰርሑን "ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘጥፍእን ትሕትናን ጽንዓትን" ንኽፈጥሩ ከተባብዖም ተስፋ ከም ዝገብሩ ገለጹ።
